ዕልቕልቕ ሞዛምቢክ፡ ሓንቲ ኣደ ኣብ ኦም ማንጉስ ተገላጊላ

ኣመልያ ምስታ ኣብ ኦም ማንጉስ ዝወለደታ ሳራ ጓላ Image copyright UN
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣመልያ ምስታ ኣብ ኦም ማንጉስ ዝወለደታ ሳራ ጓላ

ሓንቲ ሞዛምቢካዊት ካብቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ህቦብላ ኢዳይ ዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ ሂወታ ንምድሓን ኣብ ሓደ ኦም ማንጉስ ምስተሰቕለት ሓሪሳ።

እታ ኣመልያ ዝተባህለት ኣደ፡ ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ውላዳ ኣብቲ ኦም ደዪባ እንከላ'ያ፡ ጓል ተገላጊላ።

እታ ስድራ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ብሓገዝ ጎረባብቲ ካብቲ ኦም ብምውራድ ናብ ውሑስ ቦታ ከም ዝወጸት ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ 'ኢዳይ' ዝተባህለ ሓያል ህቦብላ ልዕሊ 700 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ሓንቲ ኣደ ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሓደ ገረብ ተሰቒላ እንከላ 'ተኣምራታዊት ህጻን' ተባሂላ ዝተጸወዐት ጓል ተገላጊላ ነይራ። ስም እታ ቆልዓ ሮዚታ ማቡያንጎ ይበሃል።

"ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ወደይ ኣብ ገዛ ከለኹ፡ ሃንደበት ማይ ናብ ገዛና ክኣቱ ጀሚሩ" ክትብል ንትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩኒሰፍ፡ ተዛሪባ።

"ናብቲ ኦም ካብ ምድያብ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን፡ በይነይ'የ ነይሩ ምስ ወደይ"።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣመልያን፡ እቲ ዓብዩ ዘሎ ስድራቤታን ኣብ ሓደ ኣብ ማእከላይ ዞባታ ሃገር ዝርከብ ዶምበ ዝተባህለ ዞባ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቚባ'ላ።

እታ ጓል 19 ዓመት ኮይና ዘላ ሮዚታ ማቡያንጎን ኣዲኣ፡ ሶፊያን፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ብሄሊኮፕተር ካብቲ ኦም ክድሕን ከላ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ተራእየ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝና ኣትሪፈን'የን።

ሶፊያ ኣብቲ ኦም ክትሓርስ እንከለ ብዙሕ ከም ዝተጻዕረት ንመይል ኤንድ ጋርድያን ዝባህለ ጋዜጣ ተዛሪባ።

"ይበኪን ይውጭጭን ነይረ። ሓንሳብ እቲ ቆልዓ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ሓንሳብ ድማ ናይ ጥምየት'ዩ እብል ነይረ"።

ብምውሳኽ፡ "ብዙሕ ሰብ ኣብቲ ዕልቕልቕ ብዙሕ ከሲሩ'ዩ፡ ኣነ ግን ገለ መኽሰብ ረኺበ" ኢላ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሮዚታ'ውን ኣብቲ ናይ 2000 ዕልቕልቕ ሞዛምቢክ ኣብ ኦም ዝተወለደት'ያ

ይኹን 'ምበር፡ ሮዚታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተኣትወላ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ይኹን ብመንግስቲ ኣመሪካ ክኽፈል'ዩ ዝተባህለ ንኣመሪካ መኼዲ ትኬት ከይተፈጸመ ተሪፉ ተዛሪባ።

"ትምህርተይ ብኣደይ'ዩ ዝኽፈል፡ ካብ መንግስቲ ዝረኸብክዎ ወላሓንቲ የለን" ትብል ሮዚታ።

"ሓቂ'ዩ፡ መንግስቲ ገዛ ሰሪሑልና'ዩ፡ ይኹን 'ምበር ሕጂ ኣብ ሕማቕ ኩነታት'ዩ ዝርከብ። ዝናብ ክሃርም እንከሎ፡ ናብ ውሽጢ ገዛ ይልሑኽ'ዩ። እንተወሓደ ኣብ ምሕዳሱ ክድግፉና ኣለዎም"።