ትግራይ- ኣኽሱም፡ ስግኣት ሓወልቲ ኣኽሱም እንታይ’ዩ?

ሓወልቲ ኣክሱም ቑጽሪ ሰለስተ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓወልቲ ኣክሱም ቑጽሪ ሰለስተ፡ እቲ ብሓጺንን ዝተገተረ ሸራን ተኣሲሩ ዘሎ እንትኾን 24 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ፤ 160 ቶን ድማ ይምዘን

ኣብ ዓለም ጠጠው ኢሉ ዝርከብ እቲ ዝነውሐ ብሕታዊ ሓወልቲ ኣኽሱም 'ቁጽሪ ሰለስተ' ክወድቕ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት፡ ንተስፋ ቱሪዝም ኣኽሱምን ታሪኻዊ ኹርዓት ህዝቢ ትግራይን ይፈታተኖ ኣሎ።

ናብዛ ጥንታዊት ከተማ ዝኣተናሉ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ እዩ። ካብ ንኡስ ክሳብ ዓብዪ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ጽዮን ማርያም የምርሕ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣኽሱም ኣብ ዓብዪ ጾምን ጸሎትን ኣላ።

ብጽሩብ እምኒ [ኮብልስቶን] ኣብ ዝወቀበ ሰፊሕ ጎልጎል ኮይንካ ድማ፡ ብደወልን ዝማሬ ሰዓታት ቅዳሴን እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተመሰጣ ኣእዛን ትዕዘብ።

ካብ ልሙጽ እምኒ ዝተቐረጹ መሳቕልን ኣናኣሽቱ ባህላዊ ስፈታትን ሒዞም እግሪ እግሪ በጻሕቲ ዓዲ ዝጎይዩ ህጻናት፣ መሸጢ ቕርጻ ቕርጽን ኣሳእልን ከምኡ'ውን ባህላዊ ክዳውንቲ ድማ፡ ጸጋታት ቱሪዝም ኣኽሱም ክቋደስ ንዝመጽአ ጋሻ፡ 'እንኳዕ ደሓን መጻእኹም' ይብሉ።

ኣብ እግሪ እታ ቤተ ክርስቲያን መንከሱ ብኢዱ ዝደገፈ ኣገልጋሊ እታ ቤተ ክርስቲያን ገብረመድህን ኣሰፋ ግን፡ ብሓሳብ ካብ ስርዓተ ቅዳሴ ርሒቑ፡ ንዓመታት ሽምጣ ብገመድ ናብ ዝተኣሰረት ሓወልቲ ኣኽሱም ቑጽሪ ሰለስተ ከመዓዱ ረኺብናዮ።

"እዛ ሓወልቲ እንታይኮን ክገጥማ ይኸውን?" ዝብል ጸበባ ካብ ኣዒንቱ ምንባብ ዝኽኣለ ሰብ፡ ቅርብ ኢሉ ምሕታቱ ኣይተርፍን።

ኣጻብዕቱ ናብተን ሓወልታት እናመላኸታ፡ "ነዊሕ ዓመታት ይገብር ተኣሲሩ'ዩ ዘሎ። ብዳሕንኡ ድዩ ኣይኮነን እንፈልጦ ነገር የለን፤ ግን ከምዚ ኢሉ ድዩ ክተርፍ?" ኢሉና።

መብዛሕትኦም ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን፣ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ፣ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማን ካልኦት ግዱሳትን'ውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሓሳብን ጭንቅን ኣለዎም።

ሓወልታት ኣኽሱም

  • እቲ ዝወደቐ ሓወልቲ፡ 520 ቶን እንትምዘን 33 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ
  • ብ2000 ዓ.ም ካብ ሮማ ዝመጽአ ሓወልቲ ኣኽሱም ቑጽሪ ክልተ፡ 170 ቶን እንትምዘን 27 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ
  • ሓወልቲ ኣኽሱም 'ቑጽሪ ሰለስተ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጠጠው ኢሉ ዝርከብ ሓወልቲ ድማ፡ 160 ቶን ተመዚኑ፡ 24 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ
  • እዞም ሓወልታት ኣብ ጎቦ ዱራ ካብ ዝርከቡ ውጹእ ኣእማን ዝተቐርጹ ኮይኖም፡ ኣብ እዋን ስልጣነ ኣኽሱም ብሓርማዝ ተጎቲቶም ምምጽኦም ይዝረብ

እንታይ'ዩ እቲ ጸገም?

ኢትዮጵያ ብወተሃደራት ጥልያን ዝተወስዳ ሓወልቲ ድሕሪ 68 ዓመት ምምላሳ ይዝከር። እዚ ካብ ዝኸውን ድማ ኣስታት 14 ዓመት ተቖፂሩ።

ሓወልታት ኣኽሱም ካብ 3ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም፡ ብጥበብ ጠጠው ከም ዝበሉ ይንገር።

ብክልተ ሚስጢራዊ ማዕፆታት [ፎልስ ዶርስ] ዝማዕረጉ እዞም ሓወልታት፡ ንዘመናት ዘይተነግሩን ምስጢራውን ታሪኻት ሓቢኦም ከም ዝርከቡ ሊቃውንቲ ኣኽሱም ይዛረቡ።

እቶም ሓወልታት ጥንታዊ ስልጣነ ኣኽሱማውያን ዝነግሩ ኮይኖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ፍሉያት ሚስጢራውያን ታሪካዊ ምልክታት ተገይሮም ይውሰዱ።

ሓወልቲ ኣኽሱም ቑጽሪ ሰለስተ ኣንጸላሊዩዎ ዘሎ ሓደጋ ግን፡ ነቲ ታሪኻዊ ኹርዓት ተጋሩን ኢትዮጵያውያንን ይፍትኖ ኣሎ። እቲ ካብ ሮም ዝመጽአ ሓወልቲ እንትትከል እዩ ኣነቓኒቑዎ ዝብሉ ግምታት'ውን ኣለዉ።

ነቶም ኣብ ልዕሊ መሬት ዝርከቡ ሓወልታት ዝተሰከሙ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ መቓብራት ነገስታት ኣለዉ። ውሽጣዊ ትሕዝቶ እዞም ካብ ሓደ እምኒ ዝተሰርሑ መቓብራት ግን፡ ተሰንጢቑን በብግዚኡ እቲ ነቓዕ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ኢና ተዓዚብና።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም ከተማ ኣኽሱም ኣቶ ገብረመድህን ፍጹም ብርሃን

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም ከተማ ኣኽሱም ኣቶ ገብረመድህን ፍጹም ብርሃን፡ እዚ ክፋል 'ሞዘሌም' ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ነጊሩና። እዚ ኽፍሊ 10 መቃብር ንጉሳት እንትህልዎ፡ ንጉሳት እቲ ዘመን ምስ ንብረቶምን ስድረኦምን ዝተቐበርሉ ቦታ'ዩ።

እዚ መቓብር ዝገጥሞ ዘሎ ምስንጣቕ ድማ'ዩ፡ ነቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሓወልቲ ናብ ሓደጋ ዘእትዎ ዘሎ።

"ቅድም ኢሉ እቲ ምስንጣቕ ብጣዕሚ ንኡሽቶ'ዩ ነይሩ። ሕዚ ግን እናዓበየ መጺኡ ኣጻብዕቲ ዘሽሉኽ ኮይኑ ኣሎ። በዚ እንተቐጺሉ፡ ከቢድ ሓደጋ'ዩ ከስዕብ" ኢሉ ገብረመድህን።

ክሳብ ሕዚ ምኽንያት ምስንጣቕ እዞም ኣእማን ኣይተፈልጠን። ኣመራርሓ ቱሪዝም እታ ከተማ ግን፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ እምንን ሓመድን ከቢዱዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ብየማናይ ገፅ እቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሓወልቲ ድማ፡ ካልኦት ኣብ ትሕቶ መሬት ዝርከቡ ተመሳሰልቲ መቓብር ነገስታት ኣለው።

