ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ስልጣን ንሲቪል ከረክብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቲቱ

ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም

ሕብረት ኣፍሪቃ ንመሳጋገሪ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ስልጣን ንሲቪል ከረክብ ብምሕታት፤ እዚ ምስ ዘይከውን ግን ኣባልነት እታ ሃገር ካብቲ ሕብረት ከም ዝስሕቦ ኣጠንቂቑ።

እቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ግዚያዊ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከሰጋግር ዝተለሞ ውጥን ኮኒኑ።

ብርጋደር ጀነራል ጋላሌዲን ኣል ሼኽ ዝተመርሐ ልኡኽ እቲ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስትር ዴኤታ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ተቐቢላቶ።

እቲ ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ስትራተጅያዊ ሙዃኑ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ኢትዮጵያ ከይፍለዮ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብወገኑ መንግስት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ሱዳን ዝገብሮ ድጋፍ ልዓላውነት ብዘኽብርን ጣልቃ ካብ ምእታው ነጻ ብዝኾነን መገዲ ከም ዝቕጽሎ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ ምስግጋር ስልጣን ሰላማዊ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ቅሬታታት ብዝኣልይን ንሕቶ ህዝቢ ብዝምልስን መገዲ ክንቀሳቐስ ኣዘኻኺሩ።

ሰብ መዚ ዝተዓልወ መንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም

እቲ ኣብ ሱዳን ዝተመስረተ ግዜያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንሰብ መዚ ናይ`ቲ ዝተዓልወ መንግስቲ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣሲሩ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንሰልፈኛታት ንኸይብትን'ውን ቃል ኣትዩ።

ሓደ ኣፈኛ ድማ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክሓጽዩ ድሕሪ ምምሕጻን፡ ሕርያኦም ክኽበር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እቲ ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ነቲ ንነዊሕ እዋን ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልነሽር ካብ ስልጥን ኣልዩ`ዩ።

ሰልፈኛታት ግን በርጌሳዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ካብ ጎደናታት ከምዘይእለዩ ፈኪሮም ኣለዉ።

ኣብ ቅድሚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኻርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ድማ ኮፍ ኢሎም ተቓውሞኦም ምስማዕ ቀጺሎም ኣለዉ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ`ኸ እንታይ ይብል?

ኣፈኛ ናይ`ቲ ቤት ምኽሪ ሜ/ጀ ሸምሸዲን ሻንቶ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ እተን ተቓወምቲ ውድባት ዝተሰማማዓሉ በርጌሳዊ መንግስቲ ንምትካል `ድሉው` ምዃኑ ገሊጹ።

`ንህና ባዕልና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይንመዝዝን ኢና። ንሳቶም`ዮም [ተቓወምቲ] ዝመርጹ` ኢሉ ንሱ።

እቲ ሰራዊት ንሰልፈኛታት`ውን ብሓይሊ ካብ ጎደናታት ኣይክሰጉግን`ዩ ኢሉ። እንተኾነ ግን ሰልፈኛታት ዘይሕጋዊ ምዕጻው መንገድታት ደው ከብሉን `ንቡር ህይወት ከም ዝምለስ ክገብሩን` ጸዊዑ።

`ንብረታዊ ጎንጺ ግን ተጻዋርነት ኣይክህሉን`ዩ` ኢሉ ግን ኣጠንቂቑ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ነዞም ዝስዕቡ ሓዊስካ ሓያሎ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ`ሎ፡

  • ምምዛዝ ሓደስቲ ኣዘዝቲ ፖሊስን ሰራዊትን
  • ምምዛዝ ሓድሽ ኣዛዚ ናይ`ቲ ሓያል ሃገራዊ ትካል ስለያን ድሕነትን
  • ምቛም ብልሽውና ዝቃለሳ ነቲ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐ ውድብ ዝምርምራን ኮሚቴታት
  • ምእላይ ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ተነቢሩ ዝጸንሐ ቀይድን ምምያን [ሳንሱር]
  • ምልቃቕ ንሰልፈኛታት ደጊፍኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን
  • ክለሳ ዲፕሎማስያውያን ተልእኾታትን ምስጓግ ኣምባሳደራት ሱዳን ኣብ ኣሜሪካን ስዊዘርላንድን
Image copyright Reuters

ኣብ ሱዳን እንታይ`ዩ ከጋጥም ጸኒሑ?

