ባንግላዲሽ፡ ፆታዊ ትንኮያ በፂሑኒ ብምባላ ተቓፂላ ንክትመውት ዝተገበረት ንእስቲ

ኑስራት

ምንጪ ስእሊ, family handout

ኑስራት ጃሃን ራፊ፤ ኣብ ቀፅሪ ቤት ትምህርታ ላምባ (ነዳዲ) ተረብሪብዋ፤ ብሓዊ ተቓፂላ ክትሞት ዝተገበረት ንእስቲ እያ። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ፆታዊ ትንኮያ ኣብ ልዕሊኣ ከምዝፈፀመ ንፖሊስ ኣፍሊጣ ነይራ።

ጓል 19 ዓመት ዝነበረት ንእስቲ ኑስራት ጁሃን፡ ኣብ ባንግላዲሽ ፌኒ ኣብ ትበሃል ንእሽተይ ከተማ፡ ኣብ ሓደ ናይ እስልምና ቤት-ትምህርቲ ትመሃር ነይራ።

18 መጋቢት 2011 ግና፡ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ንኑስራት ናብ ቢሩኡ ፀወዓ። ብድሕሪኡ እቲ ርእሰ-መምህር ስርዓት ብዘይብሉ መንገዲ ክተናኽፋ ከምዝጀመረ ኑስራት ትዛረብ።

ዘይተፀበየቶ ዝገጠማ ኑስራት፡ ካብ ቢሮ እቲ ርእሰ መምህር ሃዲማ ኣምለጠት።

ደቂኣንሰትዮ ባንግላዲሽ ካብ ማሕበረሰብን ስድርአንን ዝበፅሐን ምግላልን ሕፍረትን ብምፍራሕ፡ ኣብ ልዕሊአን ዝፍፀሙ ትንኮያታት ኣይዛረባን።

ኑስራት ግና እቲ መምህር ኣብ ልዕሊኣ ዝፈፀሞ ተግባር ካብ ምዝራብ ሓሊፋ፡ ብሓገዝ ስድርኣ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ወሰደቶ።

ፖሊስ እውን እንተኾነ ቃላ ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ምፅራይ ፡ ንኑስራት ክድህላ ጀሚሩ። ኣብቲ ዕለት ተረኛ ዝነበረ ፖሊስ ድማ፡ ኑስራት ክትዛረብ እንከላ ብቪድዮ ቀሪፅዋ።

ኑስራት ቃላ እናሃበት፡ በቲ ፖሊስ ምቕራፃ ኣየሐጎሳን፤ ኣብቲ ዝተቐረፀ ቪድዮ (ተንቀሳቓሲ ምስሊ) እውን ገፃ ንምሽፋን ትፅዕር ነይራ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮንን፡ ኣብቲ ቪድዮ ፖሊስ፡ ንጥርዓን ኑስራት ፡ "እዚ ዓብይ ጉዳይ ኣይኮነን" ብምባል ንቃላ ሸልል እንትብሎ ይስማዕ። እዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ብሰፊሑ ተባፂሑ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto/Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ልዕሊ ኑስራት ዝተፈፀመ ኣረመኔያዊ ተግባር ንብዙሓት ኣሕሪቑ እዩ

ኑስራት ናብ ፖሊስ ጣብያ ከይዳ ቃላ ምስ ሃበት፤ እቲ ርእሰ መምህር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ እንትኸውን፡ እዚ ግና ንኑስራት ካልእ መዘዝ ዘምፅአላ ኮነ።

ብጉጅለ ዝተወደቡ ደቂተባዕትዮ፡ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ንክፍታሕ ሰልፊ ተቓውሞ ከካይዱ ጀሚሮም።

ነዚ ተቓውሞ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዘካየዱ ደቂተባዕትዮ ድማ፡ ኑስራት ኣብ ትመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ ዝመሃሩ እዮም። ፖለቲከኛታት እቲ ከባቢ እውን እንተኾኑ፡ ናብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ምፅምባር ንድሕሪት ኣይበሉን።

ብዙሓት ንማእሰርቲ እቲ መምህር፡ ንኑስራት ተሓታቲት ስለዝገበርዋ፤ ወለዲ ኑስራት ድሕንነት ጓሎም ከስግኦም ጀመረ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኑስራት ንፖሊስ ቃላ ምስሃበት ድሕሪ 11 መዓልታት፡ መጠቓለሊ ፈተና ንክትፍተን ናብ ቤት ትምህርታ ከደት።

"ድሕንነታ ስለዘስግአኒ፡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሒዘያ ከይደ፤ ናብ ቀፅሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ ንከይኣቱ ግና ተኸልኪለ።" ይብል ሓው ኑስራት ኣይተ መሓሙዱል ሓሰን ኖማን።

"ናብቲ ቀፅሪ ንከይኣቱ እንተዘይኽልክሉኒ ነይሮም፡ ከምዚ ዝበለ ተግባር ኣብ ሓፍተይ ኣይምተፈፀመን ነይሩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ,

