ዓበይቲ ኩባንያታት፡ ንኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት "የጋፍዑ'ዮም" ተባሂሉ

የኢንዱስትሪ ፓርኮች

ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ብኣስራሕቶም ከም ዝብደሉ ተገሊጹ።

ምህርታት ፋሽን ዘፍሪ ፒቪኤች (PVH) ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ዘለው ትካላትን፤ ንኢትዮጵያውን ሰራሕተኛታት የናሽዉ፣ ይውጽዑን ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብዞም ኩባንያታት፡ ብሰዓት ክሳብ 12 ናይ ኣሜሪካ ሳንቲም ጥራሕ ዝኽፈሎም ሰራሕተኛታትን ከምዘለዉ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ኩባኒያ ምርመራ ከም ዝገብር ሮይተርስ ዘዘራረቦም ሓላፊ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ኣፍሊጦም።

ኩባኒያ ፒቪኤች (PVH)፡ ንቶሚ ሂልፊገርን ካልቪን ክሌንን ሓዊሱ ፍሉጣት ኩባኒያታት ዝውንን ትካል እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንፒቪኤች (PVH) እታወት ዝኸውን ፍርያት ንዘፍርዩ ትካላት ዝሰርሑ ዘለው ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ይውጽዑ ኣለው ክብል፤ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ 'ዎርከር ራይትስ ኮንሶርቲየም' (Worker Rights Consortium) ዝተብሃለ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ ኣረጋጊጸ ኢሉ።

ዎርከር ራይትስ ኮንሶርቲየም፡ ብደረጃ ዓለም መሰል ኣብ ፋብሪካታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብምዕዛብ፡ ጥጥሑነት ናይ ስራሕ ቦታ ዝምርምር ዘይሻራዊ ትካል'ዩ።

እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ እቶም ንፒቪኤች (PVH) እታወት ዝኸውን ፍርያት ዘቕርቡ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት፡ ብዘይ ክፍሊት ትርፊ ሰዓት ክሰርሑ ይግደዱን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ማይ ብምስታዮም ጥራሕ ካብ መሃይኦም ከም ዝቑረጾምን ይገልጽ።

ውጽኢት ምርመራ 'ዎርከር ራይትስ ኮንሰርቲየም' ከም ዘመላኽቶ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት እንትቖጽሩ ነፍሰጾር ምዃነንን ዘይምዃነንን ንምርግጋጽ ከብደን ብኢዶም ይድህሱስወን።

ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ተፈጺሙ'ዩ ዝተብሃለ ጥሕሰት መሰል ንምርግጋጽ ቢቢሲ ንክልተ ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክ ኣዘራሪቡ። ሽማ ክጽራሕ ዘይደለየት መንእሰይ ሰራሕተኛ፡ ኣብቲ ፓርክ ንዝርከብ ሓደ ኩባኒያ ዓለባ ከም እትሰርሕ ትገልጽ።

ኣብ 2009 ዓ.ም ስራሕ ከም ዝጀመረት ዝገለጸት እታ ንእስቲ፡ "ነፍሰጾር ጥራሕ ዘይኮነ ኣደታት ኣይደልዩን። ናብ ፈተና እንትመጽኣ ቆልዓ እንከለወን ኣይብልናን ኢለን ዝቑጸራ ኣለዋ" ትብል።

ነፍሰጾርን ኣደ ቖልዑትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ኣድልዎ ከም ዝፍጸመን ትገልጽ። ናይ ቀረባ ሓለፍቲ "ናይቲ ስራሕ ባህሪ ንነፍሰጾርን ንኣዴታትን ኣይጥዕምን" ዝብል ምኽንያት ከም ዘቕርቡ ትዛረብ።

ካልእ ኣብዚ ፓርክ ኢንዳስትሪ ተቖጺሩ ዝሰርሕ መንእሰይ፡ ዝኽፈሎም ክፍሊት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ገዛ ተኻርዮም ወጻኢኦም ክሽፍኑ ስለ ዘየኽእሎም፡ ተጎጂሎም ኣብ ኪራይ ክነብሩ ከም ዘገደዶም ገሊጹ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኡ፡ ብ8ተ ሰዓት ኣፈላላይ ፈረቓ ከም ዘሎን ናይ ምሸት ፈረቓ 10 ብር ጥራሕ ተወሲኹዎም ክሰርሑ ከም ዝግደዱን ይዛረብ።

እዚ ውጽኢት ምርመራ ወግዓዊ ምስ ኮነ፡ ወሃቢ ቃል ኩባኒያ ፒቪኤች (PVH)፡ "ዝኾነ ዓይነት ጥሕሰት ተፈጺሙ ድዩ ዝብል ንምጽራይ ዝርዝር ምርመራ ክነካይድ ኢና። መሰል ሰራሕተኛታት እንተተጣሒሱ ድማ ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ፈጻሚት ስራሕ ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ወይዘሪት ሌሊሴ ነሜ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓቲትናያ፡ ንሳ እትመርሖ ቤት ዕዮ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ፓርክታትን ኢንዳስትሪ ትኹረት ከም ዝገብር ብምግላጽ፡ እዚ ጉዳይ ከም ዘይምልከታ ሓቢራ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣቶ መኮንን ሃይለ ድማ፡ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት በጺሑዎም ዝበሃል ዘሎ በደል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ይብሉ።

ኣቶ መኮንን፡ ምኽፋት እቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ንነበርቲ እቲ ኸባብን መናእሰይን ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠረ ብምግላጽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ከም ዝተቖጸራ ገሊጾም።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ነፍሰጾርን ኣደታትን ይፍጸም'ዩ ዝተብሃለ በደል'ውን እንተኾነ "ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ" ብምባል ይነጽጉዎ።

ሰራሕተኛታት ካብ ወርሃዊ መሃይኦም ብተወሳኺ ኣገልግሎት መግብን መጓዓዝያን ስለ ዝቐርበሎም፡ ዝሓሸ ተጠቀምቲ'ዮም ብምባል፡ ውጽኢት መጽናዕቲ 'ዎርከር ራይትስ ኮንሶርቲየም' ነቲ ሓቂ ዘርእይ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብያተ ዕዮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ደቡብን ፌደራልን ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህቡና ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ኩባኒያታት ወጻኢ፡ ኣብ ኤሽያ ብዝገጠሞም ወሰኽ ዋጋ ሰራሕተኛታት፣ ጥረ ኣቕሓን ግብርን ገጾም ናብ ኣፍሪቃ ኣዚሮም'ዮም።

ኢትዮጵያ ድማ ንኢንቨስትመንት ዝጥዕም ኩነታት ብምቕራብ ትኹረት ገዘፍቲ ኩባኒያታት ንምርካብ ትጽዕር።

ኢትዮጵያ ትሙን ዝተሓተ ክፍሊት ሰራሕተኛታት'ኳ እንተዘይሃለዋ፡ ዝኾነ ዓይነት ጥሕሰት ከይፍጸም ዝከላኸል ኣሰራርሓ ግን ኣለዋ።