16 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ - ኣስቴር ዮውሃንስ

ኣስቴር ዮውሃንስ

ምንጪ ስእሊ, ASTER YOHANNES

"ሰብካ ምስ ዝእሰረካ ኣብ ዉሽጢ ስድራ-ቤት ዘምጽኦ ምንዋጽ ቀሊል ኣይኰነን። እሞ ኸኣ ጓልካ፣ እሞ ኸኣ ዝበደለቶ ዘይብላ፣ እወ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ ዘሎዋ ኣደ ... ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ተደርብያ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ኣነ ኣብ ክንድኣ ክድርበ ምሓሸኒ" እናበላ ጓሂአን ይገልጻ።

"ጓለይ ንዓመታት ተጋዲላ ክነሳ ሕጂ ብብጾታ-ነበር ተጠሊማ ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ትሳቐ'ላ። ኣብ ድሃይ እሱር ዘይርከቦ፡ ዓገብ ዘይትብለሉ፡ ናይ ጥርዓን ዶማንዳ ዘይተእትወሉ፡ ፍትሒ ዘይፈልጥን ንዅሉንተናይ ዝደኰነ ስርዓት እንተ ብምረት ብኻልእ ክገልጾ ኣይክእልን ... ነዚ ኣይተጸበናን" ዝበላ ኣብ ከተማ ቦስቶን (ሕ.መ.ኣ.) ዝቕመጣ ኣደ'የን።

"ነቲ ቆርበትን ስጋን ዘልበሰኒ፡ ብህይወትን ጸጋን ዝመጐሰኒ ፈጣሪ፡ ሓሳር ጸጊበ መከራ ርእየ እየ'ሞ ምሓረትካ ኣውርደለይ ካብ ምባል ኣየዕርፍን። ድሓን፡ ኵሉ መማዓልቱ ስለ ዘሎዎ ግን ጓለይ'ውን መዓልታ ክመጽእ'ዩ ... እንተ ሕጂ ኣብ ዘሎኺ ሃሊኺ ርሑስ ዕለተ ልደት ክገብረልኪ እምነየልኪ" ብምባል ናይ ተስፋ ሽምዓ የብርሃ።

ምንጪ ስእሊ, ASTER YOHANNES

መግለጺ ስእሊ,

ማማ መዝገብ መንግስቱ ወልደሚካኤል

ንስድራ-ቤታት ኤርትራ ዘማሰነ ኵነታት

መናእሰይ ኰኑ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘሎዉ ኤርትራውያን ክስደዱ ከም ንቡር ካብ ዚውሰድ ዓሰርተታት-ዓመታት'ኳ ይሕለፍ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ግን ንስደት ከምርሑ ልሙድ ተርእዮ ኣይኰነን። ኣይምተገብአን ኸኣ።

ሓንቲ 77 ዝዕድሚኤን ኣደ ካብ ኤርትራ ካብ ዝስደዳ ድሮ ዓሰርተ ዓመት መሊአን ምርኣይ ብዙሕ ሕቶታት ከለዓዕል ይኽእል'ዩ፣ ዛንትአንን ኵነታተንን ምፍላጡ'ውን ኣገዳሲ ይኸውን።

ማማ መዝገብ መንግስቱ ወልደሚካኤል ይበሃላ፣ ዛንትአን ምስ ዛንታ ሰውራ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ካብቲ ንብዙሓት ስድራ-ቤታት ኤርትራ ዘጓነፎም ትዕድልቲ ዳርጋ ኣይፍለን። ንዛንትአን ግን ፍሉይ ዝገብሮ መዳይ ኣሎ። እወ፡ ዛንታ ጓለን።

ብ60ታትን 70ታትን 80ታትን ስድራ-ቤታት ኤርትራ ምስ ደቆም ዝተፈላለይሉ ዘመን ነበረ። ስድራ-ቤታት ኤርትራ ጨቖቕ ኢሎም ዘዕበይዎም ቆላዑ ገገዲፎሞም ንሜዳ ክኸዱ ምርኣይ ኣይዝረበሉን ነበረ፣ ብዛዕባኣቶም ከኣ ሽሕን-ሚእትን ዛንታታት ክዝንቶ ምተኻእለ። ስድራ-ቤታት ተጋደልቲ ግን ብጭቕ ከይበሎም ኣብ መስመር ደቆም ኣተዉ።

ማማ መዝገብ፡ ብ1979፡ እታ ቦዅሪ ጓለን ኣብ ዕስራ ዓመታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሞሊቛ ንሜዳ ክትጋደል ከይዳ ምስ ሰምዓ ከም ኣደ መጠን ኵምትር ይበላ'ኳ እቲ ሽዑ ዝተሰምዐን ሓያል ስምዒት ከም ሰበን ውሒጠንኦ ሱቕ በላ። ንምዃኑ'ኸ ኣበይከ ክኣትዋ!

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ እቲ ቀንዲ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ - ብረታዊ ቃልሲ ማለት'ዩ - ብተደጋጋሚ እንክዝንቶ እቲ ካልእ ሸነኹ ግን - ታሪኽ ስድራ-ቤታት ተገደልቲ - ይዋሰን'ዩ።

ድሕሪ ዓሰርተ-ክልተ ዓመታት ...

ማማ መዝገብ፡ ምስ በዓል ቤተንን ዝተረፉ ደቀንን፡ ተጸሚመን መዓልታት እናቈጸራ ኣሕለፍኦ፣ "እምበር'ዶ ምስ ኣስቴር ጓለይ ክንራኸብ ኢና?" ንዚብል ሕቶ ግን ንፈጣሪ ገደፍኦ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ደበኽ በለ፣ ህዝቢ ዓለለ፡ ኣብ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ኸኣ ኣተወ። እቲ ናይ ሽዑ ኣዝዩ ዉዕዉዕ ኵነታት ግን ደስታን ፍንጠዛን ጥራይ ሒዙ ኣይመጸን፡ መርድእ ስዉኣት ሓዚሉካ መጸ!

ስድራ-ቤታት ሃለዋት ደቆም ዝፈልጥሉ እዋን በጽሐ ... ኣዴታት ደቀን ይመለሱ ኣይመለሱ ከይፈለጣ ብቐትሪ ኣብ ቀጻሊ ጽንብል ናጽነት ይውዕላ፡ ብምሸት ከኣ ደሃይ ደቀን ንክረኽባ ኣብ ጸሎትን ምህለላን ይዕቘባ ነበራ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሒዶት መዓልታት ድሕሪ ናጽነት፡ ማማ መዝገበ ኣብ ዉሻጠ ቤተን ኰይነን ላዕልን ታሕትን ክብላ ኣስቴር ጓለን ሰለስተ ደቃ ሒዛ ማዕጾ ደፊኣ ኣተወት። ኣብ ዕዋኖ ተለዊጠን "ዋይ ጓለይ!" ክብላ ዳርጋ ዉንአን ሰሓታ። እቲ ናይ ሽዑ ተርእዮ - ዳግም ብዓይነ ስጋ ምርኻብ - ናቱ ዛንታ ዘሎዎ ፍጻሜ'ዩ ነይሩ።

እቲ ሃዋሁው ገዛ ብእፎይታን ቅሳነትን ተዓብሊሉ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ቤተ-ሰብ ተኣኪቦም ምምላስ ኣስቴር ኣብዓሉ፣ እቶም ሰለስተ ደቃ ኸኣ ምስ እንዳ'ዓለቦኣን ኣኮታቶምን ሓትነታቶምን ተፋለጡ። ህይወት ኣብ ንቡር ንክምለስ ቍሩብ ተረፎ፣ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ዝተነብረሉ ዘበን ነበረ።

ኣስቴር ዮውሃንስ

ምንጪ ስእሊ, ASTER YOHANNES

ጸዳል ዮውሃንስ፡ ንእሽቶ ሓብታ ንኣስቴር፡ ብዛዕባ ሓብታ ከተዕልል ከላ ብቐሊሉ ንብዓት'ዩ ዝስዕራ። ናፍቖት ምስ'ቲ ድሒሩ ዝመጸ ኵነታት ሓብታ ተሓዋዊሱ ድማ ግዴኡ ስለ ዝሰርሕ ቅሳነት ከም ዘይትረክብ ገይሩዋ ይርከብ። ንማማ መዝገብ ድማ ኵነታት ኣስቴር ጓለን ብዓጸፋ ስለ ዝትንክፈን ኣብቲ ቤተ-ሰብ ዝሰፈነ ሕሰም መቕረብአን'ዮም ብዝያዳ ዝፈልጡዎ።

ኣስተር ዮውሃንስ ዕባይ ኣስመራ'ያ። ኣቦኣ፡ መምህር ዮውሃንስ መብራህቱ፡ ካብ'ቶም ፍሉጣት ናይ ቀደም መምህራን ገዛ-ከኒሻ'ዮም ነይሮም። ኰይኑ ድማ ኣስቴር ኣብ ማሕበረ-ሰብ ከኒሻ ብጽቡቕ ክንክን'ያ ዓብያ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ታሪኽ ዘሎዎ፡ ፍሉጣት መምህራን - ማለት ከም ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ከም ኣደይ ጸሃይቱ ንኣምን - ዝነበሮ ማዕከን ትምህርቲ ዀይኑ ንብዙሓት ዜጋታት ብ30ታት 40ታት ፊደላዊ እግሪ ዘትከለ ነበረ።

