ኣብ ኬንያ፡ ፌስቡክ `ወረበላታት` ንምቕታል ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ

ፖሊስ ካዮለ ሰብኡታ ከምዝቐተለላ ትዛረብ ንእስቲ

ምንጪ ስእሊ, .

መግለጺ ስእሊ,

እዛ ንእስቲ ክልቲኦም ሰብኡታ ተቐቲሎም ኢላ ከምትኣምን ኣብ ፎረም ካዮለ ተዛሪባ

ሓደ ናይ ኬንያ ናይ ፖሊስ ጋንታ ኢዩ ዝብሃል ናይ ቅትለት ጉጅለ፡ ኣብ ወርሒ ብገምጋም 12 ኣባላት ሰባት ብምቕታል ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ምስልታት፡ ኣብ ፌስቡክ ብምጥቃዕ ከም መፈራርሒ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ካብቶም ኣብ ፌስቡክ ዝተጠቅዑ ምስልታት፡ ዝተኸፍተ ሽክና ርእስን ናውቲ ከብዶም ናይ ዝወጹ ሰባትን ዘርእዩ ስእልታት ይርከቡዎም።

እዚ ቀታሊ ጉጅለ፡ ናይቶም ክቐትልዎም ዒላማ ዝገበርዎም ሰባት ሂወት ታሪኽ፣ ዝፈጸመዎ ገበናትን ዝዓጠቅዎ ብረትን ኣብ ፌስቡክ ምስኣለለዩ፡ ድሕሪ ሰሙን ወይ ወርሒ ከምዝቐትልዎም፡ ኣብቲ ሳሕቲ ዝካየድ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን ኣኽባሪ ሕጊ ኬንያን፡ ላዕለዎት መኮንናት ፖሊስን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጽን ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።

ሓንቲ ቆልዓ ዝሓቖፈት ኣደ፡ ዝርንዝሕ እናነብዐት፡ ``ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክልተ ሰብኡታ ከምዝሰኣነት`` ነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ካዮለ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣኼቤኛታት ገሊጻ።

ካልኦት ድማ፡ መናእሰያት ደቂ 15-24 ዝኾኑ ኣዝማዶም ከምዝሰኣኑ ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ገሊጾም።

እቶም ``ወረበላታት ዝሃድኑ`` ሰባት፡ እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝጥቅዕዎ ስእልታት፡ ነቶም ጌና ኣብ ናይ ገበን ስርሓት ዘለው ከም መጠንቀቕታ ክኸውን ተባሂሉ ብጥይት ሽክና ርእስታቶም ዝተኸፍተን፡ ናውቲ ከብዶም ናይ ዝውጸ ሰባት ሬሳ ኢዮም ኣብ ፌስቡክ ዝጥቅዕዎ።

ነቲ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ስእልታት መታን ሰባት ሪኦም ከይስንብዱ ተባሂሉ ፊስቡክ ነቲ ስእልታት ጽልግልግ የብሎ ድኣ`ምበር እቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ስእልታት ክሪኡ ዝደልዩ ግና ንኽርኢዎ የፍቅድ።

ነበርቲ ካዮለ ከምዝበልዎ፡ እቲ ዘስካሕክሕ ስእልታት ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ኢዩ ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት ናይ ፌስቡክ ዝጥቃዕ ኢሎም።

ንብዓት ፖሊስ

እቶም ቀንጸልቲ፡ ነቶም ዒላማ ዝገበርዎም ሰባት ክጸናውቱ ይጸንሑ ኢሉ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ንናይ ፌስቡክ ገጻት ዝተኸታተለ ተመራማራይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሞይ፡ ዳንከን ኦማንጋ።

ፈለማ ዝወጸ ዘይዕላዊ ናይ ፖሊስ ፌስቡክ ገጽ፡ 'ሄሲ ካብ ካዮለ' ዝብል ኢዩ።

``ካብ ሽዑ ንድሓር ሄሲ እቲ እንኮን ረቂቕን ሃዳናይ ወረበላታት ኮይኑ።``

እዚ ድማ ብመደብ ፖሊስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ናይ ዝፍጸሙ ገበናት ይከታተል ከምዘሎ ንምርእይ ክኸውን ይኽእል ኢሉ ዳንከን ኦማንጋ።

``እቲ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዘሎ ምስሊ ናይ ሓደ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ብርቱዕ ድልየት ዘለዎ በርጌስ እምበር ናይ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣይኮነን`` ኢሉ ጆሴፍ ቦይኔት፡ ሓላፊ ፖሊስ ነበር።

ናይ ፖሊስ ናይ ወንጀል መርመራ ሓላፊ፡ ጆርጅ ኪኞቲ፡ ነቲ በቶም ስድራቤታት መወቲ ዝቐረበ ምስክርነት ኣብዝሰምዓሉ ኣዋን እናንብዐ ሄሲ ዝብሃል ኣባል ፖሊስ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ኢየ ኢሉ።

``ኣነ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለኹ ድማ ዝኾነ ሰብ መኮንናት ፖሊስ ዝፍጽምዎ ቅትለት ክሽፍን ዝፍትን ኣይክህሉን ኢዩ`` ኢሉ ጆርጅ ኪኞቲ።

