ቅልውላው ሊቢያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ኣል ሰራጅ፡ ስቕታ መሻርኽቶም ኮኒኖም

ፋየዝ ኣል-ሳራጅ ን ካህሊፋ ሃፍጣርን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊቢያ (ፀጋም) ትሪፖሊ ካብ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር (የማን) ሓራ ከምዘውፅእዋ ተመፃቢዖም

ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ፡ ተቐናቐንቶም ናብ ትሪፖሊ ይግስግሱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዓለምለኸ መሻርኽቶም "ስቕታ" ምምራፆም ኮኒኖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ኣል-ሰራጅ፡ ብኣዛዚ ምብራቓዊ ክፋል ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር ናዕቢ ተላዒልዎም ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ለካቲት ኣብ መንጎ ሓይልታት እቶም ጀነራልን ገዛኢ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ህይወት ልዕሊ 205 ሰባት ቀዚፉ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ህዝቦም ብዓለም ከምዝተኽሓደ ይስመዖ ኣሎ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ንዘለዎ መንግስቲ ካብ ምሕጋዝ ምቑጣቡ ድማ፡ እዚ ጉዳይ "ካልእ መዘዝ" ከስዕብ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ፤ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋዕ እስላማዊ ዕጡቕ ዳዕሽ ዳግም ከንሳእርር ከምዝሕግዞ ገሊፆም።

"ህዝቢ ብስቕታ ማሕበረሰብ ዓለም ሓሪቑ እዩ" ኢሎም ንቢቢሲ።

Image copyright AFP

ኩነታት ሊብያ ኣብ መዋጥር ኣብ ዝኣተወሉ ግዘ፡ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘይምንጣፉ ድማ፡ ጓሂኦም ካብ ምግላፅ ኣይተቖጠቡን፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር።

"ኩሉሰብ ነዚ ህውከት ንሱ ይመርሖ ከምዘሎ ዝፈልጥ ዋላ እኳ እንተኾነ፡ ሩስያ ግን ስም ጀነራል ሃፍጣር ክትጸርሕ ኣይትደልን" ኢሎም።

ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን መራሒ እታ ሃገር ዝነበሩ ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ዙፋኖም ወሪዶም ካብ ዝቕተሉ ንነዘ፡ ሊቢያ ብህውከትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ንነዊሕ እዋን ትሕቆን ኣላ።

ሕዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ዝጀመረ እንትኸውን፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ፡ ኣዛዚ ምብራቓዊ ሓይልታት ጀነራል ካህሊፋ ሃፍጣር ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምምራሾም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ነቲ ተግባር ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

'ታሪኽ ንባዕሉ ደጊሙ'

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰራጅ፡ "ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ክፍፍል"፡ ኣብ 2011 ዝተፈፀመ ታሪኽ ንክድገም ዝገብር እዩ ኢሎም፡ ሊብያ ከምዝተኽሓደት ኣብ ዝገለፅሉ ዘረብኦም።

ምምሕዳር እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዝሓለፈ ሓሙስ እውን ፈረንሳይ ንጀነራል ሃፍጣር ትድግፍ ኣላ ክብሉ ከሲሶም ነይሮም፤ ፈረንሳይ ግን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ እያ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ሃፍጣር ኣብ ሊብያ ዘሎ ሓይሎም ናብ ትሪፖሊ ክግስግስ ኣዚዞም እዮም

ፋየዝ ሰራጅ፡ ጀነራል ሃፍጣር ብሓይልታቱ ኣቢሉ ንዝገብሮ ዘሎ "ኣረመንያዊ ተግባር" ተሓታቲ ከምዝኾንን ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዝወጸሉን ገሊፆም።

ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሊቢያ ዝዓረደ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ዝጀመርዎ ናዕቢ ተጎዛጊዙ ክምለስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

"ብርግፀኝነት ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ነዚ ዘሎ ሃዋህው ተበሊጹ ተመሊሱ ከይመጽእ የስግእ እዩ" ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር።

ተወሳኺ ዛንታ