ባሕሬን ዜግነት ብግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 138 ሰባት መንጢላ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቤት ፍርዲ ባሕሬን፡ ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሰሱ 139 ሰባት ናብ ቤት መማእሰርቲ ክኣትዉ ብምውሳን፤ ካብዚኦም ናይቶም 138 ዜግነቶም ክምንጠሉ ወሲኑ።
እቶም 69 ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም እንትኸውን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።
እዞም ተጠርጠርቲ ምስ ናይ ኢራን ወተሃደራዊ ሓለዋ ሰውራ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም።
ሃይማኖት እስልምና ሱኒ ተኸታሊት ዝኾነት ባሕሬን፡ ተኸታሊት እስልምና ሺዓ ዝኾነት ኢራን ምስ መሻርኽታ ብምዃን ኣብ ባሕሬን ሰላምን ህድኣትን ንከይህሉ ትሰርሕ ኣላ ክትብል ከሲሳ ነይራ።
58 ክሱሳት ኣብ ዘየለውሉ ፍርዲ ይወሃብ ከምዘሎ ዝተገለፀ እንትኸውን፡ መፃኢ ዕጫ እቶም ዜግነቶም ዝተመንጠሉ ሰባት እንታይ ክኸውን ከምዝክእል ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ላዕለዋይ ቤትፈርዲ ባሕሬን፡ ምስ "ሂዝቦላህ ባሕሬን" ዝተብሃለ ጉጅለ ራዕዲ (ሽበራ) ርክብ ዘለዎም 169 ሰባት ክሲ ይከታተል ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ነታጒ ምቕባር፣ ፈተነ ቅትለት ምክያድ፣ ንብረት ምዕናው፣ ዘይሕጋዊ ዕጥቅታት ምዝውዋርን ዝብሉ ክስታት እዮም ቀሪቦም።
ትማሊ ሰሉስ ድማ ንመወዳእታ ግዘ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዝቐረቡ 139 ተጠርጠርቲ ፍርዲ ዝተበየነ እንትኸውን፡ 96 ተጠርጠርቲ ነብሲ ወከፍ ልዕሊ 265 ሽሕ ዶላር ንክኸፍሉ ተበይኑ።
እቶም 138 ብዘይገለ ይግባይ፡ ናይ ባሕሬን ዜግነቶም ዝተመንጠሉ እንትኾኑ፡ ሓደ ውልቀሰብ ግና ማእሰርቲ ጥራይ ተፈሪድዎ።
ብመሰረት ዓለምለኸ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል ግና፡ ዝኾነ ውልቀሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ምሉእ መሰል ዘለዎ እንትኸውን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዜግነት ክምንጠል ናብ ሃገሩ ምእታው ክኽልከልን ከምዘይብሉ ይድንግግ።
ኣብ 2018፡ መንግስቲ ባሕሬን ንሸሞንተ ዜጋታት እታ ሃገር ዜግነቶም መንጢሉ ናብ ኢራን ኣባሪርዎም ነይሩ።
ኣለሻ ተፈትወኒ ሃገር