እንተኾነ ዘረብኡ ጌና ከይወደአ እንከሎ፡ እቲ ህዝቢ ብዓውታ ``ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ኣለውኻ`` ኢሎሞ።

እቲ ናይ ካዮለ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ብናይ ህዝብን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ (ተሓለቕቲ) ናብ መንግስቲ መረርኦም ድሕሪ ምቕራቦም ኢዩ ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Mwani Sparta

መግለጺ ስእሊ,

ሙዋኒ ስፓርታ ናይ ባዕሉ ስእሊ (የማን) ሓዊሱ ክላሽን ናይ ዝሓዘ ሰብኣይን (ፀጋም) ናይ ካልኦት ኣባላት እቲ ጭፍራ ጉጅለ ስእሊ ኣብ መረባ ፌስቡክ ለጢፉ

`ምስ ኣምላኽ ቆጸራ ምሓዝ`

ኦማንጋ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብገምጋም ኣብ ወርሒ ናይ ሽዱሽተ ወሮበላታት ታሪኽ ሂወት፡ ዝፈጸምዎ ገበናት፡ ዝነጥፍሉ ከባቢታት፡ ዝዓጠቕዎ ዓይነት ብረትን ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት ናይ ፌስቡክ ይጥቃዕ ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ`ቲ ሓደ ወርሒ ድማ ፖሊስ ናይ ዘካየዶም ናይ 10 ክሳብ 12 ሰባት ቅትለት ዘርኢ ኣብ ናይሮቢ ካብ ገበን ነጻ ዝብል ናይ ፌስቡክ ገጽ ይጥቃዕ ኢሉ ኦማንጋ።

እዚ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ገጽ ``ንግብረ ሽበራውያን ምሕረት ምግባር ናይ ኣምላኽ ስራሕ ኢዩ፡ ምስ ኣምላኾም ምርኻብ ግን ናህና ሓላፍነት ኢዩ`` ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ግና ናይ ሓደ መንነቱ ዘይፍለጥ ናይ ፖሊስ ዲቪዛን ቆቢዕን ናይ ዝለበሰ ሰብ ምስሊ ኢዩ ዘለዎ።

እቲ ናይ ፖሊስ ዲቪዛን ቆቢዕን ዝለበሰ ናይ ፌስቡክ ገጽ ነቲ ህዝቢ ንምፍርራሕን ኣባላት ፖሊስ ድማ ስጋብ ክንደይ ጀጋኑ ከምዝኾኑ ንምርእይ ዝዓለመ ኢዩ ኢሉ ኦማንጎ።

`ጉጅለ ጋዛ ተደምሲሱ`

ሙዋኒ ስፓርታ ዝተባህለ ፍሉጥ ወረበላ ዝነበረ፡ ንኹሉ ገዲፉ ኣብ ኣምላኽ ክእምን ምስ ጀመረ፡ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብረት ሒዙ ዝተሳእሎ ስእልን ዝሓለፈ ናይ ሂወት ታሪኹን ኣብ 2017 ኣብ ፌስቡክ ምስጠቀዐ፡ ነቲ ኣብቲ ገጻት ዝነብረ ምስሊ ብምጥቃም ንዕኡን ነቶም ኣባላት ጉጅለ ጋዛ ንምልላይ ኣኽኢልዎም። እዚ ድማ ነቲ ጉጅለ ንምጽናት ሓጊዝዎም።

እቶም ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ገጻት ዒላማ ዝኾኑ እቶም ወንጀለኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ እቶም ነቲ ብዘይ ሕጊ ዝግበር ቅትለታት ዝቃወሙ ኣባላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት`ውን ዘነጻጸረ ስለዝኾነ ኣብ ስግኣት ከምዝነብሩ ይገልጹ።

ኣብዘን ዝተባህላ ናይ ፌስቡክ ገጻት ብዛዕባን`ውን ብዙሕ ተባሂሉ ኢዩ፡ ናይ ቤት ጽሕፈትና ስእልታት`ውን ኣብቲ ገጻት ተጠቂዑ ኢዩ፡ ኢሉ ዊልፍረድ ኦላል።

ስእልታት `ክእገድ`

ሓደ ኡሃይ ዌቱ ዝተባህለ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፌስቡክ ነቲ ዘስካሕክሕ ስእልታት ኣብ ገጻቱ ከይጥቅዕ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ስጋብ ሕጂ ግና ከምዘይተዓወተ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብድሕሪ`ዚ መረረ ምቕራብ፡ ኣፈኛ ፌስቡክ፡ ኣንጻር ዓመጽ ክንቃልስ ሓላፍነትና ኢዩ፡ ነቲ ኩነት ደው ንምባል ድማ ምስ ናይ በርጌስ ማሕበራትን ካልኦትን ብምትሕብባር ንሰርሕ ኣሎና ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣብዚ ጉዳይ ንገብሮ ምክትታል ቀጻሊ ኢዩ፡ ቢቢሲ ድማ ነዚ ጉዳይ ናባና ብምምጽኣ ነመስግን ኢሉ።