ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሱዳን ብዓይኒ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም

ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም

ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ'ውን ከም ኣምባሳደርን (ኣብ ጂቡቲ) ኣማሓዳሪ ዞባን ኮይኑ ዝሰርሐ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ'ዩ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ'ውን ኣብ ሱዳን ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ምስርሑ፡ ብዛዕባ ሱዳን ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎ'ዩ።

ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ተራእዩ ዘሎ ፓለቲካዊ ለውጢ፡ ምዕባለታቱን ጽልውኡ ኣብቲ ዞባን እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ትዕዝብቱ ከምዚ ዝስዕብ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊሉ'ሎ፡

ቢቢሲ፡ እዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ለውጢ ኣብቲ ዞባን ይኹን፡ ኣብቲ እታ ሃገር ዘለዉዋ ኪዳናትን ዝምድናታትን እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ትብል?

ኣምባሳደር ዓብደላ፡ መጀመሪያ ኣብ ሱዳን ብህዝቢ ዝተልዓለ ተቓውሞ ወይ ሰውራ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ። ኣብ ታሪኽ ሱዳን ኣብ 60ታት ንወታሃደራዊ ስርዓት ዓቡድ ኣውዲቕዎ። ሽዑ እቲ ስርዓት ቀልጢፉ እዩ ኢዱ ሂቡ። ድሕሪኡ ኣብ 85 ተቓውሞ ህዝቢ ንኒመሪ ኣውዲቕዎ።

ሽዑ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ኮይኑ ንኒመሪ ኣልዩዎ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ካብቲ ናይ ቅድም ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ስርዓት ክልተ መልክዓት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብሓደ ገጽ ወታሃደራዊ እዩ፤ ብኻሊእ ሸነኽ ድማ ናይ ሸሪዓ ስርዓት ኢሉ ዝመጸ ብቱራቢ ዝምራሕ ዝነበረ፡ መውዳእታ ንዕኡ ኣልጊሶም እቶም ወታሃደራት ተቖጻጺሮምዎ።

ሕጂ'ውን መሰላትን ግቡኣትን ህዝቢ እናጸበበ ብምምጽኡ ከምኣመሉ ህዝቢ ኣንጻር እቲ ስርዓት ተላዒሉ።

እቲ ተቓውሞ ናይ ህዝቢ እናበርተዐ ስለዝመጸ፡ ምኻድ ናይ ኣለበሽር ዘይተርፍ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ኣብቲ ጆኦፖለቲክስ እቲ ዞባ ብዙሕ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ምኽንያቱ ቃልሲ ኣሎ ኣብ መንጎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ግብጺ፥ ስዑዲያ፥ ኢመሬት፡ በቲ ካሊእ ሸነኽ ድማ ቱርኪ፥ ቐጠር፥ ኢራን ኣለዋ። ብዓብዪ ድማ ብዓለምለኸ ናይ ኣመሪካ፥ቱርኪ፥ ቻይናን ዝተሓላለኸ ምትእትታዋት ኣብታ ሃገር ኣሎ።

ኣልበሽር ኣብ መወዳእታ ናብ ግብጽን ስዑድያን ገጹ እዩ ተጸጊዑ ነይሩ፤ ካብቲ ቅድም ክብል ምስ በዓል ቐጠር ዝነበሮ ምሕዝነት እናሰሓበ እዩ መጺኡ ነይሩ ምባል ይከኣል። እቲ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ናይ ጀነራል ዑፍ ጊዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ብበዓል ስዑድያን ግብጽን ቅቡል እዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ሱዳን ደሞክራስያዊ ዝኾነ መንግስቲ እንተመጺኡ ነተን ሃገራት ዝርብሐን ኣይኮነን። ስለዝኾነ እቲ ወተጋሃደራዊ ኣመራርሓ ምምጽኡ ነዐአን ጽቡቕ እዩ።

ቢቢሲ፡ ናብቲ ግብጺስዑዲያን ኢማራትን ዘለወኦ ደምበ እናተጸጋገዐ ምጽንሑ ዘርኢ እንታይ ምልክታት ነይሩ?

ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ፡ ቐጠር ከይዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እስላማዊ ሕውነት ካብ ዝበሃል ዓለምለኻዊ ማሕበር ረኺቦምዎ ይበሃል።

''ንስኻ ኣልግስ ካሊእ ሰብ ይምጻእ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሱዳን [ዘሎ ኩነታት] ከምዚሉ እንተቐጺሉ፡ ህዝቢ ሱዳን ንናትና ህላወ ከተኣናግድ ኣይክእልን'' ዝብል ከምዝተዛረብዎ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ እዚ ድማ ናብ ግብጺ ከይዱ ምስ ኣልሲሲ ተራኺቡ። ኣንፈቱ ጠቕሊሉ ቀይሩ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ዝነበረ ርክብ ድማ ብኢኮኖሚ፡ ድሕነትን ኩሉ መዳያትን እናጸዓቐ ከይዱ። ስለዚ ኣልበሽር ካብቲ ዓለምለኸ እስላማዊ ሕውነት እናረሓቕ መጺኡ፡ ምኽንያቱ ንዕኡ ዘገድሶ ስልጣኑ ዘሐይል ጥራሕ እዩ።

ኣብቲ ናይ ባዕሉ ፓርቲ ከይተረፈ ነቶም ሲቪላት እናርሓቐ ናብቶም ወታሃደራት ገጹ እናገበረ እዩ መጺኡ። ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ዝነበሩ ሲቪላት ኣመሓደርቲ ኣልጊሱ፡ ነቶም ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ኣመሓደርቲ ገይሩ።

ኣብቲ ሚኒስትእሪ ምክልኻል እውን ሓደሽቲ ምትዕርራያት እናገበረን እናሐየሎን ከይዱ። እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ምስ በዓል ግብጺ ዝገበሮ ስምምዕ እዩ። ስለዚ ካብቶም እስላማዊ ሕውነት ዝበሃሉ ቐይሩ ናብቶም ኣንጻሮም ዝኾኑ በዓል ግብጽን ስዑዲያን እዩ ተጸጊዑ ነይሩ።

ሕጂ'ውን እቲ ሕጂ መጺኡ ዘሎ መንግስቲ ካብዚ ወጻኢ ዝኸውን ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፡ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ናብቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለወኦ ደንበ እንተዳኣ ዝጸጋጋዕ ኮይኑ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ረክብ ክመሓየሽ ይኽእል ዶ?

ኣምባሳደር ዓብደላ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ክጸንሕ እንተኽኢሉ፤ እቲ ዝጸንሐ ግርጭት ክፎክስ ይኽእል እዩ። ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ካብቶም ተጽዕኖ ፈጠርቲ ዝበሃሉ ኣይኮነን። እቲ ዝደኸመ እዩ። ኤርትራ፡ ጅቡቲ፥ ሶማል ንግደፎም።

ካብኡ ሓሊፉ ኢትዮጵያ 'ውን ሕጂ፡ ከም ግቡእ፡ ማዕረ ግብጺ ሓደ ኣብቲ ዞባ ተጽዕኖ ካብ ዝፈጥሩ ክትከውን ይግባኣ እዩ ነይሩ። ግን ሕጂ ከም እንሪኦ ዘለና ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኣይነበራን ክበሃል ይከኣል።

ምኽንያቱ [መንግስቲ ኢትዮጵያ] ኣብ ናይ ባዕሉ ጉዳያት ኣተኲሩ ስለዘሎ ተርኡ ወሪዱ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ዝምድና ለውጢ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ግን ብዙሕ ብሚዛን ዝልካዕ ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ኣዚ ሎምቅነ ክነፍስ ዝቐነየ ናይ ለውጢ ንፋስ ኣብ ኣለጀርያን ሱዳን ለውጢ ምምጽኡ፡ ገለ ወገናት ዳግማይ ቀውዒ ዓረብ ኢሎም ይገልጽዎ እዮም። እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝቕጽል ይመስለካ?

ኣምባሳደር ዓብደላ፡ እወ ኣብ በዓል ኤርትራ 'ውን እኮ ተጀሚሩ ኣሎ። ደረጃታት ኣለዉዎ። ምናልባት ሕጂ ዘለዎ ደረጃ በቲ ዝተሓተ ደረጅኡ ክኸውን ይኽእል እምበር ኣብ ኤርትራ እውን እቲ ስምዒት ናይቲ ህዝቢ ተቐይሩስ ዳርጋ እቲ ስርዓት ለውጢ ዘድልዮ ናብ ዝብል ደረጃ ክብ ክብል ክንርኢ ቀኒና ኢና።

ኣብ ጅቡቲ 'ውን ተመሳሳሊ ከምኡ ኣሎ ። ናይ ጅቡቲ ዶ ይቕድም ናይ ኤርትራ ቀጺሉ ዝረአ ኮይኑ፡ኣብ ሱዳን ፍልይ ዘብሎ ብታሪኽ ዝጸንሐ ልምዲ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሱዳን ንቕሓት ኣለዎ።

ኣብ በዓል ኤርትራ ብዙሕ ነገራት ይጎድሎ እዩ። ከም ህዝቢ መጠን ተቓውሞ ኣልዒሉ ስርዓት ኣብ ምቕያር ዝለዓለ ተራ ክህልዎ ናይ መጀመርይኡ እዩ ክኽውን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት