ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝነበራ መርገፂ ክትቅይር 'ዶ ትኸውን?

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ Image copyright ZACHARIAS ABUBEKER

ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ መፈለምትኡ ጀሚራ ብዝነበራ ቅዋም መሓዛ ኢትዮጵያ ኮይና'ያ ፀኒሓ። ብሓፈሻ ሃገራት እቲ ተፋሰስ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዝተገበረ ስሉሳዊ ዘተ እውን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ እያ ተሰሊፋ።

ብኣንፃሩ ግብፂ ድማ፡ ውጥን ናይቲ ግድብ ብምቅዋም ገና ካብ ብጉሓቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝበለቶ ዕድላት ክትፍትን ፀኒሓ። ሕዚ እውን እንተኾነ ብቐጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ እዚ ፃዕራ ኣየቋረፀትን።

ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንዝገዝእዋ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ይኣኽለኒ ብምባል ካብ መዝነቶም ዝገለፈት ሱዳን፡ ሕዚ ኣብ ዘይፀረየ መስመር ፖለቲካ ትርከብ።

እዚ መንግስታዊ ለውጢ ስዒቡ ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝነበራ መርገፂ ክትቅይር'ዶ ትኸውን?

ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ቀንዲ ኣሻማጋሊ ዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ 'ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፅሕፈት ቴክኒክ ምብራቕ ናይል'ዳይሬክተር ዝኾኑ ኣይተ ፈቅኣሕመድ ነጋሽ፡ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መርገፂኣ ፀኒዓ ክትቅፅል ከምትኽእል እዮም ዝኣምኑ። ይኹን እምበር ግብፂ ኣብ ወሰን ኮይና ንነገራት ክትዕዘብ ኣይትኽእልን።

ብቐዳምነት ዘልዕልዎ ሓሳብ ድማ፡ ህንፀት እቲ ግድብ ምድጋፍ፡ ንሱዳን ውሳነ ፖለቲካ እንተይኮነስ፡ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሓ ብምዃኑ እዩ። "ብዘይ ገለ ኢንቨስትመንት [ካብቲ ግድብ] ዓብይ ረብሓ እዮም ዝረኽቡ"

ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ንክወርዱ መንቀሊ ዝኾነ ተቓውሞ፡ ምኽባር ባኒ፣ ምኽባር መነባብሮ ዘበገሶ እዩ። እዚ ግድብ ድማ ነዞም ሕቶታት፡ ብሓፈሻ ድማ ንሕቶ ልምዓት እታ ሃገር መልሲ ከምዝኸውን ኣይተ ፈቅኣሕመድ የረድኡ።

ኣይተ ፈቅኣሕመድ ከምዝሕብርዎ፡ እዚ ግድብ ንሱዳን ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ፤ ብዘይ ገለ ወፃኢ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ጊጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ እያ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ብሕሳር ዋጋ ክትዕድግ ትኸእል እያ። በዚ ድማ ኢንዱስትርታቶም ከነቓቕሑን፣ ሕርሻን ምርባሕ ዓሳ ከስፋሕፍሑን ይኽእሉ።

እዚ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን ንዝነበራ ዓብይ ሃፍቲ ነዳዲ ሒዛ ምግንፃላ፡ 'ረኺብካ ምስኣን ሕሱም' ከምዝበሃል ንዝኾነት ሱዳን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ ሃፍቲ እዩ ክቑፀር ዝኽእል።

ካብዚ ብተወሳኺ፤ እዚ ግድብ ዓመት መፀ ሕማም ርእሲ ሱዳን ካብ ዝኾነ ውሑጅ እውን ክከላኸለላ ይኸእል። እዚ ውሑጅ ዘምፅኦ ደለል ካብ ግድባትን መትረባትን ንምፅራግ ክሳብ 70 ሚልየን ዶላር ካብ ምኽሳር ዘድሕና እዩ።

ስለዚ፤ ድላዩ ዓይነት መንግስቲ እንተመፅአ እውን፡ ካብዚ ልዑል ረብሓ ዝበልፅን ቀዳምነት ዝወሃቦን ጉዳይ ይህሉ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን፡ ኣይተ ፈቅኣሕመድ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ብርክት ዝበሉ መፅናዕትታት ዘካየዱ ዶክተር ያእቆብ ኣርሳኖም ብወገኖም፡ ንህንጸት እዚ ግድብ ምድጋፍ ናይ ሃገራዊ ረብሓ እምበር፡ ፖለቲካዊ ውሳነ ብዘይምዃኑ ሱዳን ኣብ መርገፂኣ ፀኒዓ ምስ ኢትዮጵያ ከምትቕፅል ይኣምኑ።

ይኹን'ምበር ንናይ መፃኢ መንግስቲ ሱዳን፡ ግድብ ህዳሰ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ዶ ይኸውን ዝብል ግን ኣብ ከይዲ ዝረኣይ ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ።

ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መን እዩ?

