ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግበር መጥቃዕትታት ኮኒኑ

ሲሪል ራማፎዛ Image copyright AFP

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ደው ክብል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ደርባን ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ ገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶምን፡ ክልተ ደቂ ማሊ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ሂወቶም ንምድሓን ኣብ ኣብያተክርስትያንን መሳጊድን ክዕቆቡ ከም ዝተገዱዱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ኣብቲ እታ ሃገር መበል 25 በዓል ናጽነታ እተኽብረሉ "ወርሓ ናጽነት" ሚያዝያ ምፍጻሙ ከም ዘጉሃዮ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ሓያሎ ድኳናትን ንብረትን ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት በቶም ዘሳጎጉዎም ከም ዝተዘምቱ ጸብጻባት ገሊጾም።

"ሎሚ ቁጠባናን ሕብረተሰብናን ኣብቲ ምስ ኣብ ኣህጉርና ዘለዉ መሻርኽትና ዘሎና ሰፊሕ ናይ ንግድን ወፍርን ርክባት ይጥቀም'ዩ። እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኣሕዋትና ድማ፡ ንምዕባለ ሃገርና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ" ክብል ፕረዚደንት ራማፎዛ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኢ-ወጻእተኛታት (ዜኖፎብያ) ዘንቀሎ መጥቃዕትታት ብቐጻሊ ከም ዝፍጸም ይንገር።

"ምዕባለ ኣፍሪቃ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ንብረትን ኣገልግሎታትን'ዩ ዝምርኮስ፡ እዚ ድማ ንናይ ኩላትና ረብሓ'ዩ። ገበነኛታት ነዞም መስርሓት እዚኣቶም ክዓግትዎም ኣይከነፍቅደሎምን ኢና" ኢሉ።

ሓያሎ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣምባሳደራት በቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝግበር ዘሎ መጥቃዕታት ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ መስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ፋሪቃ ሊንድወ ሲሱሉ ከም ዝተራኸቡ'ውን ተፈሊጡ።

ይኹን 'ምበር፡ መንግስቲ ነቶም መጥቃዕታት ደው ኣብ ምባል ይኹን፡ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኣብ ምቕራብ እኹል ግብራዊ ስጉምቲ ኣይወሰደን ክብሉ ይነቕፉ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ንባዕሉ ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ንዝመጽእ ምርጫ ጎስጓስ ናብ ስደተኛታት ዝቐንዐ መደረታት ምስምዑ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኣት ወጻእተኛታት ዘተባብዕዩ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ከምዚ ዝበሉ መጥቃትታት ምዃኖም ይዝከር።