ኣይተ በረከት ስምኦንን ታደሰ ካሳን ልዕሊ 1000 ገጽ ክሲ ቀሪብዎም

በረከትን ታደሰን

ኣብ ኮርፖሬት ጥረት 'ሃብቲ ብምብኻን' ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣይተ በረከት ስምኦንን ኣይተ ታደሰ ካሳን ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝቐረቡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጸብጺበን።

እቶም ክሱሳት ዝቐረበሎም 1009 ገጽ ዘለዎ ክሲ ብሰኑይ ኣጋግዘ ከም ዝተቐበሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ተዛሪቦም። ነቲ ክሲ ኣንቢቦም ክርድእዎን ምላሽ ክህብሉን ዘኽእሎም ግዜ ክህቦም ድማ ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም።

ብዝሓተትዎ መሰረት ድማ፡ ሓሳቦም ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንሚያዝያ 14 ከቕርቡ ተቖጺሮም ኣለዉ።

ኣይተ በረከት ስምኦን፡ ብ15 ጥሪ 2019 ብምጥፍፋእ ሃብቲ ተጠርጢሮም ምስ ነባር መቓልስቶም ኣይተ ታደሰ ካሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ተታሒዞም ኣብ ባህርዳር ተኣሲሮም ይርከቡ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ እናተዳነዩ ዝርከቡ እዞም ጥርጡራት፡ ጠበቓ ከቑሙ ከምዝተጸገሙ ይግለጽ። ጠበቓታት ነዞም ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ክውክሉ ስግኣት ከም ዝሓደሮም'ውን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቤትፍርዲ፡ ጠበቓ ብደገ ከቑሙን ጠበቐኦም ብርሕቐት 'ብፕላዝማ' ክከታተል ዝኽእለሉ መገዲ ክጣጠሓሉን እቶም ክሱሳት ሓቲቶም።

ነዚ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ጠበቓ ከቑሙ ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክገብር ትእዛዝ ከምዘሕለፈ ኣገልግሎት ዜና ፋና ጸብጺቡ።

ክልቲኦም ጥርጡራት፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ብኣዴን (ናይ ሕዚ ኣዴፓ) እዮም ነይሮም።

ኣይተ ታደሰ ካሳ ንነዊሕ ዓመታት ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኮይኑ ዝመርሐ ክኸውን ከሎ፤ ኣይተ በረከት ስምኦን ድማ ሓላፊ ቦርድ ኮርፖሬት ጥረት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ማእሰርቲ እዞም ክልተ ፖለቲከኛታት ቅድም ክብል ንቢቢሲ ናይ ውልቀ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ክሳብ ሕዚ እናገምገምናዮ ካብ ዝመጻእናዮ ተላዒለ እንትግምት፡ ምስ ምጥፍፋእ ቅርሽን ብልሽውናን ብዝዛመድ፡ በረከትን ታደሰን ናይ መወዳእታ [ተሓተትቲ] እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ" ኢሎም ነይሮም።

ተወሳኺ ዛንታ