ኣብ ከተማ መቐለ፡ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኲሓን ኣካላት ጸጥታን ዝተፈጠረ ጎንጺ እንታይ እዩ?

ነበርቲ ኲሓ ኣብ ቀረባ እዋን ቅረታታቶም ንሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም
ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ወፍሪ ጽርየት ተቐቢሎም፡ ልዕሊ 100 መናእሰይ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ሰዓት ጀሚሮም ክሳብ ረፋድ ከባቢኦም እናፅረዩ ፀኒሖም።
እቲ ወፍሪ ጽርየት ምስተዛዘመ፡ ቅድም ክብል'ውን ኮሚቴ ኣጣይሾም ጥርዓኖም ከቕርቡ ዝቐነዩ መናእሰይ 'ኣኼባ ክንገብር ኢና' እንትብሉ ሓይልታት ጸጥታ ድማ 'ዘይተፈቐደ ኣኼባ ኣይትገብሩን' ብዝብል ናብ ምስሕሓብ ከምዝኣተዉ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።
ድሕሪ እዚ ምስሕሓብ፡ ኣካላት ፀጥታ ነቶም መናእሰይ ምውቃዕ ከምዝጀመሩን፡ ንገሊኦም'ውን ከምዝኣሰርዎምን እቶም መሰኻኽር ይዛረቡ።
ኣቦወንበር ፖለቲካዊ ውድብ ዓረና ኣይተ ኣብርሃ ደስታ'ውን፡ ሓደ ኣባሎም ከምዝተኣሰረ ንራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ትግርኛ ሓቢሩ እዩ።
ብፅባሒቱ (ሰምበት) ድማ ኣካላት ፀጥታ ኣብታ ክፍለ ከተማ፡ መናእሰይ ናይ ምህዳን ስጉምቲ ይወስዱ ከምዝነበሩን፡ መናእሰይ ተሓቢኦም ከምዝወዓሉን ነበርቲ ገሊፆምልና።
ገለ ካብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተኣሲሮም ዝፀንሑ መናእሰይ፡ እቶም ዝተወሰኑ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ክፍለ ከተማ ኲሓ ከምዝቐረቡን፡ ብድሕሪኡ ናበይ ከምዝተወሰዱ ከምዘይፍለጥን ድማ ስድራ እቶም ዝተኣሰሩ መናእሰይ ይዛረቡ።
መበገሲ እዚ ጎንፂን ማእሰርትን እንታይ እዩ?
እቶም መናእሰይ፡ ኣብቲ ወፍሪ ጽርየት ዝካየደሉ ዕለት ቅድም ኢሎም ዝተለምዎ 'ኣብ ጉዳይ ውራ መሬት፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ስእነት ስራሕን ካልኦት ዛዕባታትን' ዘድህብ ኣኼባ ክገብሩ ትልሚ ነይርዎም።
ኣኼብኦም ንምክያድ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ 'ኣዳራሽ ሓየሎም' ከምዘምርሑ፡ እንተኾነ ግን ከምዝተኸልከሉ ይገልፁ።
ምንጪ ስእሊ, Quiha Youth Union Facebook
እዚ ኣኼባ ንኸካይዱ፡ ንኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኩሓን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ዝገልፅ መንእሰይ ሰሎሙን፡ "ቅድሚ ሕዚ ሕቶታት ከባቢና ስለዘልዓልና፡ ብድሕሪት ዝደፍኦም ሓይሊ ኣሎ ዝብል ጸለመ ኣብ ልዕሌና ተኸፊቱ። እቲ ናይ ፅሬት መደብ ድማ ዋላ እኳ ቅድም ኢልና ዝሓሰብናዮ እንተነበረ፡ መንግስቲ ምስ ኣወጀ ግና መርኣያ ሰናይ ተግባር ንምዃን ኢልና ክነካይዶ ወሲንና" ይብል።