"ነዚ ሃገራዊ ረብሓ ክብሉ እዮም መርገጺኦም ዘይቕይሩ" ድማ ይብሉ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ እትርከብ ሱዳን፡ ገና መንግስቲ ክሳብ ተጣይሽ ዝወስድ ግዘ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ከይዲ ዘሎ ሰለስተኣዊ ሽምግልና ንዝተወሰነ መልክዑ ክደናጎይ ክገብሪ ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ንሶም ብዝጠቐስዎም ምኽንያታት ሱዳን ንባዕላ ክትብል ኣብ መርገጺኣ ለውጢ ኣይትገብርን ዋላኳ እንተተብሃለ፡ ግብጺ ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ክትብለጸሉ እትገብሮ ጻዕሪ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ይኽእል ዝብል ግን፡ ወሳኒ ሕቶ እዩ።

ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ልዑል ጽልዋ ተሕድር ከምዝነበረት ዝዛረቡ ኣይተ ፈቅኣህመድ፡ ጽልዋ ግብጺ ተጠናኺሩ ከምዝቕጽል ይእምቱ።

"ግብጻውያን ሕዚ ጠንኪሮም እዮም ክሰርሑ። ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘሕድርዎ ጽልዋ ድማ ክሕይል እዩ" ይብሉ።

ግን ከኣ፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን ሱዳን ነንህንጸት ግድብ ህዳሰ ድጋፋ ትህብ ዝነበረት ጽልዋ ግብጺ እናበደሀት ስለዝኾነ፡ ድሕሪ ሕዚ'ውን በዚ ክትቅጽል እያ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም።

ግብጺ ካብ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽልዋ ንምፍጣር ካብ ምፍታን ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን ዝብሉ ዶክተር ያእቆብ፡ ኣብ መጻኢ ጽልዋ ግብጺ ክዕወትን ዘይክዕወትን ኣብ ጥንካረ ኢትዮጵያ ዝድረኽ ምዃኑ ይኣምኑ።

"እቲ ቀንዲ ነገር ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ንምህናጽ ዝህልዋ ዓቕምን ጽንዓትን እዩ" ይብሉ ዶክተር ያእቆብ።

ካልኦት ናይቲ ተፋሰስ ሃገራት ከ ኣብ ቅዱም መርገጺአን ድየን ዘለዋ?

ኣይተ ፈቅኣህመድ ብግልጺ መርገጺኡ ዝቐየረ ከምዘየለ ይገልጹ። እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ ትሸዓት ዓመታት ነቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝተፈረመ ስምምዕ ሃገራት ተፋሰስ ናይል፡ ካብተን 11 ሃገራት ዝተወሰና ጥራይ እየን ናብ ባይቶ ኣቕሪበን ኣጽዲቐንኦ ዘለዋ።

እዚ ምድንጓይ ድማ፡ ከመይ እዩ እዚ ነገር? ዘብል እዩ። ኣይተ ፈቅኣህመድ ግን ከምዚ ዓይነት ዓለምለኻዊ ስምምዓት ነዊሕ እዋን ከምዝወስዱ ይዛረቡ። ከምዚ ዓይነት ስምምዓት 40ን 50ን ዓመታት ዘወደደለን ሃገራት ከምዘለዋ ድማ ይዛረቡ።

ኬንያ ነቲ ስምምዕ ከትጽድቕ ሰለስተ ሻብ ናብ ባይቶ ኣቕሪባ ከምዝመለሰቶ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን እቲ ሰነድ ብተደጋጋሚ ናብ ባይቶ ቀሪቡ ከምእተመልሰ ዝዝከር እዩ።

ሚኒስትራት ማይ ናይቲ ተፋሰስ፡ በብዓመቱ እናተራኸቡ ዝዘራረቡ ክኸውን ከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብጁምቡራ እዩ ተኻይዱ።

ሱዳን፣ ግብጽን ኮንጎን ነቲ ስምምዕ ፈጺመን ኣይፈረማን።

የትብብር ማእቀፉን ሱዳን ፣ ግብጽና ኮንጎ ጨርሶ አልፈረሙም። ኢትዮጵያ፣ ታንዛኒያን ኡጋንዳን ድማ ኣብ ባይቶአን ዘጽደቐኦ ክኸውን ከሎ፡ ተወሳኺ ሰለስተ ሃገራት እንተድኣ ኣፍዲቐንኦ ግን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቕሪበን፡ ልዑል ምትሕብባር ክገብራ ዘኽእለን ኮሚሽን ከቑማ ምኸኣላ።

ነቲ ስምምዕ ከቲመን ክሳብ ሕዚ ዘየጽደቐኦ ሀገራት ድማ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ብሩንዲን ሩዋንዳ እየን።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ህንፀት ግድብ ሩባ ኣባይ፡ ሓያል ቃልሲ ነቲ ካብ ዓለም ዝነውሐ ሩባ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት