ተፈናቐልቲ ጌድዮ ብጉድለት ምግቢ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘለዉ ተገሊጹ

ተፈናቓሊት

ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተፈናቐልቲ ብሄረሰብ ጌዲዮ ብጉድለት ምግቢ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘለዉ፡ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ገሊጹ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ብጉድለት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናትን ጥኑሳትን ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።

"እቶም መዕቆቢ ማእከላት ኣብ ኣዝዩ ዝተጎሳቖለ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። እቶም ተፈናቐልቲ ንለበዳ ሕማም ዝተቓልዑ እዮም። ኩነታት ጥዕነኦም'ውን ኣብ ሕማቕ እዩ ዘሎ" ኢሉ ማርከስ ቦይኒንግ ዝበሃል ሰራሕተኛ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ተፈናቐልቲ ብሄረሰብ ጌዲዮ ዘለውሉ ዘሰክፍ ኩነታት ተዓዚቡ ነይሩ። ይኹን'ምበር እቶም ተፈናቐልቲ ሕዚ'ውን፡ ብሕጽረት ምግቢ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ነዚ ናይ ምግቢ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ይሰርሕ ኣለኹ እውን ኢሉ።

ንተፈናቐልቲ ጌድዮ ዝግባእ ግብረ መልሲ ከም ዘይተዋህበ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ተፈናቐልቲ ኣየቕለብሎምን ዝብል ነቐፌታ ይስማዕ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ከምዝሰርሕ ብተደጋጋሚ ገሊጹ ነይሩ።

ኣይ ኦ ኤም ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ተፈናቐልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ዘይደልዪሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣባይቶም ተቓጺሉን ዓንዩን ምህላው እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ሕዚ'ውን እቲ ኩነታት መሊኡ ናብ ንቡር ስለዘይተመልሰ፡ ናይ ውሕስነት ስግኣት ከምዘለዎም እዩ ዝንገር።