ኣብ ጣብያ ተሌቬዥን ሩስያ፡ ዜና ዘቕርብ ሮቦት ዕላዊ ኮይኑ

ዜና ዘቕርብ ሮቦት ኣብ ሩስያ 24 ዜና እንተቕርብ

ምንጪ ስእሊ, Rossiya 24

ሃገራዊ ቴለቪዥን ሩስያ፡ ዜና ዘቕርብ ሮቦት ዕላዊ ገይሩ።

እዚ 'ኣሌክስ' ዝተብሃለ መንበባይ ዜና፡ ገና ካብ ምጅማሩ፡ ብተኸታተልቲ እቲ ተሌቪዥን ጣብያ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ብዙሓት ድማ መልክዕ 'ኣሌክስ' ቃሕ ኣይበሎምን፡ ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሕ እዩ ብምባል ድማ ይወቕስዎ ኣለዉ።

እዚ ሮቦት ፐርም ኣብ ትበሃል ከተማ ሩስያ ዝተሰርሐ ክኸውን ከሎ፡ ቅርፂ ገፁ ድማ ንመስራቲ እቲ ጣብያ ቴለቪዥን ኣሌክሲ ዩዘሃኮቨን ንክመስል ተገይሩ እዩ ተሰሪሑ።

ሮቦት 'ኣሌክስ' ንምስራሕ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ እንትኸውን፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ገፁን ክሳዱን ጥራሕ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ምንጪ ስእሊ, Prombot

መግለጺ ስእሊ,

ኣሌክሲ ዩዘሃኮቨ (ፀጋም)ን ኣሌክስ እቲ ሮቦት (የማን)

ደጋዊን ውሽጣውን ኣካል (ሶፍትዌር) ኣሌክስ፡ ኣብ ሩስያ ከምዝተሰርሐ እቲ ጣብያ ቴለቪዥን ኣፍሊጡ።

ንብዙሓት ዘዛርብ ዘሎን ዝበዝሕ ሰዓታት ዜና ዓብሊልዎ ዝርከብ ሮቦት ኣሌክስ፡ ብዙሓት ነቐፌታታት ካብ ምትእንጋድ ዓዲ ኣይወዓለን።

ተኸታተልቲ እቲ ቴለቪዥን ድማ፡ "ኣሌክስ ንኹሉ ዜናታት ብተመሳሳሊ ቅልጣፈን ስምዒትን እዩ ዘንብብ" ብምባል ካብ ሰባት ዝፍለየሉ መንገዲ የውግዕሉ ኣለዉ።

እዚ ሮሲያ 24 ዝተብሃለ ጣብያ ቴለቪዥን፡ "ንፈለማ እዋን፡ ሮቦት ኣብ ቴለቪዥን ዜና ኣቕራቢ ኮይኑ" ብምባል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊፁ።

ይኹን'ምበር እቲ ጣብያ ቴለቪዥን እውን እንተኾነ "ሮቦታት ንጋዜጠኛታት ክትክኡ ዶ ይኽእሉ?" ክብል ሓቲቱ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ,

ምህዞ ሮበት፡ ንደቂ ሰባት ሻቕሎት ዶስ ትዕድልቲ?