ሰልፊ ዴሞክራት ኣንጻር ፕረዚደንት ትራምፕ ጸቕጥታቶም ኣዛይዶም

ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታው ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ዝመርመረ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሮበርት ሙለር፡ ናይቲ ዘካየዶ መርመራ ዘይተጻፈፈ ጸብጻብ ብምፍናው፡ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ብምቅዋም፡ ምሉእን ዝተጻፈፈን ጸብጻብ ናብ ባይቶ ከቕርብ ይጠልቡ ኣለው።
በንጻሩ ደገፍቲ ትራምፕ፡ እቲ ዝተፈነወ ጸብጻብ ዳግማይ ንትራምፕ ካብቲ ኣንጻሩ ዝቐረበ ውንጀላ ነጻ ገይርዎ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ሓሰውትን ናይ ሓሶት መርመራ ዝገበሩን ክምርመሩ ኣለዎም ይብሉ ኣለው።
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ድሕሪ`ቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታው ኣብቲ ናይ 2016 ምርጫ ዝምልከት ጸብጻብ ምዝርግሑ፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጸቕጥታቶም የዛይዱ ኣለው።
እቲ ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወ፡ ሮበርት ሙለር፡ ብዛዕባ`ቲ ዘካየዶ ስርሓት ኣብ ቅድሚ ባይቶ ብምቕራብ ምስክርነቱ ክህብ ኢዮም ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዝጠልቡ ዘለው።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈነወ ጸብጻብ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንሮበርት ሙለር ካብ ሓልፍነቱ ንምስጓግ ከምፈተነ`ውን የቃልዕ።
ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ሕጊ ጉጅለ፡ ነቲ ትማሊ ዝተፈነወ ዘይተጻፈፈ ጸብጻብ ''ምሉእ ዓወት'' ክብሉ ገሊጾሞ።
እቲ 448 ገጻት ዘለዎ ዘይተጻፈፈ ጸብጻብ፡ ውጽኢት ናይ ሮበርት ሙለር ን22 ኣዋርሕ ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታውን ናይ ጉጅለ ትራምፕ ምምሽጣር ምስ ሩስያን ኣብ ናይ 2016 ምርጫ ክምርምር ዝተመዘዘ ዘካየዶ መርመራ ኢዩ።
እቲ ጸብጻብ እንታይ የጠቓልል?
ሮበርት ሙለር ኣብ ጸብጻቡ፡ ናይ ትራምፕ ናይ ምርጫ ናይ ጎስጓስ ጉጅለ ምስ ሩስያ ብምዃን ዝኾነ ምስ ወንጀል ዝተሓሓዝ ውዲት ከምዘካየዱ ዘምልክት ዝኾነ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ትራምፕ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ንምዕንቃፍ ፈተነታት ኣካይዱ ኣብ ዝብል ጉዳይ ግና፡ ጭቡጥ ሕጋዊ መደምደምታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ ገሊጹ።
``ድሕሪ`ቲ ዘካየድናዮ ደቂቕ መርመራ፡ ፕሬሲደንት ትራምፕ ሕጊ ንምዕንቃፍ ፈቲኑ እንተዝነብር፡ ርግጸኛታት ብምዃን ምሓበርና ኔርና። እንተኾነ፡ ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ጭብጥታትን ተፈጻምነት ዘለዎ ሕጋዊ መዐቀኒታትን ግና፡ እቲ ፍርዲ ክንህብ ኣይከኣልናን`` ኢሉ ሮበርት ሙለር።
``ስለዚ እዚ ሕጂ ብወግዒ ዝተፈነወ ጸብጻብ፡ እቲ ፕሬዚደንት ነቲ ገበን ከምዝፈጸመ ኣይድምድምን፡ ካብቲ ገበን`ውን ነጻ ኢዩ ኣይብልን`` ኢሉ ሮበርት ሙለር።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ጸብጻብ ካልእ ነገራት`ውን የቃልዕ፡
- ፕሬዚደንት ትራምፕ ንሓደ ጠበቓ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ንሮበርት ሙለር ካብ ሓላፍነቱ ከልግሶ መምርሒ ሂብዎ ከብቅዕ፡ እቲ ጠበቓ ግና ነቲ ዝተዋህቦ መምርሒ ብምንጻግ ካብ ሓላፍነቱ ባዕሉ ወሪዱ።
- ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሓርቖት፡ እዚ መርመራ ``ኣዝዩ ሕማቕ`ዩ፡ ናይ ስልጣን ዘበነይ ከብቅዕ`ዩ` ኢሉ።
- ሮበርት ሙለር፡ እቲ ፕሬዚደንት ፍትሒ ንምዕንቃፍ ኣካይዱወን ዝብሃላ 10 ፍጻሜታት ከምዝመርምረን፡ እተን ፍጻሜታት ድማ ``ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተፈጸማ`` ኢየን ኢሉ።
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት`ከ እንታይ ይብሉ?