'ኣብቲ እዋን ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ይከታተልዎምን ስእሊ ይስእልዎምን' ከምዝነበሩ ዝገልፁ መሰኻኽር ዓይኒ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቶም መናእሰይ 'ምስ እቲ ወፍሪ ጽርየት ዘይዛመድ ሕቶታት' ብመጉልሂ ድምጺ የንጸባርቑ ከምዝነበሩን፡ ንሓይልታት ጸጥታ ስእሊ ክስእሉ ምስጀመሩ እቲ ጎንጺ ከምዝተጋደደን ዝገልጹ'ለዉ።
"መንእሰይ ተቐጥቂጦም"
እቲ ኣብ ኲሓ ዘጋጠመ፡ "ጎንፂ ዘይኮነስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል እዩ" ይብል መንእሰይ ሰለሙን።
"ጎንፂ ማለት ብኽልቲኡ ወገን ማዕረ ምውቓዕ ወይ ካልእ እንተሃልዩ እዩ፡ ንሕና ግን ፅሬትና ምስ ወዳእና ትሉም ኣኼባና ክነካይድ ካብ ከልከሉና፡ ብዛዕባ እቲ ዘተኣኸኸበና ፅሬት ከመይ ከምዝነበረን ብዛዕባ ናይ ቀፃሊ ዘተታትን ኣብ ንዘራረበሉ እዋን፡ እቶም ፍሉይ ሓይሊ ከቢቦምና" ይብል።
ነቲ ንዛተየሉ ዝነበርና ዛዕባ ኩለና መናእሰይ ሞባይልና ኣውፂእና ንቐርፅ ነይርና ዝብል እዚ መንእሰይ፡ ኣብ መንጎኡ ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣዛዚ፡ ንውዳበ መናእሰይ ኲሓ ካብ ዝመርሑ ሓደ ንዝኾነ መምህር ነብዩ ስሑል ሚካኤል ከምዝሓዞ ይዛረብ።
ምንጪ ስእሊ, NEBYU SIHUL MIKAEL
መምህር ነብዩ ስሑል ሚካኤል
"እቲ ኣዛዚ ንምንታይ ካሜራ ትቐርፀኒ ብምባል ንነብዩ መፅዩ ሒዝዎ፡ ነብዩ እውን ስነስርዓት ግበር ከይትነኽአኒ ኢልዎ። ደሓር ግና እቶም ካልኦት ሰራዊት መፅዮም ንነብዩ ስሑል ሚካኤል ክወቕዕዎ ምስ ጀመሩ፡ እቲ እኩብ መንእሰይ ስነስርዓት ኢሉ ተላዒሉ፤ ድሕሪኡ ግን እቲ ኣዛዚ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ማይክሮፎን በልዎም ኢሉ ተዛሪቡ። ካልእ ይትረፍ እቲ መንእሰይ በቲ የፅርየሉ ዝነበረ መኾስተር እዩ እናተቐጥቐጠ ውዒሉ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይገልፅ።
ካልእ ነባሪ ክፍለ ከተማ ኩሓ ኣይተ ተኪኤ ብወገኑ እቲ መንእሰይ 'ንኣካላት ፀጥታ ስነስርዓት ግበሩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ እምኒ ኣይደርበየን' ይብል።
"ኣብቲ መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ተጎዲኦም እዮም" ድማ ኢሉ መንእሰይ ሰሎሙን።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ እቶም መናእሰይ በጺሑ ዝተብሃለ ኣካላዊ ማህሰይትን ብዝሒ እቶም ማህሰይቲ ከምዝበጽሖም ዝተገለጹ መናእሰይን ንምርግጋጽ ዕድል ኣይረኸበን።
"ናበይ ከምዝወሰድዎ ኣይንፈልጥን"
ካብዞም ብኣካላት ፀጥታ ዝተኣሰሩ ሓደ፡ ነቲ ኣብ ኲሓ ዘሎ ውዳበ መናእሰይ ካብ ዝመርሑ ሓደ ዝኾነ መምህር ነብዩ ስሑል ሚካኤል እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰምበት ከባቢ ሰዓት 6፡00 ናይ ቀትሪ ከምዝተኣሰረ ዝሰምዑ ስድራ እንዳ መምህር ነብዩ ስሑል ሚካኤል፡ ነቲ ፍጻመ ካብ ካልኦት ነበርቲ ከምዝሰምዑን፡ ጸኒሖም ናብ ኣለሻ ከምዝኣተዉን ሓዉ ኣይተ ዳዊት ገብረሚካኤል ሓቢሩልና።
