ሓደ ዓመት ኣብይ ኣሕመድ፡ ፡ ናይ 'ምድማር'ዶስ ምጉዳል?

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ Image copyright MICHAEL TEWELDE
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ዝደየበሉ ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኽቢሩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ቀዳማይ ዓመተ-ሲመቱ ኣብ ዘኽብረሉ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ሸሊኹ ወጺኡ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጋዋሕ ዝቐነየ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ)፡ እቲ መራሒ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምድያቡ'ውን ካብ ኣንደበቱ ዘይፍለ ቃል ከምዝነበረ እዩ ዘመላኽት።

ብዙሓት እቲ ቃል ከም ሓደ ጽንሰ ሓሳብ ብዕሊ ተተንቲኑ ኣይቀረበን ዝብል ነቀፌታ ዘለዎም እንትኸውን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን ናብ ወንበር ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ፡ ብዝተረኸበ አጋጣሚ ኩሉ፡ ክጥቀመሉ ይስትውዓል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስልጣን ሓደ ዓመት ዝመልኦ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ገለ ወገናት ኣድናቖት ካብ ካልኦት ድማ ነቐፈታ የተኣናግድ ኣሎ።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ይኹን'ምበር ካብቲ ዝጸንሐ ናይቲ ግንባር ነባር አመራርሓ ፍለይ ዝበለ መንገዲ ሒዙ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ነባር ኣመራርሐ ዝፍለየሉ መንገዲ እቶም ዝጥቀመሎም ቃላትን አገላልጻታትን እዮም። 'ክራይ ኣካቢነት'፣ 'ሓደ ንሓሙሽተ' ፣ 'ወያናይ ዲሞክራሲ' ወዘተ ዝብሉ ቃላት ንጎኒ ገዲፉ፡ 'መደመር' ዝብል ቃል ኣብ ዝኸዶ ካብ ኣንደበቱ ዘይጠፍእ ሓረግ ኮይኑ ኣሎ።

ንምዃኑ እዚ ጽንሰ ሓሳብ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብዕሊ ትርጉም ረኺቡ ዶ? ዝተፈላለዩ ሰባትከ ብኸመይ እዮም ዝርድእዎ?

'መደመር'. . .

ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈትሓ ፖለቲከኛ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 'ዜግነት' ብዝብል ፖለቲካ ናይ ዝተኣኻኸቡ፡ ሽድሽተ ውድባት ፖለቲካ ዋና ኣቦ-መንበር ኮይኑ ተመሪጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ 'መደመር' ዝብል ብኸመይ እዩ ዝግለጽ ዝብል ግልጺ እንተዝገብሮ ጽቡቕ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

"ብፍላይ ከም ተቓወምቲ ኣብ ምንታይ ኢና ንድመር፡ ኣብ ምንታይከ ኣይንድመርን ዝብል ግልጺ ኣይኮነልናን" ይብል።

ሃገራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ካብ ጭቆና ምንጋፍን ኣብ ዝብል ምስ ዝኾነ ኣካል ብሓደ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ዝብል ቅዋም ኣለዎ።

ብዙሓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ ምግባሩ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣትዮም ኣብ ዓዶም ክቃለሱ ምፍቃዱን ዓብይ ትርጉም ከምዝህቦ'ውን ይዛረብ።

Image copyright Getty Images

ካብዚ ወጻኢ ግን ንሱ 'መደመር'፣ 'መደመር' ይበል ምበር ኣብ መሬት ዝኸውን ዘሎ ናይዚ ተጻራሪ እዩ- ይብል።

"ሰብ ብመንነቱን ብዝዛረቦ ቋንቋን ጥራሕ ተበይኑ ዝቕተለሉ፤ ዝግለሉን ዝመዛበለሉን ዘበን ኢና ዘለና" ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝብሎን ኣብ መሬት ዝኸውን ዘሎን ሰማይን መሬትን ከምዝኾነ ይዛረብ።

ከም 'ጸረ ቃንዛ'

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ዝወጸሉ እዋን ኣብታ ሃገር አንጸላለዩ ዝነበረ ሓደጋ ኣብ ግምት እተአቱ ድማ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ህሊና ብርሃኑ ትበሃል።

እዚ ምድማር ዝበሃል ሓሳብ እቲ ወጥሪ ክዝሕልን ክሃድእን ገይሩ ይኾን ትብል። ኣብ እዋኑ ድማ 'ከም ጸረ ቃንዛ' ኣገልጊሉ ኢላ እያ ትርደኦ።

"ከም ሃገር ናበይ ኢና ነምርሕ ዘለና ኢልካ ዘጭንቕ ግዘ ስለዝነበረ፡ ከም መዝሓሊ ቃንዛ ወሲድናዮ ኢና" ትብል። እቲ ቃል ድማ ብዙሕ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ዘይብሉ ንምርድኡ ቀሊል ምንባሩ ትዛረብ።