ኣስቴር ንፍዕቲ ተማሃሪት'ያ ነይራ፣ ዓመተ-ዓመት ብልጫ እናተቐበለት'ያ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ትሳገር ዝነበረት። ብተወሳኺ ቦዅሪ-ገዛ ስለ ዝነበረት ድማ ዓቢ ሓላፍነት ተሰኪማ'ያ ዓብያ። ስድራ-ቤታ ካብ ገዛ ከኒሻ ንሰታንታ-ኦቶ፡ ጸኒሖም ንገጅረት ክግዕዙ፡ ኣስቴር ድማ ካብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ፡ ንኣርብዓዕተ ኣስመራ፡ ድሓር ከኣ ኣብ ጥቓ ሰኒታ ዝርከብ ብቀዳማዊ ሃይለ-ስላሴ (ቀ.ሃ.ስ) ዝጽዋዕ ዝነበረ ካልኣይ ደረጃ በጽሐት።

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ልዑል ኣካደምያዊ ነጥቢ ስለ ዝረኸበት ማህደረ-ትምህርቲ ተዋሂቡዋ ንኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ገዓዘት። እዚ ዅሉ ክካየድ ኤርትራ ብደርጊ ትሕመስ ነበረት። ኤርትራውያን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ በቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዒ ተረቢጾም ቀልቦም ናብቲ ቅዝፈትን ነቲ ቅዝፈት ዝምከተ ቃልሲ ከደ።

ኣብ ካልኣይ ዓመታ - ኣብ ክፍሊ ህንደሳ-ኤለክትሪክ እናተማህረት ከላ ማለት'ዩ - እቲ ንሳ ዝነበረቶ ምስጢራዊ ፖለቲካዊ ዋህዮ ስለ ዝተቓልዐ፡ ኵሉ ራሕሪሓ ንኽትጋደል ንሜዳ ኤርትራ ከደት።

እታ ብሕንቃቐ ዝዓበየት ኣስቴር ናብራ ገድሊ ከኣለቶ፣ ምስ ተጋደልቲ ብጾታ ዀይና ድማ እናወደቐትን ተንስአትን ሕልንኣ ከይየዕረበትን ተጋደለት። ብ 1987 ከኣ ኣብ ዉሽጢ ሜዳ እናተጋደለት ምስ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሙን ሓዳር ገበረት፣ ሰለስተ ቘልዑ ድማ ወለደት።

ኵነታት በዓል ቤታ ...

ምንጪ ስእሊ, PETROS SELOMON

መግለጺ ስእሊ,

በዓል ቤት ኣስቴር ተጋዳላያ ጴጥሮስ ሰሎሙን

ንተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሙን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል፣ ንሱ ሓደ ካብ'ቶም ኣውራታት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ስለ ዝነበረ። ብግዜ ብረታዊ ቓልሲ ሓደ ካብ'ቶም ኣዘዝቲ ኲናት ኰይኑ ኣብ ቀንዲ መቐይሮታት ውግኣት ዝተሳተፈን ዝመርሐን ሰውራዊ'ዩ።

ድሕሪ ናጽነት ከም ኣባል ካቢኔ ዀይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ኣገልጊሉ'ዩ - ከም ሓላፊ ምኒስትሪ ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ሃብቲ ባሕሪ። ሕጂ ግን ኣሰሩ ጠፊኡ ይርከብ።

ብድሕሪ ዉግኣ ባድመ (1998-2000) ዉሽጣዊ ኵነታት ሃገር ንክልወጥ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ስልጣን ህዝቢ ክርከቦ ኣብ ዝተኻየደሉ ፈተነታት፡ ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ኰይኑ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ቀረብዎ፣ ፕረሲደንት ግን ነቲ ዓዳሚ ጻውዒት ብማእሰርቲ ተሳሃሎ። እዚ ንመኣዝን ሃገር ዝጠወየ ፍጻሜ ብ 18 መስከረም 2001 ተኸሰተ።

ኣብቲ እዋን'ቲ - ጴጥሮስ ቅድሚ ምእሳሩ ማለት'ዩ - ኣስቴር ካብ ዩ.ኤን.ዲ.ፒ. ማህደር-ትምህርቲ ረኺባ ትምህርታ ንኽትቅጽል ኣብ ፊኒክስ/ኣሪዞና (ሕ.መ.ኣ.) ትርከብ ነበረት። ኵሎም ደቃ፡ እንኮላይ እታ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደት ጓላ፡ ምስ ዓባዮም ገዲፋቶም ስለ ዝኸደት ብርቱዕ ናፍቖት ነይሩዋ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ማእሰርቲ በዓል-ቤታ ምስተወሰኾ ብርቱዕ ሻቕሎት ገበረላ።