"ንሕና ኣብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ፀገም የብልናን፤ ከፃርዩ እንተደልዮም የፃርዩ። ንፁር ሓበሬታ ዝህበና ስለዘይነበረ ግና፡ ተኣሲርሉ ወይ ድማ ኣትዩሉ ናብ ዝበሃል ሕክምና ክንዘር ኢና ውዒልና፤ ወላዲትና እውን ኣብ ጭንቀት እያ ነይራ" ዝብል ኣይተ ዳዊት፡ ደሓር ግና ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ እንደርታ ተኣሲሩ ከምዘሎ ሰሚዖም።
ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣዲኡ ጥራይ ብርሕቐት ክርእየኦ ከምዝተፈቐደለን ይገልጽ።
ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ መምህር ነብዩ ስሑል ሚካኤል ናብ ቤትፍርዲ ክፍለ ከተማ ኩሓ ከምዝቐረበ ዝሓበረልና ኣይተ ዳዊት፡ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ቤት-ፍርዲ ንክኣትዉ ከምዘይፈቐደሎም ተዛሪቡ።
ነብዩ ኣብ ርእሱ ጉድኣት በጺሕዎ ከምዘሎ ዝተዛረበ ኣይተ ዳዊት፡ ተኣሲርሉ ካብ ዝነበረ ቦታ ናብ ቤትፍርዲ እንትኣቱ መሰሉ ከምዝተግሃሰ ዓው ኢሉ ይዛረብ ነይሩ ኢሉ።
"ከም ስድራ እንታይ ከምዝተወሰነ እንፈልጦ ነገር የለን። ድሕሪኡ እውን ካብቲ ቤትፍርዲ ምስ ካልኣዩ ሒዘሞ ከይዶም፡ ናበይ ከምዝወሰድዎ ግን ኣይንፈልጥን" ኢሉና ኣይተ ዳዊት ገብረሚካኤል።
ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት
መናእሰይ ክፍለ ከተማ ኲሓ ቅድም ክብል፡ ኣብ ተረባሕነት መናእሰይ፣ ስእነት ሸቕልን ውራ መሬትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክምለሱሎም ኮሚቴ ወዲቦም ክንቀሳቐሱ እዮም ጸኒሖም።
"ቅድሚ ሕዚ ንኣማሓዳሪ እቲ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጥና መድረኽ ዘተ ክነካይድ ኢልና ክልተ ሰለስተ ግዘ ብፍሉይ ሓይሊ እዮም በቲኖምና። ኣብዚ ዘለዉ ኣማሓደርቲ ስለዘይፈትሑልና ድማ፡ ናብ ከንቲባ ከተማ መቐለን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮንን ደብዳበ ኣእቲና" ይብል ነባሪ ክፍለ ከተማ ኲሓ ኣይተ ተኪኤ።
ቅዳሕ እዚ ደብዳቤ ንምምሕዳር ክፍለ ከተማ ኲሓ ከምዝሃቡ'ውን ይገልጽ። "ንዓና ንዒቕኩም ናብ ክልል ምምሕዳር ሕቶ ኣቕሪብኩም፤ ንስኹም ሕጋውያን ኣይኮንኩምን" ከምዝተብሃሉ'ውን ይዛረብ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን በዞም መናእሰይ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ንጥርዓንን ሕቶታትን ነበርቲ ኲሓ ሰሚዖም ነይሮም።
እቲ ህዝቢ ዘልዓሎ ሕቶ ግቡእ ምዃኑን፡ ነቶም ጸገማት ንምፍታሕ ከምዝሰርሑን ድማ ቃል ኣትዮም እዮም።
ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኲሓ፣ ቤት ፅሕፈት ፖሊስን ፀጥታን ወረዳ እንደርታ፣ ካብ ርክብ ህዝቢ እታ ክፍለ ከተማ፣ ቤትፅሕፈት ፖሊስ ዞባ መቐለን ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ደጋጊምና ዋላ እኳ እንተፈተንና፡ ኣይሰመረን።