ፈረንሳይ፡ ታሪኻዊ ካቴድራል ኖተር ዳም ፓሪስ ብባርዕ ዓንዩ

ኖተርዳም Image copyright Getty Images

ሓደ ካብ ምልክት መለለዪ ፈረንሳይ ዝኾነ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝተሃንጸ ኖተር ዳም ዝተባህለ ካተድራለ/ቤተክርስቲያን ብሓያል ባርዕ ተሃሚኹ።

እቲ ሸሊሕ ንላዕሊ ውጥም ዝበለ ኣካልን ናሕሲን ናይ`ቲ 850 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ህንጻ ተደርሚሱ ክወድቕ እንከሎ፡ ነተን ክልተ እንዳ ደወል ሓዊስካ፡ እቲ ቀንዲ ኣካሉ ግን ከምዝደሓኑ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም።

መጥፋእቲ ሓዊ ገና ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣብ ዝጸዓትሉ እዋን፡ ካልኦት ኣካላት ድማ ካብ ምንዳድ ንዝደሓኑ ስራሕ ኢደ ጥበባት ንምእላይ ተጓይዮም።

ፕረሲደንት ኣማኑኤል ማክሮን ነቲ ባርዕ `ዘስካሕክሕ ፍጻመ` ክብል ገሊጽዎ። ጠንቂ ናይ`ቲ ባርዕ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ሰበ-ስልጣን ግን ኣብ`ቲ ህንጻ ንዝተራእየ ነቓዕ ንምጽጋን ዝተጀመረ ስራሕ ጠንቂ ናይ`ቲ ባርዕ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሎም። እዚ ድማ እቲ ህንጻ ዘይጽኑዕ ክኸውን ይኽእል`ዩ ዝብል ፍርሒ ኣሕዲሩ`ሎ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ፓሪስ ድማ ኣብ ልዕሊ `ሃንደበታዊ ዕንወት ባርዕ` መርመራ ከካይድ ጀሚሩ`ሎ። ሓደ መጥፍኢ ሓዊ ድማ ኣብ`ቲ እዋን ብጽኒዕ ቆሲሉ።

`እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበር ዝኸፍአ ነገር ተወጊዱ`ሎ` ኢሉ እቲ ብሓዘን ዝተዋሕጠ ፕረሲደንት ማክሮን። ንመጸገኒ እቲ ህንጻ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ሓደ ዓለም-ለኻዊ ውጥን ከውጽእ ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ።

ብኸመይ`ዩ`ቲ ባርዕ ተላቢዑ?

እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ባርዕ ቀልጡ`ዩ ናብ ናሕሲ ናይ`ቲ ህንጻ በጺሑ፡ ነቲ ሕብራዊ ናይ መሳኹቲ ቬትሮታትን ውሽታዊ ናይ ዕንጸይቲ ስርሃትን እናንደደ ድማ ነቲ ሸሊሕን ወጣምን ኣካል ናይ`ቲ ቤተክርስቲያን ሃደሽ ኣቢሉዎ።

ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ነተን ክልተ እንዳ ደወል ንምድሓን ተጓይዮም። ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ድማ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ዠን ክላውድ ጋለት እቲ ቀንዲ ኣካል ናይ`ቲ ህንጻ ካብ ምሉእ ዕንወት `ድሒኑን ተዓቂቡን` ኣሎ ኢሉ።

ከም ኣካል ናይ`ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ጽገናታት፡ ገለ ክፋል ናይ`ቲ ህንጻ ብስካፋለታት ተኸቢቢ`ዩ ነይሩ፡ 16 ብነሓስ ዝተሰርሑ ምስልታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ`ቲ ቦታ ተኣልዮም ነይሮም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ፓሪስ ኣማኑኤል ግሪጎር፡ እቲ ህንጻ `ኣዝዩ ተሃስዩ`ዩ` ድሕሪ ምባል ጉጅለታት ኣብ ውሽጢ`ቲ ቤተክርስቲያን ንዝርከቡ ስርሃሓት ኢደ ጥበብ ንምድሓን ይጓየየያ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ካሚለ ፓስካል `ኣዝዩ ክቡር ቅርሲ` ዓንዩ`ሎ ክብል ንማዕከን ዜና ፈረንሳይ ቢኤፍም ቲቪ ሓቢሩ። `ንዘመናት ዝኣክል፡ ናይ ሓጎስን ሓዘንን እዋናት በዞም ደወላት ናይ ኖተር ዳም ጎሊሖም ወጺኦም። በዚ እንርእዮ ዘለና ክስተት ድማ ሰንቢድና ጥራይ ንተርፍ` ድማ ኢሉ።

Image copyright Getty Images

መልሰ-ግብሪ ህዝቢ

ኣሽሓት ሰባት ኣብ ከባቢ`ቲ ካተድራለ ኣብ ዝርከቡ ጎደናንት ብምእካብ ነቲ ካተድራለ ይህሙኽ ንዝነበረ ባርዕ ብጽሙና ይዕዘቡ ነይሮም። ገሊኦም ብግልጺ ክነብዑ ተራእዮም፡ ካልኦት ድማ ይጽልዩን ይዝምሩን ነይሮም።