ምንጪ ስእሊ, ASTER YOHANNES

እቲ ኵነታት ሃገርን ሓዳራን እናኸፍአ ምስ ከደ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዀይና ንደቃ ከተውጽኦም ፍቓድ ሓተተት፣ ግና'ኸ ኣይሰለጣን።

ኣብ መዓርፎ ኣየር ኣስመራ ....

ጕዳይ ደቃን ሓዳራን ነይነይ ምስ በለ ኣስቴር ንደቃ ከተድሕን ንኣስመራ ክትምለስ ወሰነት። እቲ ኵነታት ንድሕነታ ዘየተኣማምን ምንባሩ ፈተውታን ናይ ቀረባ ሰባን'ኳ እንተ ኣተምብሁላ ደቃ ጥራይ ይርኣይዋ ስለ ዝነበሩ ንማዕዳኦም ክትሰምዕ ኣይመረጸትን ... ንጽቡቕ ዝሓሰበቶ ግን ኣብ ደልሃመት ዘእተዋ ዉሳኔ።

ብዕለት 11 ታሕሳስ 2003፡ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሕ.መ.ኣ. ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኣስመራ ተበገሰት። ደቃን ኣዲኣን ንክቕበሉዋ ዕንባባ ሒዞም ኣብ መዓርፎ ኣየር ይጽበይዋ ነበሩ። እታ ንእሽቶ-ዅሎም ግን ኣብ ገዛ ዀይና ትጽበ ነበረት። ኵሎም ገያሾ ሓደ-ብሓደ ክወጹ ኣስቴር ግን ኣብ ሞንጎኦም ኣይነበረትን። ተጸብዮም-ተጸብዮም ምስ ቀበጹ ንቤቶም ከምርሑ ተገደዱ። ንምሸቱ ግን ናይ ጸጥታ ሰባት ንኣስቴር ካብ መዓርፎ ኣየር ጨውዮም ከም ዝወሰዱዋ ፈለጡ።

እቶም ሽዑ ዕድሚኦም ካብ 6-13 ዝነበሩ ደቃ - ዘርኣይን ሃናን ስምኦንን መኣዛን - ናይ ኣቦኦም ማእሰርቲ ከይኣኽሎም ማእሰርቲ ኣዲኦም ተወሰኾ።

ስደት ...

ድሕሪ ናጽነት-ኤርትራ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ንሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ዳግመ-ህንጸት ሃገሮም ክዋስኡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ነበረ። ግናኸ ኣይተመልሱን፡ ናብራ ስደት ከኣ ቐጸለ። ንሱ ከይኣክል ድማ ኤርትራውያን ብድሕሪ ናጽነት ብዝተዓጻጸፈ ኣሃዛት ክስደዱ ጀመሩ።

ምንጪ ስእሊ, ASTER YOHANNES

ደቂ እሱራት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ጓኖት ኰይኖም ክነብሩ ስለ ዘይደለዩ ካብ'ቲ ንስድርኦም ዝገፍዐ ናብራ ንኸልግሱ ስደት መረጹ። ደቂ ጴጥሮስ ሰሎሙንን ኣስቴር ዮሃንስ'ውን ከምኡ ... ኵሎም በብመንገዶም ወጹ፣ ገሊኦም ብክንደይ ሓሳረ መከራ ንስደት ኣምርሑ። ማማ መዝገብ'ውን ከምኡ። ድልየቶም እንክሰምር፡ ኵሎም ኣብ ቦስቶን (ሕ.መ.ኣ.) ተኣኻኸቡ።

እዞም ደቂ ተጋደልቲ ድሕሪ ክንደይ ከርተት ኣብ ዓዲ ስደት ንሓድሽ ህይወቶም ተተሓሓዝዎ። ኣይሓመቑን ኸኣ፡ ተማሂሮም ንስደት ሰዓሩዎ። ዓባዮም ከኣ ካብ ደቂ-ጓለን ኣይተፈልያን። እንሆ ኸኣ ሕጂ ዕለተ ልደት ኣስቴር - 18 ሚያዝያ - ሓቢሮም የብዕሉ።

መግለጺ ቪድዮ,

''ኣብ ኤርትራ ብፍሉይ ህግሰት ሰብኣዊ መሰል የለን''