ዓሌትነት ኣብ ክዕሶ እግሪ ኤውሮጳ

ሃድሰን ኦዲ ምስ ተጻዋቲ ቸልሲ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃድሰን ኦዲ ንተጻዋቲ ቸልሲ ካብ ደገፍቲ ዝበጽሖ ዘሎ ዓሌታዊ ጸርፊ እንተመላኽት

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ዝተኻየደ ናይ ኣውዲቕካ-ምሕላፍ ውድድር ኵዕሶ-እግሪ ኤውሮፓ 2020 ዘሕንኽ ተርእዮታት ስለ ዝተረኽበ ነቲ ጕዳይ 'ስምረት ኤውሮጳዊ ማሕበራት ኵዕሶ-እግሪ' (ኡኤፋ) ተታሒዙዎስ ኣብ ሚድያታት ኤውሮጳ ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። ጋንታ ሃገረ እንግሊዝ ሓሙሽተ ጸለምቲ ተጻወትቲ ሒዛ'ያ ኣብ ሜዳ ወሪዳ። ዋላ'ኳ ጋንታ እንግሊዝ ንጋንታ ሞንቶነግሮ 5-1 ትስዓር እቲ ዝቐረበ ሪፖርታዥ ኣብ ክንዲ በቲ ዉጽኢት ናይቲ ግጥም ዝኸውን ብዓሌትነት ኰይኑ ተረፈ። እቲ ግጥም እናተኻየደ እንከሎ እቶም ጸለምቲ ተጻወትቲ እንግሊዝ ካብ ቲፎዞ ብዝወረዶም ዘርኣዊ ዘለፋ ዘሕዝን ምዃኑ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሃገረ-እንግሊዝ ጋረት ሳውዝገይት ተዛሪቡ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንዘርኣዊ ጸርፊ ብሽቶ ዝመለሰ ራሂም ስተርሊንግ - ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ

ሓጺር ድሕረ-ባይታዊ

ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ብዘርኣዊ ጸርፊ ክጥቅዑ - ምስ ኣህባይ ዝተኣሳሰር ዉርደት - ትካላት ኣህጕራውያን ኵዕሶ በብእዋኑ ክብድሆኦ ጸኒሐን ኣሎዋ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ'ተን ቀዳሞት ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ (ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያ ... ወዘተ) ተጻወትቲ ምግፋዕ እንተጎደለ እኳ ሓሓሊፉስ ኣሎ።ኣብ ጋንታታት ኩዕሶ ዓለም፡ ማለት ካብ ኣፍሪቃ ዝተጠለቡ ይኹኑ ኣብ ስደት ዝተወልዱ ጸለምቲ ተጻወትቲ ካብ ዝሳተፉ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ግናኸ ዓሌትነት ገና ስለ ዘይተማሕወ ዘይሓለፍነታውያን ደገፍቲ ካብ ጸቢብ ኣረኣእያን ቅንእን ሕርቃንን ተበጊሶም ነዞም ብክእለቶም ዓቢ ተፈላጥነት ዝረኸቡ ጸለምቲ ተጻወትቲ ከዋርድዎም ይርከቡ።

በዓል ሳሙኤል ኤቶ፡ ያ-ያ ቱረ፡ ጆርጅ ወኣ፡ ዲድየ ድሮግባ ከምኡ'ውን ካልኦት ህቡባት ተጻወትቲ ኣብ ክንዲ በቲ ንኵዕሶ-ዓለም ዘበርከትዎ ውጽኢት ዝልለዩ ሓሓሊፎም ብሕብሪ ቆርበቶም ተገፊዖም'ዮም። መብዝሕትኡ እዋን ከምዚ ዓይነት ጸርፊ ኣብ ከም ሰርቢያ፡ ዩክረይን፡ ሞንቶነግሮ ዝኣመሰላ ሃገራት ሩስያን ከባቢኣን'ዩ ዝርአ። ይዅን'ምበር ኣብ ዓዲ ጥልያን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስፐይን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ ዝኣመሰላ ስልጡናት ሃገራት ገና ኣይጠፍአን። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ከኣ ዓሌትነት ንኽጠፍእ ጻዕርታት ኣይካየድን ኣሎ ማለት ግን ኣይኰነን።

Image copyright Mike Hewitt
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳሙኤል ኢቶ ብሰንኪ ሕብሩ ብዙሕ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ በጺሑዎ እዩ።