እዚ መሰረት ናይቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሓወልቲ ቑጽሪ ሰለስተ ኾይኑ፡ 18 መደያየቢ ኣለዎ። ሎሚ፡ 15 መደያይቦ ወሪድና ንውሽጢ ክንኣቱ ዕድል ረኺብና። ብፍላይ ኣብ እዋን ክራማት ግን ሓንቲ ደረጃ'ውን ምንቕ ምባል ከም ዘይክኣል ተነጊሩና። ማይ ስለ ዝመልእ።

ምንጪ እዚ ማይ ካበይ ምዃኑ ኣይፍለጥን፤ ግን ክኣ ዓብዪ ስግኣት ህልውና እቲ ሓወልቲ ኮይኑ'ሎ።

"እዚ ማይ ዓቝሩ ዘሎ ከባቢ፡ ሓወልቲ ቑጽሪ ሰለስተ ጠጠው ዝበለሉ መሰረት'ዩ። በዚ እንተቐጺሉ፡ ሓደግኡ ኣብቲ ሓወልቲ'ዩ። ልሙዕ ሓመድ ናይቲ ሓወልቲ ሸርሺሩ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓርፋፍ ነገር ክዓርፍ ክገብሮ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ጽቡቕ ኣይኮነን። ብምሉእ ከዕንዎ ይኽእል'ዩ" ብምባል የረድእ ኣቶ ገብረመድህን።

ዝኸፍአ ሓደጋ ከጋጥም እንተኾይኑ ኣብ እዋን ክረምቲ ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ክረምቲ ምእታው ህጹጽ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ'ውን ይሕብር።

ምስንጣቕ ናይቶም ዓበይቲ ካብ እምኒ ዝተሰርሑ መቓብራት ትሕቲ መሬትን፡ ምንጩ ዘይፍለጥ ምምላእ ማይ መሰረት እቲ ሓወልቲን'ዮም እምበኣር፡ 'ክወድቕ'ዶ ክጸንሕ ይኸውን?' ዝብሉ ማንታ ስግኣታት ፈጢሮም ዘለው።

ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ መሰረት እቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ሓወልቲ ቑጽሪ ሰለስተ ኾይኑ፡ 18 መደያየቢ ኣለዎ።

"እቲ ሓወልቲ እንተወዲቑ፡ ንዓና ሕፍረት'ዩ"

ውርሻታት ስልጣነ ዘመነ ኣኽሱም፡ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ'ዮም ሸፊኖም ዝርከቡ። ሓወልቲ ኣኽሱም ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ዝድህሰሱ ሓድግታት ዓለም፡ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮን] ዘመዝገበቶ ሃብታ'ዩ።

በብዓመቱ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም በጻሕቲ ዓዲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ከተማ ኣኽሱም ይበፅሑ። ተምሃሮን ሙሁራትን ዩኒቨርሲቲታት'ውን ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣብ ዙርያ ኣኽሱም የዳልውን ብቐረባ ይመሃርሉን። ካብዚ እታ ከተማ እትረኽቦ እቶት ኣሎ።

ሳልበር፡ ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ ስፔናዊ በጻሒ ዓዲ'ዩ። ስለ ምንታይ ናብ ኣኽሱም ከም ዝመጽአ ሓቲትናዮ።

"ኣኽሱም ማእኸል ሃይማኖት ኢትዮጵያን ሃይማኖታዊት ቦታን ስለ ዝኾነት'የ መጺአ" ኢሉ።

ቐጺሉ፡ "ብዛዕባ ኢምፓየር ኣኽሱም፣ ንግስተ ሳባ ምስ ንጉስ ሰለሞን እስራኤል ዝነበራ ዝምድናን ጽላት ጽዮንን ይፈልጥ'የ። ብዛዕባ ኣኽሱም ግን ብተወሳኺ ክፈልጥ እደሊ። ነዚ'የ መጺአ" ኢሉ።

ሄሱስ ድማ ሜክሲኮኣዊ በጻሒ ዓዲ ኮይኑ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ እቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለው መቓብራት ነገስታት ክዕዘብ ረኺብናዮ። ምድሪ ኣፍሪቃ እንትረግጽ ንፈለምኡ ኮይኑ፡ ኣኽሱም ድማ ኢትዮጵያ ዝረገጸላ ካልአይቲ ከተምኡ'ያ።

