ኢትዮጵያ፡ "በገና ምስ ባህላዊ ወይ ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ክሕወስ የብሉን"

ቢንያም

ካብ ቆርበት በጊዕ ዝዳሎ ጅማት ብምውጣር ዝስራሕ፡ ኢትዮጵያውያን ኣለና ዝብሉዎ ጥንታዊ ሃብቶም'ዩ፡ በገና።

በገና፡ ምስ ምፍጣር ደቂ ሰባት ዝራኸብ ነዊሕ ዕድመ ከም ዘለዎ እንትግለፅ፡ መምህራን እዚ መሳርሒ ድማ፡ ኣዳም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ዝነበረ'ዩ ኢሎም ይምህሩ።

መጸውዒ ሽም እዚ መሳርሒ 'በገነ' ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግስ ዝመጽአ እንትኾን፡ ኣቦታት እንትፈትሑዎ፡ 'ደርደረ፣ ወቕዐ..' ዝብል ትርጉም ብምሃብ'ዩ።

እዚ ጥንታዊ መሳርሒ፡ ንቆልዓን ዓብይን ብዝምጥን መልክዑ ብዝተፈላለየ ዓቐን ክዳሎ ይኽእል። ካብ 90 ክሳብ 140 ሴንቲ ሜትሮ ንውሓት ከም ዘለዎ ድማ ይጥቀስ።

በገና እንታይ'ዩ?

በገና "ንክትሪኦ ጥራሕ ሰሓባይ'ዩ" ኢሉ ዝገልጾ ኣብ ማህበረ ቅዱሳን ጨንፈር መቐለ መምህር በገና ኢንጅነር ቢንያም ኣብርሃ፡ ነዊሕ ምዃኑ ይጠቅስ።

ነፍሲወከፍ ኣካል በገና፡ እታ ቤተክርስቲያን ዝሃበቶም ምሳሌን ውክልናን ዝሓዙ'ዮም። ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ መስቀል ምልክት "ምሳሌ ክርስቶስ'ዩ" ዝብል መምህር ቢንያም፡ ትሕት ኢልካ ዝርከቡ 'መቓነይ' ዝበሃሉ ምሳሌ መንፈስ ቅዱስ ሓጸርቲ ዕንጸይታት ምህላዎም ይገልጽ።

ምሳሌ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ርእሲ እቲ በገና ቕርጺ መስቀል ሒዙ ንጎድኒ ዝተሰርሐ ጋድም'ዩ። እቲ በገና ጥዑም ቃና ከውጽእ ዝገብሩ ብኣጻብዕቲ ዝድርደሩ በዝሖም 10 ዝኾኑ ዝተወጠሩ ኣውታር ድማ፡ ንዓሰርተ ትእዛዛተ ወንጌል ይውክሉ።

"ብየማንን ጸጋምን ዘለው ክልተ ዓምድታት ምሳሌ ብሉይን ሃዲስን ኪዳንን፡ ወይ ድማ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤልን ቅዱስ ሚካኤልን ኮይኖም ነታ ቤተ ክርስቲያን የገልግሉዋ" ይብል መምህር ቢኒያም።

ሳንዱቅ ድምጺ እቲ በገና 'ገበታ' ኢሎም እንትጽውዑዎ፡ ምሳሌ ህቱም ድንግልና ማርያም ኮይኑ ይግለጽ።

ኣብዚ ሳንዱቕ ድምጺ፡ ነቶም ዝተወጠሩ ገመዳት ፈልዮም ዝሓዙ ካብ ቆርበት ዝስርሑ ደቀቕቲ ነገራት እንትህልው፡ ምሳሌ ኣብ ጎቦ ደብረሲና ዘሎ ኣትኽልቲ'ዮም ይብል ኢንጅነር ቢንያም።

ኣብ መወዳእታ ኽፍሊ እቲ በገና ዝርከባ 'ጻዕዱ ዕንጸይቲ' ድማ፡ ብደቂ ሰባት ዝተወከላ'የን።

"ትርጉም ናይቶም ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወረዱ 10 ኣውታር (ገመዳት ድምፂ)፡ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ትእዛዛት ኮይኖም ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ተቐቢሉ ናብ ደቂ ሰባት ዘመሓላለፎም ከም ዝኾኑ ንምምልኻት'ዮም ኣብ ታሕቲ ተኣሲሮም" ክብል የረድእ።

በገና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ

ቅዱስ መጽሓፍ ላሜህ ዝበሃል ደርዳሪ በገና ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ። መምህር በገና ኢንጅነር ቢኒያም ነቲ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ከዘንትው ከሎ "ሓው ቀቲሉ ካብ እግዝኣብሄር ርሒቑ ዝነበረ ቃኤል፡ ኣብ በረኻ ይዘውርን ድምጺ የስምዕን ነይሩ" ይብል።

እዚ ላሜህ ዝተብሃለ 7ይ ትውልዲ ቃኤል ዓይነ ስውር'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ድምጺ ሰሚዑ ኣራዊት ከባርር ኢሉ ዝደርበያ እምኒ፡ ንቃኤል ወቒዓ ከም ዝቐተለቶ የረድእ።