ሓያሎ ኣብ ፓሪስ ዝረከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት ድማ ነቲ ተኸተልቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ቅዱስ ሰሙን [ሓማማት] ኣብ ዘኽብርሉ ኣዋን ዘጋጠመ ባርዕ ንምግዋሕ ደወላተን ደዊለን።

ፕረሲደንት ማክሮን ብምኽንያት`ቲ ባርዕ፡ ነቲ ወጢንዎ ዝነበረ ሃገራዊ መደረ ተሌቪዥን ሰሪዝዎ። ኣብ`ቲ ተወጢኑ ዝነበረ መደረ፡ ብዛዕባ`ቲ ንፈረንሳይ ንኣዋርሕ ከናውጻ ዝጸንሐ ናይ ጎደናታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክዛረብ መደብ ነይሩ።

ኣብ ቦታ ባርዕ ምስ በጽሐ፡ ነቶም በጺሖሞ ዘይፈልጡ ሓዊስካ፡ እቲ ካቴድራል `ናይ ኩሎም ፈረንሳውያን`ዩ` ኢሉ ፕረሲደንት ማክሮን።

ነቲ `ፍሉይ ትብዓት`ን `ሞያውነትን` ናይ`ቶም ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ እናነኣደ ድማ `ብሓደ ሓቢርና ንኖተር ዳም ዳግም ክንሃንጾ ኢና` ኢሉ ፕረሲደንት ማክሮን።

ኣርማ ሃገር

ንፈረንሳይ ከም ኖተር ዳም ገይሩ ዝውክል ካልእ ቦታ የለን። እቲ ናይ ቀረባ መወዳድርቱ ዝኾነ ኤፍል ታወር፡ ዕድሚኡ ካብ ምኢቲ ዓመት ብውሑድ ዝዘለለ እዩ። ኖተር ዳም ግን ካብ 1200 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ከተማ ፓሪስ ተወጢሑ`ዩ።

እዚ ካተድራል ኣብ እዋን ሰውራ ፈረንሳይ [ፍሬንች ሪቮሉሽን]`ዩ ንመወዳእታ ጊዜ ዕንወት ወሪድዎ ነይሩ። ክልተ ኲናት ዓለም ድማ ብዘይ ገለ ጉድኣት ወጺእዎ።

ሓቅታት ብዛዕባ ኖተር ዳም

- እዚ ቤተክርስቲያን ኣብ ዓመት 13 ሚሊዮን በጻሕቲ የእንግድ፡ እዚ ማለት ድማ ካብ ኤፍል ታወር ዝበዝሑ በጻሕቲ ኣለውዎ ማለት`ዩ።

- እዚ ብዩኔስኮ ከም ዓለማዊ ቅርሲ ዝተመዝገበ ቤተክርስቲያ ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለ-ዘመናት`ዩ ተሃኒጹ

- ሓያሎ ሓወልትታት ናይ`ዚ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ንጽገና ተኣልዮም።

- መብዛሕትኡ ኣካል ናይ`ቲ በዚ ባርዕ ዝዓነወ ናሕሲ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ`ዩ ነይሩ`ኸ?

ዓለም-ለኻዊ መልሰ-ግብሪ`ኸ?

ቤተክርስቲያን ቫቲካን `ስንባደን ሓዘንን` ተሰሚዕዋ፡ ንኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ፈረንሳይ ከይትጽልይ ድማ ገሊጻ።

መራሒት ጀርመን ኣንገላ መርከል ንህዝቢ ፈረንሳይ ድጋፋ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኖተር ዳም `ኣርማ ባህሊ ፈረንሳይን ኤውሮጳን`ዩ` ኢላ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ተሬዛ መይ ድማ፡ `ሎሚ ምሸት ልበይን ቀልበይን ምስ ህዝቢ ፈረንሳይን ምስ`ቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ባርዕ ኖተር ዳም ንምጥፋእ ዝጽዕቱ ዘለዉ ኣባላት ኣገልግሎት ህጹጽ ሓደጋ እዩ ዘሎ` ኢላ ብመንገዲ ትዊተር።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናል ትራምፕ ድማ ብመንገዲ ትዊተር፡ `ንኽትርእዮ ዘስካሕክሕ`ዩ` ድሕሪ ምባል `በረርቲ ኣጋንእ ማይ` ተጠቒምካ ነቲ ባርዕ ከተጥፍኦ ይከኣል`ዩ ኢሉ።

ትካል ሲቪላዊ ድሕነት ፈረንሳይ ድማ፡ ከም መልሰ-ግብሪ ንርእይቶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብዘስምዕ ዓይነት፡ ንሱ [እቲ ርእይቶ ናይ ትራምፕ] ኣማራጺ ኣይኮነን ምኽንያቱ ከምኡ እንተተገይሩ እቲ ህንጻ ክድርመስ ይኻል`ዩ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት