'መዓልቲ እሱራት ኤርትራ' ኣብ ለንደን፡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ኤርትራውያን ጸዊዖም

ኣኼባ ዝኽሪ እሱራት

ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉን፡ መብዛሕትኦም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዖም።

እቲ ጻውዒት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ፡ ነቶም ናይ ሕልና እሱራት ንምዝካር ኣብ ዝተዳለወ ኣጋጣሚ'ዩ ቀሪቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገለ ካብ ቤተሰብ እሱራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ዝበጽሐ በደል ማእሰርትን ምስዋርን ኣብ ስድራቤት እሱራት ዝበጽሕ ዘሎ ቃንዛ መሪር ምዃኑ ተዛሪቦም።

ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ እሱራት ብዙሕ መግለጺ ዘይወሃብ'ኳ እንተኾነ፡ ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ መብዛሕትኦም ናይ ፓለቲካ እሱራት "ሃገር ኣሕሊፎም ሂቦም" ን"ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም" ዝብሉ ክስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከቕርቡ ይስምዑ'ዮም።

እንተኾነ ግን፡ ብወገን መንግስቲ ብወግዒ ዝቐረበሎም ክሲ ከም ዘየለን፡ ናጻ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ንመሰሎም ክከላኸሉ ከም ዘይካኣሉን ገለ ቤተሰብ እሱራት ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣነጺሮም።

ሚያዝያ 14 ዓመታዊ እሱራት ዝዝክሩላ መዓልቲ ምዃና ብምሕባር፡ እቲ ኣጋጣሚ ነቶም "ተሰዊሮም" ከም ዘለዉ ዝገለጽዎም እሱራት፡ ፍትሒ ንክረኽቡ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ገሊጾም።

"ዕለት 14 ሚያዝያ 1992፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ብጃምላ ዝተጨውዩላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ናይ ኩሎም ግዳያት ጭውያን፡ ዘይሕጋዊ ምእሳርን፡ ብሓፈሽኡ ከኣ ንናይ ሕልና ምዝካር" ዝተዳለወ መደብ ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ 'ቦሃሽም' ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ እታ ዕለት ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ክትዝከር ከም ዝጸንሐትን፡ ቤተሰብ ግዳያትን ተሓለቕትን ብዛዕባ ሃለዋት እሱራት ዝፈልጥሉን ካብ ቀይዲ ዝወጽሉን መገድታት ኣብ ምንዳይን ምልዕዓልን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ንዓለም ዘፍልጥሉ ኣጋጣሚ'ዩ።

እቲ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ከም ዝበዓል ብምሕባር፡ "እቲ ስርዓት ብሕጊ ተሓታትነት ኣይክህልወኒን'ዩ፡ ሰብ ስለ ዘይፈልጥ ወይ ከኣ ፈሪሑ ክሓትት ስለ ዘይክእል ስለዝብል፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣይፋልካን እዚ ደው እንተ ዘይኣቢልካዮ፡ ካብ ሓላፍነት ትሃድም ከይመስለካ፡ ንሕና'ውን ነቶም እነፍቅሮም ኣያታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይክንርስዕን ኢና ዝብል መልእኽቲ'ዩ ዝሰድድ" ይብል ኣቶ ዓብዱራሕማን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ብዛዕባ ሓደ መምህር መሓመድ መራነት ዝተባህለ ካብቶም ኣብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ከም ዝተኣስረ ዝተነግረሉ ኤርትራዊ ዜጋ እትገልጽ ብቋንቋ ዓረብ እተጻሕፈት መጽሓፍ ተዘርጊሓ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መሓመድ መራነት፡ ዋለዋቱ ዘይፍለጥ ሓደ ካብ ናይ ሕልና እሱራት

ደራሲ ናይታ መጽሓፍ ዓብዱልፋታሕ ወደልከሊፋ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ክሊ ዕድመ 70 ይበጽሕ'ዩ ዝበሎ መሓመድ መራነት፡ ኣብ ሓምለ 1991 ካብ ከረን ከም ዝተኣሰረን፡ ክሳብ 1997 ኣብ ኣስመራ ኣብ 'ካርሸሊ' ተዳጒኑ ከም ዝነበረ ስድራቤቱ ከም ዝሓበርዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣብ ከረን ከሎ፡ ናጽነት ኮይኑ ተሓጒሱ፡ ዳርጋ ፍርቂ ዕድሚኡ ዝሰርሓሉ ነገር ተፈጺሙ ብምባል ተሓጒሱ'ዩ ነይሩ። ወሊዱ'ዩ ኸኣ ነይሩ፡ ሽዑ ብ91 ሽዱሽተ ቆልዑ በጺሑ ነይሩ። እቲ ዝነኣሰ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ጌሩ ነይሩ" ይብል