"ድሕሪ'ዚ ላሜህ ይሓዝን ነይሩ" ዝብል መምህር ቢኒያም፡ ካብዚ ተበገሱ በገና 'መሕዘኒ' ክኸውን ከም ዝተገበረ ይዛረብ።

ኣመጻጽእኡ ካብ ሓዘን ዝተበገሰ'ዩ እንተተብሃለ'ውን፡ ብጾሎት ካብ ሓዘንካ እትጸናንዐሉ'ዩ ድማ ይብል ሙሁር በገና ዶክተር ገብረእግዝኣብሄር ማህጾ።

"በዚ ምኽንያት፡ በገና ንሓጎስ ወይ መዘናግዒ ዝውዕል ኣይኮነን" ዝብል እቲ ሙሁር፡ ዓᎁቕ ተመስጦ ዘምጽእን ጽቡቕ ጣዕሚ ዘለዎን "ከምኡ'ውን ካብ ሕማቕ ስምዒት ከውጽእ ዝኽእል ድምጺ እትሰምዐሉ'ዩ" ይብል።

እዚ መሳርሒ ኣብ እዋን ጾም ዝዝውተር ኮይኑ፡ ዝበለጸ ሕልናዊ ተመስጦ ኣብ ዝህልወሉ ከም 'ሰሙነ ሕማማት' ዝበለ እዋን፡ ሓዘን፣ ጸሎትን ጾምን ብበገና ኣቢልካ ከም ዝግለጽ እቶም ሙሁራት ይዛረቡ።

በገና ዚያዳ ዝተፈልጠ ኣብ ዘመነ ቅዱስ ዳዊት ምዃኑ'ውን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህር።

ሓላዊ ኣባጊዕ ምንባሩ ዝጥቀስ ዳዊት፡ ኣብ በረኻ በይኑ ክኸውን እንከሎ ንዝስምዖ ፅምዋ በገና እናደርደ የሕልፎ ምንባሩ ይጥቀስ።

በገና ኣብ ኢትዯጵያ

ሰለሞን፡ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን፡ ብዝንኡን ክብሩን እትምሰጥ ዝነበረት ንግስተ ሳባ ካብ ኢትዮጵያ ናብ እየሩሳሌም ከይዳ ሚኒሊክ ቀዳማይ ጸኒሳ ከም ዝተመለሰት ክብረ ነገስት ዝተብሃለ መጽሓፍ የዘንቱ።

በገና መዓዝን ከመይን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝብል ሕቶ እንትልዓል ዝቐርብ መረዳእታ፡ "ሚኒልክ ቀዳማይ ንኣቡኡ ንጉስ ሰለሞን ክሓትት ከይዱ ክምለስ እንከሎ፡ ሒዙዎም ካብ ዝመጽአ ብዙሓት ንዋያት፡ በገና ሓደ'ዩ ዝብል ታሪኽ ኣለና" ኢሉ ዶክተር ገብረእግዝኣብሄር።

ነገስታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኲናትን ካልእን ውዒሎም ክምለሱ እንከለው፡ ዓርሶም ንምርግጋእ በገና ይድርድሩ ነይሮም ይበሃል።

"እዚ'ውን ኮይኑ ግን ንምስጋናን ልመናን ዝውዕል ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕሓ'ዩ" ይብል እቲ ሙሁር።

በገና ዝገጥሞ ዘሎ ፈተና

በገና፡ ክሳብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተሓጺሩ ዝነበረ ብምዃኑ፡ ናብ ምጥፋእ ተቓሪቡ ምንባሩ እቶም ሙሁራት ይዛረቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመዝሙራት በገና ዝልለ፡ መጋቤ ስብሃት ኣለሙ ኣጋን ካልኦትን ግን ኣብ ቀረባ ከም ብሓድሽ ኣልዒሎምዎ፡ ሕዚ ብሰፊሑ ብዙሓት ተምሃሮ ይመሃርዎ ኣለው።

በገና ምስ ዝኾነ ዓይነት ባህላዊ ወይ ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ጸምቢርካ ክድርደር ዘይኽእል፡ ጸግኡ ብሕቲ ምዃኑ'ዩ ዝንገር።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ መሳርሒ ንምልላይ ብዝብል ምስ ካልእ መሳርሒ ሙዚቃ ብምሕዋስ ሙዚቃ ክሰርሑ ዝፍትኑ ሰባት ይርኣዩ ከም ዘለው መምህር ቢኒያም የልዕል።

"ካልእ ተሪፉ በገና ምስ ካልኦት መንፈሳዊ መሳርሒታት ኣይጠዓዓምን። ሓንቲ ጅማት በገና ተወቒዓ እትጉዓዞ ርሕቐት ነዊሕ ኮይኑ፡ ናይቶም ካልኦት ሓጺር'ዩ። በዚ ምኽንያት ምስ ካልኦት ክሕወስ እንከሎ ናይ ምርባሽ ባህሪ'ዩ ዘምጽእ። ካልእ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ወንበር ብበገና ምስራሕ ተጀሚሩ'ሎ። ግቡእ ኣይኮነን" ብምባል ክእረሙ ኣለዎም ኢሉ ይምሕጸን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን በገና እንትትድርደር፡ ብሰለስተ ቅኚታት ኮይኑ፡ ሰላምታ፣ ዋኒን ቸርነትን ይበሃላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