ኣንጻር ናህሪ ዋጋታት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ መንግስቲ ይትኣለ ናብ ዝብሉ ተቓውሞ ተቐይሮም።

ብሓሙስ ድማ እቲ ሰራዊት ንገዲም መራሒ ሓሰን ዑመር ኣል በሽር ድሕሪ 30 ዓመታት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒልዎ።

መራሒ ናይ`ቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝነበረ ሚኒስተር ምክልኻል ዓዋድ ዒብን ዓውፍ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ እቲ ሰራዊት ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዘቖመ ድሕሪ ምግላጽ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጁ።

ሰልፈኛታት ግን በርጌሳዊ መንግስቲ ክምስረት ብምጥላብ ካብ ጎደናታት ከምዘይእለዩ ኣፍሊጦም።

ዒብን ዓውፍ ድማ ንኣሰር`ቲ ተፈራሒ ዝነበረ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ጀነራል ሳላሕ ጎሽ ብምኽታል ብወለንታኡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሌ/ጀ ዓብደልፋታሕ ዓብደልታሕማን ቡርሓን

ሌ/ጀ ዓብደልፋታሕ ዓብደልታሕማን ቡርሓን ድማ ነቲ ናይ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክመርሕ ተመዚዙ። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሳልሳይ መራሒ ሱዳን ኮይኑ።

ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጀነራል ቡርሓን ነቲ ዝጸንሐ ስርዓት `ክምሕዎ`፣ መሰል ደቂ ሰባት ከኽብር፣ ንኣዋጅ እቶ እቶ [ኮፕሪፎኮ] ክኣሊ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕ፣ ዞባውያን ምምሕዳራት ክብትን፣ ሰልፈኛታት ንዝቐተሉ ናብ ፍርዲ ከቕርብን ንብልሽውና ክቃለስን ተመባጺዑ።

እንተኾነ ግን ኣቲ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታ ክመርሕ ዝጸንሐ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ግብረ-መልሲ ናይ`ቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ `ንሓደ ካብ ጠለባት`ቶም ሰልፈኛታት`ኳ ኣየዕገበን` ብምባል እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክቕጽሉ ጸዊዑ።

ገለ ካብ ጠለባት ናይ`ቶም ሰልፈኛታት፡ ዳግመ ምትዕርራይ ትካል ሃገራዊ ድሕነት፣ ምእሳር `ብልሹዋት መራሕትን` ምብታን ናይ`ቲ ብፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ዝእዘዝ ማሊሻን ይርከብዎም።

መራሕቲ ናይ`ቲ ኦልዋ መንግስቲ፡ ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ኣብ ውሑስ ቦታ ተታሒዙ`ሎ`ኳ እንተበሉ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ግን ንጹር ኣይኮነን።

ዑመር ኣል በሽር ብገበን ግፍዕታት ኣብ እዋን ኲናት ባህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ`ዩ። እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ግን ንኣል በሽር ኣሕሊፉ ከምዘይህቦ ገሊጹ`ሎ። ኣብ ውሽጢ ሱዳን ግን ክዳነ ይኽእል`ዩ።

እቲ ውድብ ናይ በሽር ዝኾነ ሃገራዊ ኮንግረስ ፓርቲ ግን ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ቅዋማዊ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቲ ናይቲ ውድብ ነበር ክፍትሑ ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ፓርቲ ኣብ`ቲ ዝምስረት በርጌሳዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዋላ ሓደ ተራ ኣይክህልዎን`ዩ፡ ኣብ`ቲ ዝቕጽል ምርጫ ግን ክወዳደር ይኽእል`ዩ ኢሉ ሜ/ጀ ሻንቶ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት