ስድራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠሓሉ 60 ተጋሩ መናእሰይ መርድእ ይንገሮም ኣሎ

31 ጥሪ 2019 ዝጠሓለት ጀልባ Image copyright Getty Images

ብጅቡቲ ኣቢሎም ቀይሕ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝተበገሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ሓደጋ ስለዘጓነፋ 60 ስደተኛታት ከምዝሞቱን፡ ዛጊድ ድማ ንስድራ ኣስታት ኣርብዓ ግዳያት መርድእ ከምዝተነገረን፡ ክኢላ ፕረስ ወረዳ ኣጽቢ ወንበርታ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብዝሓ ካብቶም ግዳያት ካብ ወረዳ ኣጽቢ ወንበርታ ዝነቐሉ እዮም። ክኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ኣቶ ብርሃነ ትኩኡ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ሓደጋ 28 መጋቢት 2011 ዓም እዩ ተኸሲቱ።

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ 43 ስድራ ግዳያት መርድእ ከምዝተነገሮም ዝገለጸ ኣቶ ብርሃነ ትኩኡ፡ እቶም መናእሰይ ካብ 14 ክሳብ 20 መጋቢት 2011 ኣብ ዘለው መዓልታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ጉዕዝኦም ከም ዝጀመሩ ተዛሪቡ።

ሎሚ ምሸት፡ ንግዳያት ንምዝካር ስነ ስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ብደረጃ ወረዳ ኣብ እንዳ ስላሰ ኣፅቢ ክካየድ እዩ እውን ይብል።

እቲ ዜና፡ ምስ ስድራ እቶም ግዳያት ርክብ ብዘለዎም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ሰለስተ ውጻእ መዓት ስደተኛታትን ኣቢሉ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ናብቶም ስድራ ከም ዝበጽሐ'ውን እቲ ክኢላ ፕረስ ተዛሪቡ።

ካብቶም መርድእ ዝሰምዑ ስድራታት ሓደ፡ ካልኣዩ ገብረዮውሃንስ እዩ። ሓው፡ ንጉሰ ገብረዮውሃንስ ብሰንኪ ምጥሓል እዛ ጀልባ ካብ ዝሞቱ መናእሰይ ምዃኑ ሰሚዑ ኣብ ሓዘን እዩ ዘሎ።

ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ዝነበረ ንጉሰ፡ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጸኒሑ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ስድርኡ ክሓትት ንዓዲ ተመሊሱ። ኣይጸንሐን፡ ስድርኡ ርእዩ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ስዑዲ ክምለስ ነቒሉ።

ንጉሰ 16 መጋቢት 2011 ናብ ጉዕዞ ከም ዝተበገሰ ዝገለጸ ኣቶ ካልኣዩ፡ ኣብ መንጎ ደሃይ ከም ዘጥፍአ ይዛረብ።

"ዝሓሸ ስራሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ'ዩ ብዝብል'ዩ ኸይዱ። ኣብ ጉዕዞ እንከለው ድማ ይድውሉ ነይሮም፡ በረኻ እናወዳእና ኢና እናበሉ የዘራርቡና ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ደሃይ ስኢንና፡ ስልኪ ጠፊኡ። ትማሊ ሰንበት ድማ ተረዲእና" ኢሉ።

"ደቆም ምስ ኣየናይ ደላሊ ይጉዓዙ ኣለው፣ መዓዝን ካበይን ይብገሱ፣ ኣበየናይ ባሕሪኸ ኣለው ዝብሉን ካልኦትን ሓበሬታ ይበጽሖም'ዩ" ዝበለ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ መንጎ ግን ደሃይ ደቆም ከም ዝጠፍኦም ይዛረብ።

ምስዞም ግዳያት ዝጉዓዙ ዝነበሩ ብህይወት ዝደሓኑ ሰለስተ ስደተኛታት የመን ከም ዝኣተው ድማ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ በብሰንኪ እዚ ሓደጋ ኣብ ሸሞንተ ጣቢያታት ዝርከቡ ስድራታት ብሓዘን ተሸሚሞም ኣለዉ።

ኣብ ሓንቲ ጣቢያ ጥራይ ዕድሚኦም ካብ 20-32 ዝኾኑ፡ 12 ዝሞቱ መናእሰይ ከም ዘለው እቲ ክኢላ ፕሬስ ተዛሪቡ።

ምኽንያት ስደት እቶም መናእሰይ ዝተፈላለየ'ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ውሃብቲ ርእይቶ ግን ምስ ስእነት ሸቕሊ የተሓሕዝዎ።

"ብስእነት ስራሕ'ውን ዝስደድ'ኳ እንተሃለወ፡ ዓብዪ ህንጻ ሰሪሑ፣ መኪና ኣቐሚጡ፣ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥረሉ ዝኽእል ገንዘብ ኣብ ኢዱ እንከሎ [ተመሊሶም] ዝስደድ'ውን ግን ብዙሕ'ዩ" ኢሉ ኣቶ ብርሃነ።

ኣብታ ወረዳ ብርክት ዝበሉ ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ እንትህልው፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 295 ሽሕ ሸቕሊ ኣልቦ መናእሰይ ከም ዘለው መንግስቲ እቲ ክልል ይገልጽ።

ተወሳኺ ዛንታ