ሓው ኑስራት፡ ኣይተ መሓሙዱል ሓሰን ኖማን፡ ኣብ ቀብሪ ሓዘኑ እንትገልፅ

ከም ቃል ኑስራት፡ ሓንቲ መማህርታ፡ ካልእቲ መሓዘአን፡ ትውቃዕ ከምዘላ ብምንጋር፡ ንኑስራት ናብ መወዳእታ ናሕሲ እቲ ቤት-ትምህርቲ ሒዛታ ደየበት።

ኑስራት፡ ኣብቲ ናሕሲ ዝፀንሓ ግና፡ ጓል ኣንስተይቲ ንምምሳል፡ ዓይኒ ጥራሕ ዘርእይ ሕጃብ ዝተኸደኑ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ነይሮም።

ካብኡ ንኑስራት ብምኽባብ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ዝኸፈተቶ ክሲ ንከተልዕል ኣፈራርሕዋ። ኑስራት ግና ከምዘይትውዕሎ ኣቕበፀቶም። ድሕሪ እዚ ኣብ ልዕሊኣ ነዳዲ ብምረርብራብ ብሓዊ ኣቃፀልዋ።

ሓላፊ ምርመራ ፖሊስ ባንድ ኩማር ማጁመደር ከምዝገለፅዎ፡ "እቶም ገበነኛታት ኑስራት ዓርሰ ቅትለት ከምዝፈፀመት ከምስሉ ፈቲኖም ነይሮም" እዚ ውዲቶም ዝፈሸለ ግና፡ ትንፋስ ኑስራት ዘብቀዐት መሲልዎም ካብቲ ከባቢ ምስሃደሙ፡ ኑስራት ትንፋሳ እንከይሓለፈት ቃላ ስለዝሃበት እዩ።

"ካብ ሞንጎ እቶም ተጠርጠርቲ እቲ ሓደ፡ ናይ ኑስራት ርእሲ ጨምዲዱ ምስ መሬት ብምልጋብ ሒዝዎ ስለዝነበረን ኣብ ርእሳ ነዳዲ ስለዘየፍሰሱን፡ ልዕሊ ክሳዳ ኣይተቓፀለን ነይሩ። በዚ ድማ ህይወት ኑስራት ክትፀንሕ ክኢላ" ክብሉ እቶም መርማሪ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኑስራት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትውሰድ እንከላ 80 ሚእታዊት ክፍሊ ሰብነታ ተቓፂሉ ነይሩ። ዝበፅሓ ጉድኣት ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ሆስፒታል ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ኮሌጅ ሕክምና ዳካ ተልኣኸት።

ኣብ ኣምቡላንስ እንከላ ብህይወት ክትፀንሕ ከምዘይትኸእል ዝተረድአት ኑስራት፡ ብናይ ሓዋ ሞባይል (ተንቀሳቓሲ ስልኪ) መልእኽቲ ቀረፀት። ኣብቲ ዝቐረፀቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ " እቲ መምህር ነኻኺኡኒ እዩ፤ ትንፋሰይ ክሳብ ትቋረፅ ነዚ ገበን ክቃለስ እየ" ትብል። ነዚ ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዘብፅሑላ ናይቶም ዝተወሰኑ ስም እውን ዕላዊ ገበረት።

ሓደ ሚያዝያ ድማ ህይወታ ሓለፈት፤ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ፡ ኣብ ዝተወለደትሉ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተረኸቡ።

ፖሊስ ዛጊድ ኣስታት 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም ሸውዓተ ኣብቲ ቅትለት ብቀጥታ ርክብ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ የተሓብብሩ ዝነበሩ ክልተ ደቂተባዕትዮ እውን፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት እዮም። ኑስራት ንፖሊስ ቃላ ክትህብ እንከላ ብቪድዮ ዝቐረፃ ፖሊስ ናብ ካልእ ክፍሊ ተዘዋዊሩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ባንግላዲሽ ሼክህ ሃሲና፡ ንስድራ ኑስራት ረኺበን ዘዘራረባ ክኾና እንከለዋ፡ ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ሰባት ኩሎም ናብ ፍርዲ ከምዘቐርቡ ቃል ኣትየን።

ምንጪ ስእሊ, Shahadat Hossain

መግለጺ ስእሊ,

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኑስራት

ሞት ኑስራት ንኣእላፍ ኣሕረቐ፡ ኣብ ባንግላዲሽ እውን መዘራረቢ ኾነ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ "ጓልኣንስተይቲ ውላድ ንክህልወኒ እምነ። ኣብዛ ሃገር ጓልኣንስተይቲ ምውላድ ማለት ግና፡ ኩሉግዘ ንህይወታ ምስጋእ ማለት እዩ" ክትብል ኣብ መረባ ፌስቡካ ከተበት።

ኣብ መሰል ደቂኣንስትዮ ባንግላዲሽ ኣድሂቦም ዝሰርሑ ጉጅለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ዝሓለፈ 2018 ጥራሕ 940 ደቂኣንሰትዮ ከምዝተዓመፃ፡ ኣብ መዝገብ ከምዝሰፈረ ይገልፁ።

መግለጺ ቪድዮ,

ፆታዊ ጥቕዓት