መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ሰሜን ኮርያ ናይ ሓድሽ ተወንጫፊ ፈተነ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሕቲ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካ ንዓመታት ክወናጀላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2018 ኣብ ሲንጋፖር ንመጀመርታ እዋን፡ መራሒ ኣሜሪካ ምስ መዘንኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኢድ ንኢድ ድሕሪ ምጭብባጦም፡ ዓለም በቲ ክልቲኦም መራሕቲ ሰላም ንምስፋን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ።
ድሕሪኡ`ውን ንኻልእይ ግዜ ኣብ ቬትናም ተራኺቦም፡ እንተኾነ እቲ ኩነታት ከምቲ ዓለም ብተስፋ ዝተጸበየቶ ኣይማዕበለን።
ሕጂ`ውን እቲ ምትፍናንን ምውንጃልን ይርአ። እንተኾነ እዞም ክልተ መራሕቲ ነቲ ኣቐዲሞም ዘርእይዎ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ክቕጽልዎ ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኢዩ።
እቲ መንግስታዊ ናይ ዜና ማዕከን ብዛዕባ`ዚ ሓድሽ ዓይነት ኣጽዋር ሒደት ሓበሬታ ኢዩ ሂቡ። ገለ ተንተንቲ ግና እዚ ሓድሽ ኩነት ናብቲ ንኣሜሪካ ስግኣት ዝኾና፤ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ናይ ምፍታን እዋን ዝወስድ ፍጻመ ኣይኮነን ኢሎም።
ዓሚ ሕዳር፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ጸቕጢ ንምፍጣር ተባሂሉ ሰሜን ኮርያ ተመሳሳሊ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ።
ብዝኾነ ካብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ተራኺቦም ዘካየድዎ ርክብ ንድሓር ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር ብዙሕ ምዕባለ ኣይተራእየን።
ዝሓለፈ ለካቲት፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ናይ ቬትናም ርእሰ ከተማ፡ ሃኖይ ብምርኻብ ብዛዕባ`ቲ ከባቢ ካብ ኒዩክለር ነጻ ምግባር ክመያየጡ ፈቲኖም፡ እንተኾነ እቲ ዝርርብ ብዘይፍረ ተቛጺሩ።
እቲ ዝርርብ ክቕጽል እንተድኣ ኮይኑ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ``ቅኑዕ ኣረኣእያ`` ክህልዎ ኣለዎ ኢሉ ኪም ጆንግ ኡን።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቬና ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ምፍልላየን ይዝከር
ሰሜን ኮርያ እንታይ ኢያ ትሓትት ዘላ?
እቲ ናይቲ ኣጽዋር ፈተነ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዝተረኽበሉ ኢዩ ተኻይዱ ኢሉ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ዜና ማዕከን።
እቲ ናይ ኮርያ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝበሎ፡ እቲ ፈተነ ናብ ዝተፈላለየ ዒላማታት ብምትኳስ ኢዩ ተኻይዱ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቶም ተንተንቲ፡ ኣቲ ሓድሽ ኣጽዋር ካብ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ክትኮስ ተኽእሎታት ከምዘለዎ ገሊጾም።
እዚ ሓድሽ ምዕባለ ``ነቲ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ናይ ምውጋእ ሓይሉ ኣብ ምሕያል ዓቢ ኣስተዋጾ ኣለዎ`` ኢሉ ኪም ጆንግ ኡን።
እቲ ብዛዕባ`ዚ ብረት ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሱን ብምዃኑ፡ እዚ ሓድሽ ኣጽዋር ሚሳይል ዲዩ ወይስ ኣይኮንን ኣብ ዝብል ዝተፈጥረ ክትዕ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወንጫፊ ኣጻዋር ኢዩ ኣብ ዝብል ዝተሰማምዑ ይመስሉ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ኪም ጆን ኡን ሃገሩ ናይ ኒዩክለር ፈተነ ከምዘይትገብርን ሃገራት ዘቋርጽ ናይ ባልስቲክ ሚሳይላት ፈተነ`ውን ከምዘይትገብር ኣተንቢሁ ነይሩ።
ብዝኾነ፡ ናይ ሳትላይት ምስልታት ከምዝነጽሮ፡ እቲ ኣብቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መመስርሒ ቦታ ዝርአ ምንቅስቓሳት፡ ሰሜን ኮርያ ጌና ኣብ ምስራሕ ኒዩክለር ትነጥፍ ከምዘላ የርኢ። እዚ ድማ እታ ሃገር ሓደገኛ ጨረርታ ዝጭንጉዕ ተተኳሲ ትሰርሕ ትህሉ ይብሃል።
እታ ሃገር ከምትብሎ፡ ኣብ ናይ ነዊሕ ተወንጫፊ ሚሳይል ዝስኳዕ ናይ ኒዩክለር ቦምባን ኣሜሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ባሊስቲክ ተወንጫፊ ሚሳይልን ከምዘማዕበለት ትገልጽ።
ሓደ ናይ ሰሜን ኮርያ ተንታኒ፡ ኣንኪት ፓንዳ፡ ከምዝበሎ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ተተኳሲ ፈተነ ነቲ ኣሜሪካ ደቡብ ኮርያን ብሓባር ዘካይድኦ ወተሃደራዊ ልምምድ ግብረ መልሲ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኢሉ።
እቲ ናይ ኒዩክለር ዘተ ኣበይ በጺሑ?
ድሕሪ`ቲ ብዘይፍረ ዝተዛዘመ ናይ ሃኖይ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ብዙሕ ምዕባለታት ኣይተራእየን።
ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ እቲ ኒዩክለር ናይ ምምስራሕ ንጥፈታታ ደው ከተብል እንተድኣ ኮይና፡ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ እገዳ ክልዓል ብምሕታታ`ዩ እቲ ዝርርብ ተቛሪጺ ክትብል ኮላ። ሰሜን ኮርያ ግና ነዚ ትነጽጎ።
ብዝኾነ፡ ኣሜሪካ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ሰሜን ኮርያ፡ ስቲፈን በይጉን፡ ምስ ናይ ሩስያ ሰበስልጣናት ብዛዕባ ናይ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒዩክለር ነጻ ናይ ምግባር ኩነታት ክዝቲ ናብ ሩስያ ኣቕኒዑ ከምዘሎ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ገሊጹ።
እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ኪም ጆን ኡን መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ክራኸቡ ተኽእሎታት ከምዘሎ የተንቢ።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶ እገዳ ክተልዕል ሓቲቱ
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፤ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ድሉው’ኳ እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢራቶ ዘላ ማዕቀብ ዘይተልዕሎ እንተኾይና ግን ኣንፈቱ ክቕይር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።