ሱዳን፡ ኣልበሽር ናብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ

ዑመር ኣልበሽር Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ'ዩ ካብ ስልጣኑ ተዓልዩ

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ናብ ኮባር ዝተባህለ ዝለዓለ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ።

ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንደሓር፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ተታሒዙ ከም ዝጸንሐ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

እቶም ጸብጻባት ከም ዝብልዎ፡ ኣብዚ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ፡ ንበይኑ ኣብ ሸላ ተኣሲሩ ብጽኑዕ ይሕሎ ኣሎ።

እቲ ንሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሓ ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ'ዩ ብቐጻሊ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ክእለ ተገዲዱ።

ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ ሄንሪ ኦርየም ኦከሎ፡ እቲ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ (ICC) ገበናት ዝወጸ ናይ ቀይዲ ትእዛዝ ብዘየገድስ፡ እቲ ዝተዓልወ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዕቑባ ክወሃቦ እንተ ሓቲቱ ሃገሩ ክትርእዮ ቅርብቲ ከም ዘላ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።

ከም ኣባል ናይቲ ቤት ፍርዲ መጠን፡ ዩጋንዳ፡ ኣልበሽር ኣብ መሬታ እንተድኣ ረጊጹ፡ ሒዛ ከተረክቦ ትገደድ'ያ። እቲ ፍርዲ ዛጊት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መግለፊ ኣይሃበን።

ካብ ዝወርድ ክሳብ ሕጂ፡ ሃለዋት ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ከይተፈልጠ'ዩ ጸኒሑ። መራሒ ናይቲ ወታሃደዊ ዕልዋ ዝነበረ፡ ጀነራል ዓዋድ ቢን ዑፍ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣልበሽር ኣብ ሓደ "ውሑስ ቦታ" ተቐዪዱ ከም ዝነበረ ጠቒሱ ነይሩ። እቲ ጀነራል ንባዕሉ ድሒሩ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ይዝከር።

ሌ/ጀነራል ዓበደል ፋታሕ ዓብደልራሕማን ቡርሃን፡ ንጀነራል ዓዋድ ብምትካእ ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ብምዃን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሳልሳይ መራሒ ሱዳን ኮይኑ።

እቶም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ ሱዳናውያን ግን፡ ስልጣን ብህጹጽ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር እንተ ድኣ ዘይተሰጋጊሩ፡ ተቓውሞታቶም ከም ዝቕጽሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ፊት ወታሃደራዊ ቤት ጽሕፈት፡ ብምእካብ ጠለባቶም ክስማዕ ይጽውዑ ኣለዉ።

ዑመር ኣልበሽር ንሱዳን ዳርጋ ን30 ዓመታት መሪሑዋ።

ንሱ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ምራባዊ እታ ሃገር ዝርከብ ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ገበናት ኲናት ከም ዝኽሰስን፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ኣብትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከም ዝወሰነን ይዝከር።

እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ንገለ ሓለፍቲ ጸጥታ ካብ ስልጣኖም ብምውራድ፡ ንገሊኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሳንሱር ምግባር ከም ዝቋረጽ ድማ ኣፍሊጡ'ሎ። ይኹን 'ምበር፡ "ብረት ምልዓል ግን ተጻዋርነት ከም ዘይብሉ" ኣጠንቂቑ'ሎ።