መንግስታት ኣፍሪቃ ብኸመይ`ዮም ኢንተርኔት ዝዓጽዉ?

ሓንቲ ጓል ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ ኣብ ኮንፑተር እናሰረሓት Image copyright Getty Images

መንግስታት ካብ ጊዜ ናብ ግዜ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝዓጽዉሉ እዋን፡ ፈይስቡክ ይኹን፣ ትዊተር ዋላ ዎትስኣፕ የለ ዝብል ተርእዮ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ሃገረ ቻድ ነዞም ህቡባት ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ እትዓጹ ሓደ ዓመት ኮይኑ'ሎ።

ልክዕ ከም መንግስቲ ዚምባብዌ፡ ሱዳን`ውን ንምጥቃም ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ እዋን ሰላማዊ ሰፍታት ኣንጻር መንግስቲ ገዲባ`ያ።

ተሓለቕቲ መሰል ዲጂታል፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ መማዪ [ሳንሱር] ክብልዎ እንከለዉ፡ መንግስታት ግን ኣብ ምውሓስ ድሕነት ጠቓሚ'ዩ ይብሉ።

መንግስታት ግን ከመይ ገይሮም`ዮም ንኢንተርኔት ዝዓጽዉ?

Image copyright Getty Images

ምኽልካል ተጠቃምነት

ሓደ መንግስቲ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንዓማዊሎም ኣገልግሎቶም ምሃብ ደው ከብሉ ብምእዛዝ ተጠቃምነት ኢንተርኔት ክገትእ ይኽእል።

ኣብ ፈለማ፡ እዚ ምዕጻው ነተን ብብዝሒ ዝብጸሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክኸውን ይኽእል`ዩ።

ኣብ ኣዝዩ ዝጸንከረ ኩነታት ድማ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኩሉ ኣገልግሎቶም ደው ከብሉ ክእዝዙ ይኽእሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ 'ኣክሰስ ናው' ዝተባህለ ነጻ ተኸታታሊ ጉጅለ፡ ኣብ 2018፡ 21 ከፊላዊ ወይ ምሉእ ምዕጻው ኢንተርኔት ነይሮም። ኣብ 2017 ግን 13 ከምኡ'ውን ኣብ 2016 ድማ ኣርባዕተ ጥራይ ነይሮም።

ኣይቮሪ ኮስት፣ ዲሞክራሲያዊት ረፓብሊ ኮንጎ፣ ጫድ፣ ካሜሩን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ማሊ፣ ናይጀሪያን ሴራ ሊዮንን ዓሚ ምጥቃም ኢንተርኔት ገዲበን።

ቦዓለማዊ ደረጃ`ውን ከምኡ ዓይነት ተርእዮታት ነይሮም። ኣብ 2016፡ 75፡ ኣብ 2017 ድማ 108 ምዕጻዋት ጥራይ`ኳ እንተነበሩ ኣብ 2018 ግን 188 ምዕጻዋት ነይሮም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎ ኢንተርኔት ካብ መንግስቲ ብዝተዋህቦ ትእዛዝ`ዮም ኣገልግሎት ደው ኣቢሎም።

ሓደ ካብ`ቲ ሜላታት ድማ ነቲ ኡርል [ኣድራሻ ዩ ኣር ኤል] ምዕጻው`ዩ። እዚ ሜላ`ዚ ነተን ክዕጸዋ ዘለወን ገጻት ፈሊኻ ንምዕጻወን ዘኽእል ሜላ`ዩ።

ሓደ ተጠቃሚ በዚ ሜላ`ዚ ንዝተዓጽዋ ገጻት ክኸፍት ምስ ዝፍትን፡ 'ሰርቨር ኣይተረኽበን' ወይ ከአ 'እዚ ገጽ`ዚ ብኣካያዲኡ ተዓጊቱ'ሎ' ዝብሉ ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ከጓንፍዎ ይኽእሉ።

እቲ ካልእ ዓይነት ምእጋድ ድማ 'ትሮትሊን' ይበሃል።

እዚ ዓይነት እገዳ ንዋሕዚ ሓበሬታ ኣብ ገለ ገጻት ኣዝዩ ዘልምስ`ዩ። እዚ ድማ ንተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ዝሑል ኣሎ ማለት`ዩ ኢሎም ክሓስቡ`ሞ ተስፋ ከም ዝቖርጹ ይገብሮም።

እዚ ሜላ`ዚ ጉርሒ ዝመልኦ`ዩ፡ ምኽንያቱ ተጠቀምቲ እቲ ገጽ ብጽኑዕ ተደሪቱ ድዩ ወይስ እቲ ትሕተ-ቕርጺ`ዩ ሓሚቑ ክፈልጡ ኣሸጋሪ`ዩ

ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ፡ ኩባንያታት ቴሌፎን ኩሉ ኣገልግሎተን ከቋርጻ ክእዘዛ ይኽእላ፡ እዚ ድማ ንኹሉ ሓበሬታ ምዕጻው ማለት`ዩ።

Image copyright Getty Images

ወሃብቲ ኣገልግሎት ትእዛዝ ምቕባል ክኣብዩ ይኽእሉ`ዶ?