ይኹን'ምበር እቲ ጽንሰ ሓሳብ ካብ ምስግጋር ሓሊፉ ናብ ቀጻሊ ብርኪ ዝወስድ ኣንፈት የብሉን እያ ትብል።

"ካብ ግዝያዊነት ሓሊፉ በብመዓልቱ ክርደአና ናብ ዝኽእል ደረጃ ክወርድ ነይሩዎ። ኣብ መሬት ክንረኽቦ ይግባእ ነይሩና" እትብል ህሊና፡ እቲ ቃል ግልጽነት ከምዝጎድሎ እያ ተቕምጥ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ዝኾነ ሰብ መጺኡ 'ምድማር' ማለት እዚ እዩ እናበለ ናብ ዝደለዮ ጠውዩን ጠምዚዙን ዝጥቀመሉ ዓይነት ሓረግ ክኸውን ኣይምተገበአን ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዋ።

'መደመር'-ንኤርትራውያን ?

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ወጻኢ'ውን እቲ ሓረግ ተግባራዊ ክገብሮ ፈቲኑ እዩ። ብፍላይ ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ተኣሳሲሩ፡ እዚ ሓሳብ ብተደጋጋሚ ተልዒሉ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን፡ "እዚ ህዝቢ 'ክልተ ህዝቢ እዩ' ኢሉ ዝኣምን እንተሎ ታሪኽ ዘይተረደአ ጥራሕ እዩ" ምባሎም ዝዝከር እዩ።

እዚን ወዲዝን፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥርጣረ ከምዝፈጠረ ይዝረብ። ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝጸሓፉ ኤርትራውያን'ውን ኣለዉ።

Image copyright Getty Images

ኣብ ስዊድን ተቐማጢ ዝኾነ፡ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኻሊድ ዓብዱ፡ "'መደመር' ዝበሃል ንዓና ንኤርትራውያን ዓብይ ስግኣት እዩ" ኢሉ ንቢቢሲ። ምድማር ምስ ዝብል ሓሳብ፤ "ኢሳይያያስ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ክህባ እዩ፡ ክሸጣ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ክገብራ እዩ" ዝብል ስምዒት ከምዝፈጥረሎም እዩ ዝዛረብ።

"ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምድማር ዝሃቦ ሓሳብ የለን። ሓደ ውልቀሰብ ጥራሕ እዩ ይውስን ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዝቕበሎ ሓሳብ ኣይኮነን" ኢሉ።

ምድማር-ትማልን ሎምን

ፋሲል ተስፋዬ፡ ምድማር ዝብል ሓሳብ ብባዕሉ ጸገም ከምዘይብሉ ይዛረብ። ኣብቲ እዋን ትርጉሙ ዝተረደኦምን ዘይተረደኦምን ከምዝተደመሩ ይገልጽ። ንዕኡ ምድማር ማለት ሓደ ምዃን ማለት እዩ።

ይኹን እምበር ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተፈለየ ቅዋም ሒዞም ካብ ዝተርኣዩ ሰባት ሓደ እዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ለውጢ እንትጅመር ዝነበሮ ስምዒት ''ሎሚ ኣብ ውሽጠይ የለን'' ይብል።

እቲ ምድማር ዝብል ቃል ባዕሉ ካብ ዝወሰኾ፡ ዝጉደሎ ጎሊሁ ከምዝረአዮ ይዛረብ።

እቲ ጽንሰ ሓሳብ ንውሑዳት ጠቒሙ እንተኾነ እምበር፡ ንመብዛሕተኡ እቲ ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ክረክብ ገይሩዎ እዩ ዝብል እምነት የብሉን።

"ብግልባጡ ምጥርጣር፡ዘይምትእምማንን ስሰዐን ነጊሱ'' ዝብል ገምጋም እዩ ዘለዎ።

''ሰብ ንጽባሕ ብስግኣት ክርኢ ገይሩዎ'' ይብል።

''እቲ ጸገም ኣብቲ ምድማር ኣይኮነን፤ ኣብቲ ጽንስ ሓሳብ 'ውን ኣይኮነን፤ ናይቲ ህዝቢ ብስምዒት ምድማር እውን ኣይኮነን። እቶም ነቲ ሓሳብ ኣምጺኦም ህዝቢ ኣብ ኣብ ዙርየኦም ክዓስል ዝገበሩ ሓይልታት ብትኽክል ክንጥቀመሉ ኣይቀረጹናን።

ንባዕሎም ተግባራዊ ገይሮም 'ውን ኣይኮኑን ዝመርሑና ዘለዉ'' ብምባል ይነቅፍ።

እቲ ሓሳብ ግን ሓዱሽ ድዩ?

ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ቅድም ክብል ኣብ ውድብ 'አንድነት ለፍትህና ለዲሞክራሲ' ኣባል ኣመራርሓ ብምዃን ይቃለስ ነይሩ። ምድማር ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ውድቡ ሓድነትን ሓቢርካ ምንባርን እንትሰብኽ ብቕዋም ደረጃ ንሓድነት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ይህብ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ምስ ውድቦም፡ ንብዙሕ እዋን ናይ ሓድነት ፖለቲካ ከሰጉሙ ምጽነሖም ብምግላጽ ምድማር ዝብል ንዕኡ ሓዱሽ ከምዘይኮነ ይሕብር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝኾነ ኣይተ ናሁሰናይ በላይ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ መምህራን ኣኪቡ እንተዛቲ ''ምድማር እንታይ ማለት እዩ?'' ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ፤ ''ንሱ ናይ ሙሁራት ስራሕ እዩ። ንስኻቱም ተመራመሩሉ'' ከምዝበለ ይዝክር።

ናሁሰናይ ግን ''እቲ ሓሳብ ናይ ምትርጓምን ምርቃቕን ስራሕ፡ ናይቲ ሓሳብ መምጽኢ እዩ'' ይብል።

ሓኪም ስነ ኣእምሮን ብዝገብሩዎም ኣነቓቓሕቲ ዘረባታት ዝፍለጡ ዶክተር ምህረት ደበበ ''ምድማር ሓዱስ ጽንሰ ሓሳብ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ሓዱሽ ምልከታ (ፓራዳይም) እዩ'' ብምባል ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዘርኢ ብዙሕ ምፍልላይ፡ ሕድሕድ ኩናት ምክያዱ ጠቒሶም እዚ ጸገም ንምቕራፍ ኣብ ተግባር እንተውዒሉ ናይ ሓዱሽ ኣመለኻኽታ ጽንሰ ሓሳብ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

''ይኹን'ምበር ብተፈጥሮ ዘሎ ነገር እዩ። ሓዱሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን'' ይብሉ።

ዝተደመረን ዘይተደመረን

ኣይተ ናሁሰናይ፡ ምድማርን ዘይምድማርን ፈታውን ጸላእን መፍለይን፡ 'ዝተደመረን ዘይተደመረን' እናተብሃለ ሰብ ንምጥቃዕ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ ይብሉ።

"እንታይ ማለት ከምዝኾነ ኣይፍለጥን። ተደሚርካ ማለት እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝብልዎ ምጥቓዕ ማለት እዩ። ዘይምድማር ድማ ተጠራጢርካ ወይ ተቓዋሚ ኮንካ ማለት እዩ'' ብምባል ብተግባር እንትግምገም 'ውን እዚ ዝበሃል ጸንሰ ሓሳብ ኣይኮነን ይብሉ።

ዶክተር ምህረት ግና ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ እዩ ዘለዎም። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ቃል ንዘይተደለየ ዕላማ ይውዕል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ድልየት ከምኡ ከምዘይኮነ ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ነቲ ሕብረተሰብ ዝተደመረን ዘይተደመረን እናበልካ ምጽላም ነቲ ጽንሰ ሓሳብ ዘይምርዳእ እዩ'' ዝብሉ ዶክተር ምህረት እቲ ሓሳብ ብቕኑዕ መገዲ ናብ ሕብረተሰብ ክሰርጽ ክስረሓሉ ከም ዝግባእ ይዛረቡ።

"ምድማር፡ ንዘይምድማር መሰል ዘይህብ እንተኾይኑ፡ ምስባዕሉ እውን ይዋቓዕ እዩ'' ብምባል እቲ ሓሳብ ነጻነት ዝህብ ክኾን ከምዘለዎ የመላኽቱ።

ንምዃኑ ምድማር እንታይ እዩ?

ምስቲ ሓሳብ ዝጸንሐ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝገልጹ ዶክተር ምህረት ደበበ፤ ሰባት ተረዳዲኦም እቲ ዘይብሉ ነገር ካብቲ ካሊእ ዘለዎ ክረክብ፤ ሕድሕድ ሰብ በበይኑ ካብ ዝሰርሕ ተሓባቢሩ እንተሰርሐ ዕዉት ከምዝኸውን ዘመላኽት ኣተሓሳስባ ከምዝኾነን፡ ቀሊል ናይ ሒሳብ ቀመር እንተይኮነስ ረቂቕ ተዛምዶ ከምዘለዎ ይዛረቡ።

ምድማር ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብተግባር ምግምጋም ዝኸብድ ከምዘኾነ ይልጹ ዶክተር ምህረት። እቲ ጽንሰ ሓሳብ ብምሁራት ተገምጊሙን ጽንዓት ተገይሩዎን ብግልጺ ዝተፈተሸ ከምዘይኮነ ገሊጾም፤ ይኩን እምበር ንምይይጥ ክፍቲ ክኾን ከምዘለዎ ይኣምኑ።