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት፡ ናንሲ ፔሎስን ቻክ ሹመርን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ ``ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ሓሶት፡ ዘይንቡር ባህርያትን ዝኣልሞ ዝነበረ ሓሶትን ምጥባርን ዘርኢ ዝርብሽ ባህርያት`` ደምሲሱ ኢዩ ኣቕሪብዎ ኢሎም።
ሰልፊ ዴሞክራት፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዘይተጸየቐ ሰነድ ብምርካብ ንሮበርት ሙለር ኣብ ቅድሚ ባይቶ ብምቕራብ ቃሉ ክህብ ይጽዕት ኣሎ።
ብብዙሓት፡ እቲ ሕጂ ዝተፈነወ ጸብጻብ ነቲ ፕሬዚደንት ብገበን ብምኽሳስ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ክሕግዝ ዝኽእል መሳርሒ ኢዩ ተራእዩ ነይሩ። እንተኾነ ስቴይን ሆየር፡ ኣብ ባይቶ መራሒ`ቲ ዝበዝሐ መናብር ዘለዎ ሰልፊ፡ እዚ ኣብዚ ኣዋን ክትግበር ዘይኽእል ጉዳይ ኢዩ ኢሉ።
``ብሓቂ ንምዝራብ፡ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ምርጫ ክካየድ ኢዩ፡ ሽዑ ህዝቢ ኣሜሪካ ክውስኑ ይኽእሉ`` ክብል ስቴይን ሆየር ንሲኤኔኤን (CNN) ሓቢሩ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ`ከ ብኸመይ መሊሱ?
ፕሬዚደንት ትራምፕ ንገዳይም ወተሃደራት ኣብ ዘዛርበሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ፡ ``ሕጉስ ከምዝኾነን [በቲ ጸብጻብ]፡ ዝኾነ ምምስጣርን ፍትሒ ንምዕንቃፍን ኣይተፈተነን`` ኢሉ።
ወከልቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ፡ እቲ ዝተገብረ መርመራ ናይ ሓሶት መርመራ ኢዩ ድሕሪ ምባል ኣንጻር ሕነ ምፍዳይ መርመራ ክካየድ ጠሊቦም።
``ፕሬዚደንት ትራምፕ ካብቲ ኣንጻሩ ዝተጠቀነ ክስታት ነጻ ተባሂሉ ኢዩ`` ኢሉ ናይ ትራምፕ ናይ 2020 ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ናይ ጎስጓስ ሓላፊ፡ ብራድ ፓስካል፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
``ሕጂ እቲ ኩነታት ተቐይሩ ኢዩ፡ ኣንጻር`ቶም ሓሰውትን እቲ ናይ ሓሶት መርመራን ዳግማይ መርመራ ክግበር ኣለዎ`` ኢሉ ብራድ።
ኣባይ ጸሃየ

ቪድዮ, ድምጻዊ ባህታ ገብረሂወት ተጋዲሉ ምንባሩ እንፈልጥ ክንደየኖትና ኢና?
ድምጻዊ ባህታ ገብረሂወት ኣብ 1969 ናብ ሜዳ ወሪዱ ኣብ ገድሊ ኣብ ዝጸንሐለን እዋናት ምስ ክፍሊ ባህሊ ህወሓት ኮይኑ ሰሪሑ።