ክእለት መንግስታት ኣብ ምድራት ኢንተርኔት ኣብ ልዕሊ`ተን ኩባንያታት ቲሌፎን ዘለወን ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ`ዩ ዝምርኮስ።

ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብመንግስታት`ዩ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዝወሃበን። ስለ`ዚ ትእዛዝ መንግስቲ ዕሽሽ ኣብ ዝብላሉ እዋን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ወይ ድማ ምስራዝ ውዕለን ከጋጥመን ይኽእል`ዩ።

ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ክህልዎም ይኽእል`ዩ፡ ብተግባር ሳሕቲ`ዮም ዝጥቀምሉ።

ኣብ ገለ ሃገራት ግን ካብ ልሙድ ወጻኢ ዝኾነ ኩነታት ነይሮም።

ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት፡ መንግስቲ ዚምባብወ ተጠቃምነት ኢንተርኔት ምስ ኣገደ፡ ኣብያተ ፍርዲ`ታ ሃገር ኣገልግሎት ክጅመር ኣዚዘን።

ከም ግብረ-መልሲ ድማ መንግስቲ ዚምባብወ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ናይ ምቁጽጻር ተኽእሎ ዘውህብዎ ሓድሽ ሕግትታ ኣጽዲቑ።

`እዚ ኣህድሽ ሕጊ ኢንተርኔት ይኹን ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምጥሓስ ሃገራዊ ድሕነት ዘይኮነ፡ ኣብ ሰናይ ተግባራት ሕብረተ-ሰብ ጥራይ ንኽውዕሉ ንምቁጽጻር ክሕግዝ`ዩ` ኢላ ሚኒስተር ሓበሬታ ዚምባብወ ሞኒካ ሙስቫንግዋ።

እንተኾነ ግን መንግስታት ኢንተርኔት ክዓጽዋሉ ኣብ ዝደለያሉያ እዋን ዝቐለለ ስራሕ ዝነበረሉ ኣጋጣሚታት`ውን ነይሮም`ዮም።

`ናይ ብሕቲ ኣገልግሎ ቴለፎን ኣብ ዘይብለን ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ፍልይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ` ኢሉ ዞባዊ ዳይረክተር ናይ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ዳዊት በቀለ።

`ሓደ ብዘይተሓስበ ኩነታት ዝቖመ ብቐሊሉ ኢንተርኔት ንምዕጻው ከገልግል ዝኽእል መንግስታዊ እንኮ ኣገልግሎት መተሓላለፊ ሓበሪታ`ሎ` ኢሉ ንሱ።

መእተዊ ናብ ኢንተርኔት ፈጺሙ እንተዘይተዓጽዩ፡ ውልቀ-ሰባት ተጠውዮም ኢንተርኔት ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ሜላታት ግን ኣለዉ።

Image copyright Getty Images

እቲ ኣዝዩ ዝውቱር ሜላ ድማ ቪርቹዋል ፕራይቨት ኔትዎርክስ (VPNs) ይበሃል።

እዞም VPNs ንሓበሬት ምስጢራዊ [አንክሪፕትድ] ብዝኾነ መንገዲ የመሓላልፉ። እዚ ድማ እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተጠቃምነት ንምዕጋት የሸግሮም።

መንግስታት`ውን እንተኾኑ ነዞም VPNs ክዓግቱ ይኽእሉ`ዮም፡ እንተኾነ ግን ኣብ`ታ ሃገር ንዝርከቡ ወጻእተኛታት ዲፕሎመሰኛታት ክሽገሩ ስለዝኽእሉ መንግስታት ነዚ ስጉምቲ`ዚ ክወስዱ ኣይተባብዑን`ዮም።

ሓደ ሓደ ኣፍሪቃውያን መንግስታት `ምስሩሕ ወረ [fake news]` ይስዕርር ኣሎ ብምባል ማህበራዊ መራኸቢታት ይዓግቱ ኣለዉ።

ገለ ተንተንትን መራሕቲ ተቓውሞን ግን እዚ ምዕጋት`ዚ ድምጺ ወእቐስቲ መንግስቲ ንምዕባስ ዝግበር ምኽኒት`ዩ ይብሉ።

`ብሰንኪ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ ቀቅድሚ ምርጫ፣ ኣብ እዋን ምርጫን ድሕሪ ምርጫን መንግስታት ኢንተርኔት ናይ ምዕጻው ድሌታት የርእዩ` ኢሉ ኣቶ ዳዊት በቀለ።