ሕግጋት

ንዓሌትነት ብዝምልከት ሕጊ ኡአፋ ከምቲ ዝድለ ጽኑዕን ሰተት ዘየብልን'ኳ ኣይኹን ብዙሕ ሰጒሙ እዩ። ንኣብነት ንዝዓገበ ንምቕጻዕ ንተዓዘብቲ ኣብ ስታድዮም ንኸይኣትዉ ብምኽልካል ብዘይ ተዓዘብቲ ዝተኻየዱ ግጥማት ኣሎዉ።

ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ዝተበየነሎም ጋንታታት'ውን ኣሎዉ። "ክብሪ (ንመሰላት ተጻወትቲ)" ዚብል ወፍሪ'ውን ብቀጻሊ የካየድ'ዩ።ብተደጋጋሚ ንዝዓገባ ጋንታታት፡ ኣብ ክንዲ ሓንሳብ ነቲ ስታድዮም ብምዕጻው ግጥም ምክያድ ብተኸታታሊ ንዝያዳ ግጥማት ከም ዝዕጾ ምግባር፣ እታ ጋንታ ብፎርፊት ከምእትስዓር ምግባር፣ ወይ ከኣ እታ ጋንታ ካብቲ ዉድድር ከም እትግለፍ ምግበር ዘኣመአሉ ሕግታት ኣሎዎ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ኵዕሶ ንወዲንነት ኰነ ዓሌትነት መሰረታዊ ፍታሕ ኣይተረኽበሎምን።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ካለም ሃድሰን-ኦዶይ

ካለም ሃድሰን-ኦዶይ

ካለም ሃድሰን-ኦዶይ ምስ ጋንታ ቸልሲ ዚጻወት ወዲ 18 ዓመት ማእከላይ ኣጥቃዕን ክንፈኛን'ዩ። ንመጀመርያ እዋን ንሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ ወኪሉ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሞንቶነግሮ ተጻዊቱ'ዩ። ቅድሚኡ ሰሙን'ውን ንቸልሲ ወኪሉ ኣብ ኪየቭ (ዩክረይን) ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣጓኒፉዎ ነይሩ። በቲ ዝወርዶ ዝነበረ ጸርፊ ከም ዝሓዘነ'ኳ ይዛረብ ዕድሚኡ ኣዝዩ ንኡስ ስለ ዝዀነ ስነ-ኣእሙሮኡ ተነኺኡ ከይከውን ሓካይም ጋንታ ቸልሲ ዘድሊ ክንክን ይገብርሉ ኣሎዉ። ራሂም ስተርሊንግ ከኣ ስምዒት ከይሓወሰ ብህድኣት "እቶም ኣብ ፈቐድኡ ጸርፍን ዉርደንት ዘዝንቡልና ሰባት ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ይግባእ" ብምባሉ ጋዜጠኛታት ኰኑ ሃገራዊ ኣሰልጣኒ ብክብርን ኣድናቖትን ይዛረብሉ ኣሎዉ።

ኣብ ከባቢና'ኸ?

ኣብ ከባቢና ወዲንነት ኵዕሶ-እግሪ ንፖለቲካ ምርኵስ ብምግባር ኣብ መወዳእታ 60ታት'ዩ ጀሚሩ ክበሃል ይከኣል። ሽዑ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣዝዩ ግኑን ነበረ። ብዘበን ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ኣስመራ ምስ ጋንታ ኣስመራ (ሓማሴን) ክትገጥም እንከላ ዝፍጠር ዝነበረ ዕግርግር እቶም ዕድመ ዝጸገቡ ዜጋታት ኣይርስዑዎን እዮም። መን ስዓረት ብዘየገድስ እቶም ቲፎዞ ኣብ ዉግእ ዝውዕልሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ኣብ ኣስመራ፡ መብዝሕትኦም ደገፍቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣባላት ጦር-ሰራዊት'ዮም ነይሮም። ደቂ-ኣስመራ፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋሁው ተደሪኾም፡ ንደገፍቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብኣእማን ሁር ክብሉዎም ዘገርምን ዘሰንብድን ትርኢት ነበረ - እቲ ዕግርግር ብዙሕ ሓደጋን ማእሰርትን'ውን የኸትል ነይሩ። እቲ ዕግርግርን ግጥምን ግን ኣብ ጋንታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ጋንታታት ኣስመራ (ሓማሴን)፡ እምባሶይራ (ኣከለጉዛይ)፡ መንደፈራ (ሰራየ)፡ ሎጎ (ሎጎጭዋ) እውን ይረአ ነይሩ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ብተመሳሳሊ ክንደይ ባእስን ዘለፋን ውርደትን ነይሩ'ዩ። ሽዑ ሰብ ኣብ ቀረባ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ሕዚ'ውን እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ጎንጽታት ኣብ መንጎ እተን ጋንታታት ይንጸባረቕ ኣሎ።