ፔሩ፡ ፕረዚደንት ነበር ኣላን ጋርሲያ ርእሱ ቀቲሉ

ኣላን ጋርስያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣላን ጋርስያ፡ መጀመርታ ካብ 1985 ክሳብ 1990፡ ንካልኣይ ግዜ ድማ ካብ 2006 ክሳብ 2011 ፕረዚደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ፕረዚደንት ፔሩ ነበር ኣላን ጋርሲያ፡ ፓሊስ ብምጥፍፋእ ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቀይረዲ ክእትውዎ ናብ ገዝኡ ምስ መጽዎ ርእሱ ብጥይት ቀቲሉ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ብኡንብኡ ናብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊማ ዘርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ መጥባሕቲ እኳ እንተ እንተ ተገብረሉ ክድሕን ኣይካኣለን።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ማርቲን ቢስካራ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም ዝሞተ ኣርዲኡ።

ደገፍቱ፡ ኣብ ፊት እቲ ሆስፒታል ተኣኪቦም፡ ከይኣትዉ ብፓሊስ ከም ዝተኸልከሉ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣላን ጋርስያ፡ ካብ ሓደ ናይ ህንጻ ኩባንያ ብላዕ (ጉቦ) ተቐቢልካ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪቡሉ ነይሩ። እንተ ኾነ ግን ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

ፓሊስ ኣብ ገዝኡ ምስ በጽሑ፡ ሓንሳብ ቴለፎን ክድውል ኢሉ ናብ ሓደ ክፍሊ ድሕሪ ምእታው ማዕጾ ከም ዝዓጸዎን፡ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ተዂሲ ከም ዝተሰምዐን፡ ፓሊስ ብሓይሊ ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ኣብ ርእሱ ቆሲሉ ከም ዝጸንሖም፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ካርሎስ ሞራን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ኣላን ጋርስያ፡ መጀመርታ ካብ 1985 ክሳብ 1990፡ ንካልኣይ ግዜ ድማ ካብ 2006 ክሳብ 2011 ፕረዚደንት ላቲን ኣመሪካዊት ሃገረ ፔሩ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

መርመርቲ፡ እቲ ፕረዚድነት ነበር፡ ካብ ሓደ ኦደብረክት ዝተባህለ ኣብ ምህናጽ መስመር ባቡር ርእሰከተማ ሊማ ዝነጥፍ ኩባንያ ብላዕ ተቐቢሉ ኢሎም ይኸሱ።