ጁልያን ኣሳንጅ ንኤምባሲ ኢኳዶር ከም መሰለሊ ይጥቀመሉ ነይሩ ተባሂሉ

ጁልያን ኣሳንጅ Image copyright Getty Images

ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ከም "ማእከል ስለላ" ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ፕረዚደንት እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሌኒን ሞሬኖ ከምዝበሎ፡ ኢኳዶር ንዕቑባ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ክትስርዝ ዝኸኣለት፡ ካብ ካልእ ሃገር ብዝበጽሓ ጽልዋ ዘይኮነስ፡ ኣሳንጅ ባዕሉ ጥሕሰት ስለዝፈጸመ እዩ።

ፕረዚደንት ሞሬኖ ምስ ጋርድያን ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ኢኳዶር፡ ጁልያን ኣሳንጅ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት "ጣልቃ ክኣትው" ዘኽእሎ ቀረባት የማልኣሉ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ጠበቓ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ቅድም ክብል ኢኳዶር "ዘደንጹ ጠቐነታት" ተቕርብ ኣላ ክብል ከሲሱ እዩ።

ብ 2017 ናብ መዝነት ዝመጸ ፕረዚደንት ሞሬኖ "ማዕጾኡ ኣርሒውና ጋሻ ዝተቐበልናሉ ቤትና፡ ማእከል ስለላ ክኸውን ኣይንፈቅድን" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣሳንጅ ጽርየቱ ኣይሕሉን ነይሩ'ውን ኢሉ።

ናይ ኣሳንጅ ጠበቓ ጀኒፈር ሮቢንሰን ግና ብሰንበት ኣብ ስካይ ቴሌቪዥን ቀሪባ ነቶም ዝተጠቐሱ ክስታት ነጺጋቶም።

"ኢምባሲ ኢኳዶር፡ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ውሽጢ እቲ ኤምባሲ ክኣትዉ ብምግባር ንዝፈጸሞ ዘይሕጋዊ ተግባር ቅቡል ንምግባር እዩ ነዞም ጠቐነታት ዘቕርብ ዘሎ" ኢላ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ጁልያን ኣሳንጅ ኣብ ለንዶን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢኳዶር ክውሰድ ከሎ ዘርኢ ቪድዮ

ንሸውዓተ ዓመታት ኣብቲ ኢምባሲ ዝጸንሐ ጁልያን ኣሳንጅ ሕዚ ወዲ 47 ዓመት እዩ።

ኣሳንጅ ናብ ኤምባሲ ኢኳዶር ኣትዩ ዑቕባ ዝሓተተ ኣብ 2012 ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስተሳዕረን ንስዊድን ኣሕሊፎም ከምዝህብዎን ምስፈለጠን እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ስዊድን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ዝብልን ካልኦትን ክስታት ይጽበይዎ ነይሮም።

ሕዚ ድማ፡ ናብ ሚስጥራዊ ኮምፒዩተር ኣመሪካ ሰርሲሩ ክኣቱ ፈቲኑ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ስለዘሎ፤ ናብ ኣመሪካ ኣሕሊፎም ንከይህብዎ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሟጎት እዩ።