"ሰለስተ ተጋደልቲ፡ ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓል ኣንሰተይትን፡ ንደልየካ ኣለና ኢሎም ናብታ ኩሉ ግዜ [ብግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ] ዝእሰረላ ዝነበረ ካርሸሊ ወሲዶሞ። ዳርጋ 10 ወርሒ ኣብኡ ጌሩ፡ ሰበይቱን ደቁን መጺኦም ክርእይዎ ኣይክሉን። ወዱ ክነግረኒ እንከሎ፡ 'ወጺእና ካብ ርሑቕ ክሰግዱ እንከለዉ ጥራይ ንሪኦም፡ ኣብ ዒድ ድማ ብማዕዶ ሪኢናዮ' ኢሉኒ"።

ኣብ 1992 ድማ ምስ ካልኦት እሱራት ናብ ኣስመራ ከም ዝገዓዘን፡ ቤተሰቡ ክርእይዎ ከም ዘይከኣሉን፡ ሰብ መዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ደብዳቤ ክጽሕፉሉ ከም ዝሓበርዎም ዓብደልፋታሕ ይጠቅስ። ንሱ ከም ዝብሎ በዓልቲ ቤቱ ክሳብ 1997 ኣብ ኣስመራ ብህይወት ከም ዝነበረ ኣረጋጊጻ፡ ድሕሪኡ ግን ዝኾነ ሃለዋቱ ኣይፈለጡን።

ምኽንያት መእሰሪኡ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ ድማ፡ መንግስቲ ምኽንያት ስለዘይህብን ዘይምልስን ካብቲ መንግስቲ መልሲ ክረክብ ከም ዘይጽበ'ዩ ዝገልጽ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዝኽሪ መዓልቲ እሱራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን

መሓመድ መራነት፡ ኣብ ዋዝንተት ዝተባህለት ኣብ ዞባ ዓንሰባ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ዝተወልደ ኮይኑ፡ መባእታ ትምህርቱ ክሳብ ሳልሳይ ኣብኡ ድሕሪ ምክትታል፡ ናብ ከረን ብምኻድ ነቲ ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብኡ ወዲኡ ይብል ኣቶ ዓብደልፋታሕ።

ብድሕሪ'ኡ ኣብቲ ናይ ዓረብ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ቀጺሉ። ኣብቲ እዋን'ቲ ድማ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ንሰውራ ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተፈሊጡ ኣብ ታሕሳስ 1967 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ፡ ናጻ ተለቒቑ፡ ኣብቲ ናይ ሃይማኖት ቤት ምህርቲ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ንካልኣይ ግዜ'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ፡ ከረን ኣብ 1977 ብህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።

ካብኡ ንደሓር፡ ከም 'ቃዲ' (ዳኛ ሸሪዓ) ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኤርትራ ከም ዝሰርሐ ኣብቲ ታሪኽ ህይወቱ ዝሰነደ መጽሓፍ ሰፊሩ'ሎ።

ቤተሰቡ ኣብዚ እዋን'ዚ ፋሕፋሕ ኣትዩዎም ከም ዘሎ'ውን ደራሲ ናይቲ ታሪኽ የዘንቱ። በዓልቲ ቤቱ ድማ ድሒራ ከም ዝሞተት ኣቶ ዓብደልርሑማን ሰይድ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቤተሰብ ግዳያት ዝኾኑ ዳኒኤል ወልደትንሳኤ (የማን)፡ ጸዳል ዮውሃንስ (ማእከል)

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበት፡ ጸዳል ዮውሃንስ፡ ሓፍታ ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ "ካርሸሊ" ተዳጒና ከም ዘላ ብምግላጽ "ደቃ ሓቚፋ፡ ገጾም እናራኣየት ከተዕብዮም ኣብ ዘይትኽእለሉን፡ ነቲ ዝተቓለሰትሉ ዕላማ ክትነብሮ ዘይትኽእል እንተ ኾይና እንታይ ትርጉም ኣለዎ" ክትብል ንብዓት ብዝተሓወሶ ናይ ጓሂ ስምዒት ተዛሪባ።

ሓዉ፡ ንሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) እውን፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ ዘይፍትሓዊ ምዃኑን፡ ናይ ፓለቲካ እሱራት ኤርትራ ምእንቲ ህዝቢ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ሓቢሩ ንመሰሉ ደው ክብል ዝጽውዕ መግለጺ ሂቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት