ሳዳፍ ካህደም፡ ከይትእሰር ብምፍራሕ ናብ ሃገራ ዘይተመለሰት ኢራናዊት ተጓሳጢት

ሳዳፍ ካህደም (የማን) ንፈረንሳዊት ተጓሳጢት ኣን ሸቫን ኣጥቂዓታ 13 ሚያዝያ 2019 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳዳፍ ካህደም (የማን) ንፈረንሳዊት ተጓሳጢት ኣን ሸቫን (ፀጋም) ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣጥቂዓታ

ስም ሃገራ ኣብ መድረኽ ጉስጢት ዓለም ዘመዝገበት ፈላሚት ኢራናዊት ጓልኣንስተይቲ ተጓሳጢት፡ ኣብ ፈረንሳይ ድሕሪ ዝነበራ ግጥም፡ ኣብ ሃገራ ክሲ ይጽበያ ከምዘሎ ብምስምዓ ናብ ሃገራ ክትምለስ ዝነበራ በረራ ሰሪዛቶ።

ኢራናዊት ሳዳፍ ካህደም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ ንፈረንሳዊት ተጓሳጢት ኣን ሸቫን ስዒራታ እያ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ፈረንሳይ-ኢራናዊ ኣሰልጣኒኣ ናብ ቴህራን ክትምለስ ዝነበራ ትልሚ ሰሪዛቶ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ኢራናውያን ደምቢ ኣለባብሳ ብምጥሓስ ኣብ ሜዳ ጉስጢት ቁምጣ ብምኽዳናን ኣብ ሃገራ ክሲ ይጽበያ ከምዘሎ ስለዝሰምዐት ከምዝኾነ ንጋዜጣ ስፖርት ሓቢራ።

ሰብመዚ ኢራን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ዋላእኳ እንተተቖጠቡ፡ ዳይሬክተር ፌደሬሽን ጉስጢት ኢራን ግና ካህደም ናብ ሃገራ ምስተመለሰት ክትእሰር እያ ዝብል ሓቂ ከምዘይኾነ ኣፍሊጡ።

ሖስኒ ሶሪ "ወይዘሪት ካህደም ኣባል ጉጅለ ኣትሌታት ተጓሳጥቲ ኢራን ስለዘይኾነት፡ ኩሉ ምንቅስቓሳ ውልቃዊ እዩ" ክብል ንኢራን ኒውስ ኤጀንሲ ተዛሪቡ።

ካህደም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ሮያን ኣብ ዝነበራ ውድድር ጉስጢት ባንዴራ ኢራን ዝውክል ቆፃል ናይ ላዕሊ ምስ ቀይሕ ቁምጣን ፃዕዳ መዕጥቑን ተኸዲና እያ ተጓሲጣ።

ስም ሃገራ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘጸወዐት ጓል 24 ዓመት ካህደም፡ ናብ ኢራን እንትትምለስ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ክግበረላ ትፅቢት ነይርዋ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳዳፍ ካህደም፡ ቅድሚ ሕዚ ሻምፒዮን ጉስጢት ዓለም ብዝኾነ ፈረንሳይ- ኢራናዊ ማህያር ሞንስፖር እያ ትስልጥን ነይራ

ሳዳፍ ናብ ኢራን ንምምላስ ምስ ኣሰልጣኒኣ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ዲ ጋሌ ምስከደት፡ ኣብ ሃገራ ክሲ ይፅበያ ከምዘሎ ከምዝሰምዐት ንሚኒስትር ስፖርት ፈረንሳይ ሓቢራ።

"ኣብ ፈረንሳይ ብሕጋዊ መንገዲ እየ ዝወዳደር ነይረ፤ ብዓይኒ ዓለም እቲ ዝተኸደንክዎ ክዳን እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ግና ናይ ሃገረይ ሕጊ ጥሒሰ እየ" ክትብል ንጋዜጣ ሊ ኢኩፕ ተዛሪባ።

"ሕጃብ ኣይተኸደንኩን ነይረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብወዲ ኣሰልጣኒ እየ ሰልጢነ። ገለ ሰባት እዚ ብፅቡቕ ኣይረኣይዎን" ኢላ።

ብመሰረት ሕጊ ኢራን፡ ካብ 9 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኣ ጓልኣንስተይቲ፡ ሕጃብ (ስካርፍ) ከይተደኸነት ኣብ እኩብ ህዝቢ እንተድኣ ተራእያ ንክልተ ወርሕን 10 መዓልትን ክትእሰር ወይ ድማ ብገንዘብ ክትቅፃዕ ይድንግግ።

ኣብ ስፖርት ዝነጥፋ ኢራናውያን ደቂኣንስትዮ እንተኾና እውን ካብዚ ሕጊ እዚ ኣየምልጣን፤ ኣብ ግዘ ውድድር ፀጉረን፣ክሳደን፣ ኢደንን እግረንን ክሽፈና ግድን እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