ኣመሪካ፡ ጸብጻብ መርመራ ርክብ ትራምፕን ሩስያን ዕላዊ ኾይኑ

ዶናልድ ትራምፕ Image copyright Getty Images

ጸብጻብ ናይቲ ርክብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕን ሩስያን ንምጽራይ ዝተገብረ ዳርጋ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝወሰደ መርመራ ዕላዊ ኮይኑ።

ገለ ከብ ትሕዝቶ ናይቲ ጸብጻብ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ መርመራ ዘካየደ ፍሉይ ኣኽባሪ ሕጊ (ስፐሻል ካውንስል) ሮበርት ሙለር ካብ ስልጣኑ ከውርዶ መደብ ከም ዝነበሮ ይጠቅስ።

ኣማኸርቲ ሕጊ ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ልዕሊ 400 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ "ፍጹም ዓወት" ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

ኣተሓሕዛ እቲ ነቲ ሰነድ ዕላዊ ዝገበረ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ዊልያም ባር ግን ሓያል ነቔፈታ ኣጋጢምዎ'ሎ።

ነቲ ጸብጻብ ዕላዊ ቅድሚ ምግባሩ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመርገጺ ትራምፕ ብምድጋፍ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሩስያ ብምስምማዕ ኣንጻር ኣመሪካ ኣይሰርሐን ኢሉ።

ብሰንኪ'ዚ ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ዘይሻራውነትን ናጽነትን እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዮሞ ኣለዉ።

እቲ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምጽራይ፡ ትራምፕ ምስ ሩስያ ተመሳጢሩ ኣንጻር ኣመሪካ ውዲት ከም ዘይኣለመ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ዓንቂፉ እንተ ኾይኑ ኣብ ዝብል ጉዳይ ግን ኣብ ውሳነ ክበጽሕ ከም ዘይክኣለ ይሕብር።

ኣብ ሰነ 2017 ዶናልድ ትራምፕ፡ ንናይ ሕጊ ኣመኻሪኡ ዶን መጋን ብምጽዋዕ፡ ነቲ ምጽራይ ዝመርሕ ዝነበረ ሮበርት ሙለር ከባርሮ ከም ዝፈጠነ'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ዶን መጋን፡ በቲ ሕቶ ኣብ ወጥሪ ብምእታዉ፡ "ንመምርሒ ፕረዚደንት ክትግብር መደብ ስለዘይነበሮ" ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ክወርድ ሓቲቱ።

ገለ ካብቲ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሮም ዘለዉ ነጥብታት፡

  • እቲ መርመራ ከም ዝግበርን፡ ሮበርት ሙለር ከም ፍሉይ መርማሪ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ሰምዐ፡ እቲ ፕረዚደንት "ኦ ፈጣሪ። እንታይ ሕማቕ ስማዕ። እዚ እሞ መወዳእታ ስልጣነይ'ዩ" ብምባል ዝተሰምዖ ስንባደ ገሊጹ።
  • ሮበርት ሙለር፡ ነቲ ምጽራይ ንምዕንቃፍ 10 በቲ ፕረዚደንት ዝተፈጸሙ ተግባራት መርሚሩ።
  • መርመርቲ፡ ንሕቶታቶም ብጽሑፍ ዝተዋህቦም መልስታት እቲ ፕረዚደንት "ዘይእኹል" ኮይኑ'ኳ እንተረኸብዎ፡ ተወሳኺ ናይ ቃል መልሲ ክረኽቡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምውጣጥ ግን ኣይመረጹን።
  • ትራምፕ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ 2016 ኣብ መንጎ ሩስያውያን ተለኣኣኽቲ ቤት ጽሕፈቱን ዝተገብረ ርክብ ኣደናጋሪ መልሲታት ምሃቡ። ኣቐድም ኣቢሉ ጠበቓኡን ኣፈኛኡን ኣብቲ ርክብ ኢድ ኣይነበሮን ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም'ዮም።

እቲ መርመራ፡ ሓያሎ ኣባላት ምምሕዳር ትራምፕ ዝርከብዎም 32 ሰባት ኣብ ሕጊ ከም ዝቐርቡ ምግባሩ ይፍለጥ።