ቦይንግ ምስ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ተኸሲሱ

ካብ ስድራቤት ግዳያት ኣብ ሓዘን Image copyright Getty Images

ቤተሰብ ናይ ሓደ ግዳይ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈደራል ክሲ መስሪትሉ።

ስድራቤት ርዋንዳዊ ግዳይ ጃክሰን ሙሶኒ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ እታ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣብ ስርዓት መቆጻጸሪኣ ናይ ዲዛይን ጸገም ከም ዝነበራ ኣመልኪቶም።

ኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

እቲ ኩባንያ ምስቲ ሓደጋ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ስርዓት መቆጻጻሪ'ታ ነፋሪት ከም ዘመሓየሾ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ጉጅለ መርመርቲ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገና ኣብ መርመራ ኢዮም ዘለዉ።

ይኹን እንበር ኣፈናዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ካብቶም ዝተገጥሙላ ሶፍትዌራት ባዕሉ ከም ዝተወለዐ መርመርቲ ኣረጋጊጾም ክብል ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ገሊጹ። ብብዙሓት ሃገራት: መንገዲ ኣየራትን ኩባንያ ቦይንግን እተን 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውሕስነተን ክሳብ ዝረጋገጽ ካብ በረራ ተኣጊደን ይርከባ።

እቲ ጋዜጣ ኣስማቶም ዘይተገለጸ ምንጭታት ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ውጽኢት ብሓሙስ ንበዓል መዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ መግለጺ ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን ከም ዝቐረበ ይገልጽ።ኣብዚ ጉዳይ ቦይንግ መልሲ እንተለዎ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝግበር መርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ ዝኾነ ርእይቶ ከም ዘይህብ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፡ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ 'ዎል ስትሪት ጆርናል' ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝርኣዮን ምላሽ ክህብ ምዃኑን ገሊጹ።