"ክንደይ ዕድመ ከም ዘቑጸሩ ክትፈልጥ እንከለኻ ብጣዕሚ'ዩ ዘደንቕ። ናይ ጥንቲ'ዮም፤ እቶም ሓወልታት ድማ ፍሉያት'ዮም" ይብል ሄሱስ።

እዞም በጻሕቲ ዓዲ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኮነ እቲ ጠጠው ዝበለ ብጨርቂ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ግን ዝፈልጡዎ ነገር የለን።

ኣብ ልሙጽ እምኒ ዝቕረጽ መስቀል እናስኣለ ዝመሓደር ነባሪ እታ ከተማ ክብሮም ኣርኣያ "ነቲ ሓወልቲ ኣሲሩዎ ዘሎ ገመድ ንመልክዕ እቲ ሓወልቲ እናዘረገ የበላሹዎ ስለ ዘሎ፡ ክለግስ ኣለዎ" ይብል።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ኳዕትን ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣቶ ተኽለብርሃን ለገሰ፡ እቲ ሓወልቲ ሓደ ክፉእ ነገር ከይገጥሞ ዓሚቕ ስግኣት ኣለዎ።

"እቲ ሓወልቲ እንተወዲቑ ኩሉ ታሪኽ ኢትዮጵያ'ዩ ዝወድቕ። ታሪኽ ድማ ክወቕሰና'ዩ፤ ብናትና ዕድመ በዚ ክንሓፍር ኢና። ሓደ ግዘ ሓደጋ እንተገጢሙ ድማ ቀልጢፍካ ክትምክቶ ከቢድ'ዩ። ታሪኽና፣ መንነትናን ቑጠባዊ ረብሓናን ኢና ንስእን ዘለና" ብምባል ሓዚኑ የውግዕ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ኳዕትን ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣቶ ተኽለብርሃን ለገሰ

ቱሪዝም ኣኽሱም

  • ዓመታዊ፡ ቑጽሪ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ይውስክ ኣሎ
  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 18,600 ወፃእተኛታት በጻሕቲ ዓዲ፡ 40 ሽሕ ዝጽግዑ ድማ ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣኽሱም በጺሖም
  • ኣኽሱም፡ ኣብ ናይዚ ዓመት ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 18 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ኣተኣናጊዳ
  • ሓሙሽተ ሚሊዮን ዝጽጋዕ እቶት ድማ ረኺባ
  • መዓልታዊ ሓደ ወፃእተኛ በጻሒ ዓዲ 2,200 ብር የውጽእ
  • ቱሪዝም ድማ፡ ዓንዲ ፋይናንሳዊ እቶት ህዝቢ እታ ከተማ'ዩ
ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ማእኸል ስልጣነ ዓለም፡ ኣኽሱም

ኣብቶም ዝቕጽሉ ቐረባ ኣዋርሕ፡ ኤምኤች ዝተብሃለ ኩባንያ ኢንጅነሪንግ ውሽጢ ዓዲ ምስ ሓደ ኩባኒያ ጥልያን ብምትሕብባር ኣብ ዙርያ እቲ ሓወልቲ ዘለው ጸገማት ከጽንዕን መፍትሒ ክሕብሩን ስምምዕ ኣሲሮም ኣለዉ።

በዓል መዚ ሓለዋን ዕቀባን ሓድጊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓወልቲ ኣኽሱም ኣንጸላሊዩዎ ዘሎ ሓደጋ ንምፍታሕ እጃሙ ከም ዘበርክት ብምግላጽ፡ ሓደ ኮሚቴ ከም ዘቖመ ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ካብ ዘንጸላሉ ንውሕ ዝበለ ግዘ ዝወሰደ'ኳ እንተኾነ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ፌዴራል መንግስቲ ኮኑ ክልላዊ መንግስቲ ህጹጽ ፍታሕ ክህቡ ኣይረአን። ንምንታይ ንዝብል ሕቶ'ውን ኣዕጋቢ ምላሽ ዝህብ ኣካል የለን።

ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ልዕሊ 300 ካብ ሓደ እምኒ ዝተቐርጹ ሓወልታት ከም ዝርከቡ ይጥቀስ።

ተወሳኺ ዛንታ