ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ዘናውሕ ውሳነ ባይቶ ግብጺ

ፕረዚደንት ኣልሲሲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ካልኣይ እብረ-ስልጣኑ ኣብ 2022 ምስ ተወደአ ካብ ስልጣኑ ክወርድ'ዩ ዝግብኦ

ሃገራዊ ባይቶ ግብጺ፡ ንፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ክሳብ 2030 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእል እማመ ምምሕያሽ ቅዋም ኣጽዲቑ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ካልኣይ እብረ-ስልጣኑ ኣብ 2022 ምስ ተወደአ ካብ ስልጣኑ ክወርድ'ዩ ዝግብኦ።

እቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክቐርብ ዘለዎ ምምሕያሽ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ናብ ሽድሽተ ዓመት ብምንዋሕ፡ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ዘፍቅድ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ፓለቲካ'ታ ሃገር ግደ ክህልዎን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ፈራዲ ኣካል ስልጣን ከም ዝህልዎ ዝገብር ምምሕያሻት በቲ ባይቶ ጸዲቑ'ሎ።

ኣብ 2013 ኣልሲሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ብመሓመድ ሞርሲ ዝምራሕ መንግስቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ'ዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ብዙሓት ግብጻውያን ኣንጻር'ቲ ጽልዋ ናይቲ "ሕውነት ኣስላም" (ሙስሊም ብራዘርሁድ) ጉጅለ ኣለዎ ዝበሃል መንግስቲ ሞርሲ ተቓውሞታት ምስ ኣበገሱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብመሪሕነት ኣልሲሲ ስጉምቲ ከም ዝወሰደን፡ ንመሓመድ ሞርሲ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎን ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዝቐጸለን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ከም ዝተኣስሩን ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ይኸሱ።

Image copyright AFP

ንሱ፡ ኣብ 2014 ንፈለማ ምስ ተመርጸ፡ ኣብ ዚሓለፈ ዓመት ንካልይ ግዜ 97% ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ። ኣብቲ ዳሕረዋይ ምርጫ፡ ግምት ዝወሃቦ ተቓናቓኒ ኣይነበሮን፡ ምኽንያቱ፡ እቶም ክወዳደሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ምርጫ ኣይተሳተፉን ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።

ባይቶ እታ ሃገር ብደገፍቲ ኣልሲሲ ዝመልአ ምዃኑን፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝምእዘዝ'ዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣገደስቲ ፓለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ልውጥታት ከም ዘመጽአ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝጀመሮ ናይ ጽገና ዕማም ንምዝዛም ዝያዳ ግዜ ከም ዘድልዮ ይማጎቱ።

ብኣንጻሩ ግን፡ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ፡ እቲ ምምሕያሻት ስልጣን ንምግባት ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ይነቕፉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2012 ዝጸደቐ ቅዋም እታ ሃገር፡ ሓደ ፕረዚደንት ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ እብረ ምስ ተመርጸ፡ ንካልኣይ ግዜ ክምረጽ ይኽእል።

እቲ ሕጂ ዝተገብረ ምምሕያሽ ግን፡ እቲ እብረ ናብ ሽዱሽተ ዓመት ዘናውሕን፡ ሰለስተ እብረ ክኸውን ዝገብር'ዩ።

ካልእ ኣካል ናይቲ ምምሕያሽ ድማ፡ ፕረዚደንት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምክትላት ፕረዚደንት ክምዝዝ ዘፍቅድ'ዩ። ቦታ ምክትል ፕረዚደንት ካብቲ ኣብ 2012 ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ ተወጊዱ'ዩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት