ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ 6 መራሕቲ በዓል መን'ዮም?

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ 6 ኣፍሪቃውያን መራሕቲ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ፀጋም ንየማን፦ ቲዮዶር ኦኒያንግ-ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ፖል ቢያ-ካሜሩን፣ ዩዌሪ ሙሴቪ- ኡጋንዳ፣ ኢድሪስ ዴቢ-ቻድ፣ ኢሳያስ አፈወርቂ-ኤርትራ፣ ዴኒስ ሳሶኡ ናጉኤሶ-ሪፓብሊክ ኦፍ ኮንጎ

መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዴሞክራሲያውን ሰላማውን መገዲ ካብ ስልጣን 'ኣይንወርድን' ክብሉ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ። እዚ ድማ ህዝባዊ ናዕቢ ንኽውላዕን ተገዲዶም ንኽወርዱን ምኽንያት ይኸውን'ሎ።

ባህርያት ውልቀ-መላኽነት ዘለዎም መራሕቲ ብህዝባዊ ተቓውሞ ወይ ብሞት እንተዘይተፈልዮም፡ ስልጣኖም ኣሕሊፎም ክህቡ ምርኣይ ልሙድ ኣይኮነን።

መራሒ ዚምባብወ ሮመርት ሙጋቤ፣ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ጋዳፊ ከምኡ ድማ ትማሊ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ሱዳን ዑማር ኣልበሽር ከም ኣብነት ምርኣይ ይከኣል።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣኖም ተደላዲሎም ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ በዓል መን'ዮም?

1. ቲዮዶር ኦኒያንግ ጉኤማ ባሶጎ፦ ፕረዚደንትኢኳቶሪያል ጊኒ

ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ካብ 1971 (1979 ኣ.ኤ) ጀሚሩ እናመርሐ ይርከብ። እዚ ድማ ኣብ ስልጣን 40 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ቲዮዶር፡ ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ኣኩኡ ብዕልዋ መንግስቲ ኣወጊዱ'ዩ ናብ ስልጣን ደይቡ። ብዕልዋ ዝተኣለየ ኣኩኡ ድማ ኣብ ስልጣን ከሎ ብዝፈፀሞ ገበን ብዝብል ፍርዲ ሞት ተበይንዎ።

እዚ መራሒ ዓለማዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት "ኣዝዩ ጨካን መራሒ" ክብሉ ይገልፅዎ። ካብታ ድኻ ሃገሩ እናጉሓለ ኣብ ፈረንሳይ ቪላታት (ዘመናዊ መንበሪ ገዛውቲ) ከም ዘስርሐ፤ ክቡራት መኻይን ዓዲጉ ብዝብል ብመንግስቲ ፈረንሳ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ።

ቲዮደር ንወዱ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙ'ዩ። እዚ ወዱ ኣብ ኣሜሪካ ብስሙ ዝተመዝገበ ንብረት ስለዘለዎ፡ ካብ ሃገሩ ብዝተሰረቐ ገንዘብ ዘፍረዮ'ዩ ብዝብል፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ እቲ ንብረት ንኸይንቀሳቐስ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲድዎ'ዩ።

ይኹን ደኣ'ምበር ወዲ ቲዮደር እቲ ሃብቲ ብሕጋዊ መገዲ ብዝረኸቦ ኣታዊ ከም ዘፍረዮ ብምግላፅ እናተኸራኸረ'ዩ።

2. ፖል ቢያ፦ ፕረዚደንት ካሜሩን

ካብ 1975 (1983 ኣ.ኤ) ጀሚሩ ንካሜሩን እናመርሐ ይርከብ። ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ምስ ዝነበሩ ፕረዚደንት ኣሕመዱ ኣሂዲጆ ፅቡቕ ርክብ ስለዝነበሮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕጊ ካሜሩን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ተተካኢ እቲ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል ይብል ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣሕመዱ ኣሂዲጆ ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ፖል ቢያ ናብቲ መዝነት ደይቡ።

ብ1976 (1984 ኣ.ኤ) ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈተነ ዕልዋ ፈሺሉ እዩ። መዝነቱ ተቓውሞ ዘይፍለዮ ቢያ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ 'ንሻብዓይ ግዜ ተዓዊተለ'ኹ' ኢሉ ንካሜሩን ምምርሑ ቀፂሉ'ሎ።

3. ዩዌሪ ሙሴቪኒ፦ ፕረዚደንትጋንዳ

ምሉእ ስሙ ዩዌሪ ካጉታ ሙሴቪኒ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 1976 (1984 ኣ.ኤ) ጀሚሩ ንዩጋንዳ ብፕረዚደንትነት ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ሙሴቪኒ፡ ነቲ ብጭካንኡ ዝልለ መንግስቲ ኤዲ ኣሚን ዳዳ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ'ዩ ናብ መዝነት ደይቡ። እቲ ኣብ ዩጋንዳ፣ ሱዳንን ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝንቀሳቐስ ብጆሴፍ ኮኔ ዝምራሕ "ሎርድ ረዚስታንት ኣርሚ" ንሙሴቪኒ ፈተና ኮይንዎ ፀኒሑ'ዩ።

እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ዩጋንዳ ብስርዓት ብዙሓዊ ሰልፊ ('መልቲ ፓርቲ ሲስተም')ን ብመፅሓፍ ቅዱሳዊ 10 ትእዛዛትን ንኽትምራሕ ብዝሓዞ ዕላማ ይቃለስ ነይሩ።

ወተሃደራት መንግስቲ ሙሴቪኒንን ኣሜሪካን ንመራሒ ሎርድ ረዚስታንት ኣርሚ ክቐትሉ ብዙሓት ወፍርታት'ኳ እንተገበሩ፡ ክሳብ ሕዚ ጆሴፍ ኮኔ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን።

ሙሴቪኒ፡ ኣብ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) እታ ሃገር ሰፊሩ ዘሎ ገደብ ዕድመ ብምምሕያሽ፡ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝለዓለ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

4. ኢድሪስ ዴቢ፦ ፕሬዚደንት ቻድ

ኢድሪስ ዴቢ ኢትኖ፡ ንቻድ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ክመርሕ ፀኒሑ፤ ሕዚ'ውን ኣብ ስልጣን ይርከብ። ብሓገዝ ኣሜሪካን ፈረንሳን ናብ ስልጣን ንዝደየበ ፕረዚደንት ሃይሴኔ ሃብሬ ብዕልዋ ኣወጊዱ'ዩ በትረ ስልጣን ጨቢጡ።

ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ስርዓት ብዙሓዊ ሰልፊ ('መልቲ ፓርቲ ሲስተም') ብምምስራት ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ። ዝተሓተ ደገፍ ህዝቢ ከም ዘለዎ ዝዝረበሉ ዴቢ፡ 'ንናቱ ዓሌት ቀዳምነት ይህብ'ዩ' ብዝብል ይንቀፍ።

ብዘለዎ ፀገም ጥዕና ብተደጋጋሚ ናብ ፈረንሳ እናኸደ ዝሕከም ዴቢ፡ ንሓይሊ ወይ ዓቕሚ ስልጣኑ ዘጠናኽር ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ብባይቶ ሃገሩ ፀዲቑ።

5. ኢሳያስ አፈወርቂ፦ ፕረዚደንት ኤርትራ

ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገብሮም ቃለ-መጠይቓት ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ዋላ ሓደ ነገር ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ዝፈልጡ ውሑዳት ሰባት'ዮም።

ኢሳይያስ በ1936 (1944 ኣ.ኤ) ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ተማሂሩ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎ ዝለዓለ ውፅኢት ረኺቡ፡ ናብ ናይ ሽዑ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ፡ ናይ ሕጂ ዩኒቭርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ትምህርቲ ምህንድስና (ኢንጂነሪንግ) ክከታተል ጀሚሩ።

ይኹን ዳአ'ምበር ብ1958 (1964 ኣ.ኤ) ንትምህርቱ ኣቋሪፁ፡ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንኽቃለስ ናብ ሱዳን ከይዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝፀንሑ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብቑመቶም ነዋሕቲ ካብ ዝበሃሉ መራሕቲ'ውን ሓደ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ፈላማይ ፕረዚደንት ኤርትራን ዋና ፀሓፊ ሃገራዊ ቤት ምኽርን ኮይኑ ዝተመረጸ ኢሳይያስ፡ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ፈፃሚ ስራሕ ሓላፍነትን ጉዳያት ፍትሕን በይኑ ንኽቆፃፀሮ ኣኽኢልዎ።

ንሱ ዝመርሖ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፊ'ዩ። ኣብ 1989 (1997 ኣ.ኤ) ዝረቐቐ ሕገ-መንግስቲ'ውን ተግባራዊ ከይኮነ ተሪፉ'ዩ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ብዘይምምጻእን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቐፌታታት ይበፅሖ።

6. ዴኒስ ሳሶኡ ናጉኤሶ፦ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮንጎ

ኣብ 1970ታት (ብኣቆፃፅራ ኤውሮጳውያን ኣብ መእተዊ 1980ታት) ፈላማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ተሸይሙ። ኣብ ስልጣን ን14 ዓመታት ምስ ፀንሐ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ።

ነዚ ክቕበል ዘይከኣለ ዴኒስ ንሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ናብ ስልጣን ተመሊሱ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ'ውን ንሻብዓይ ግዜ ከም ዝተዓወተ ብምግላፅ፡ መዝነቱ ዓቂቡ።

ብሓፈሻ ን38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ፕረዚደንት ዴኒስ ሳሱኡ ናጉኤሶ፡ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዘኽእሎ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ገይሩ። እዚ ውሳንኡ ድማ ንብዙሓት ኣቖጢዑ።

እዚ መራሒ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ሃገሩ ነዳዲ ንኸውፅኣ ብዙሕ ፍቓድ ብምሃብ ይልለ። ብብልሽውና'ውን ብዙሕ ግዜ ክሲ ይቐርበሉ።

ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ኣብ ፈረንሳ ዘመናዊ መንበሪ ገዛውትን ክቡራት መኻይንን ኣፍሪዩ ብዝብል ኣብ ዝቐረበ ክሲ ምርመራ ክግበር ወሲኑ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