ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ብወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንዝተዋህበ ትእዛዝ ሰዓታት እቶ እቶ ነጺገሞ

ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ ካርቱም Image copyright EPA

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ነቲ ብወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ እተዋህበ ትእዛዝ ሰዓታት እቶ እቶ ብምንጻግ ገና ኣብ ጎደናታት ኣለዉ።

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንዓመታት ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።

ይኹን እንበር ሰልፈኛታት፡ እቲ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ኣካል እቲ ዝነበረ ስርዓት ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

እዚ ሓድሽ መርገጺ፡ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሰራዊትን ጎንጺ ከየኸትል ተሰጊኡ ኣሎ።

ከምኡ'ውን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታን ምልሻታትን ኣብ ንሓድሕዶም ብረት ከየልዕሉ ስክፍታ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኩነታት ንኽሃድእ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ።

መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ስልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሰልፎም ክቕጽሉ ምስ ሓበሩ፡ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ብምእላዩ ጀሚሩ ዝነበረ ጽንብል ሓጎስ ብኣግኡ ኢዩ ተኾሊፉ።

"እዚ መቀጸልታ ናይ ሓደ ስርዓት ኢዩ" ትብል ሳራ ኣብደልጃሊል ካብ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ "ስለዚ እቲ ዘለና ኣማራጺ ብሰላማዊ መገዲ ቃልስና ምቕጻል ጥራይ ኢዩ" ድማ ትብል።

ድሒሩ ብሃገራዊ ማዕከን ዜና ከም እተሓበረ፡ እቲ ካብ ምሸት ሰዓት ዓሰርተ ክሳብ ኣርባዕተ ወጋሕታ ዝኸይድ ኣዋጅ ሰዓታት እቶ እቶ፡ ንድሕነት ዜጋታት ተባሂሉ ከም እተገበረን፡ ሓይልታት ጸጥታ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ግቡእ ስርሖም ንኽሰርሑ፡ ክኸበር ኣለዎ ተባሂሉ ኢዩ።

ስልፈኛታት ግና ኣብ ጎደናታት ካርቱም ባንዴራ እናዋዛወዙ፡ "ሕጂ'ውን ውረድ" እናበሉ ይጭድሩ።

ነቲ "ውረድ ወዲእካ ኢኻ" ዝብል ኣንጻር ኣልበሽር ዘካይዱዎ ዝነበሩ ጭርሖ እዮም መልክዑ ቀይሮም ዝደግምዎ ዘለዉ።

እዚ ወታደራዊ ሓይሊ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዘረክበሉ ንጹር ዝኾነ ውጥን ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ።

ምናልባሽ 'ውን "ስልጣን ፈጺሙ ኣየረክብን ዝኸውን" ዝብል ስግኣት'ውን ኣሎ።

ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ዝኾነ ማሕበር ሞያውያን ሱዳንን ካልኦት ሲቪካውያን ማሕበራትን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ከም ዘይቅበልዎ ኣነጺሮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት ድማ ሰልፈኛታት ዝጀመርዎ ሰልፊ ክቕጽልዎ ጸዊዖም ኣለዉ።

'ማሕበር ሞያውያን ሱዳን' ኣቐዲሙ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝቖም መንግስቲ ስግግር ካብቲ ጨቛኒ ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ኣልበሺር ስርዓት ክሕወስ ከም ዘይደሊ ኣነጺሩ ኢዩ።