ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ላይበርያ ኣትማን ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ብኣትማን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝሶገ ፕረዚደንት ዊሃ
ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊሃ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትማን ብምርካቦም፡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክሰርሕ ተገዲዱ።
ክልተ ጸለምቲ ኣትማን ኣብቲ ህንጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብ ወግዓዊ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝተረኽቡ፡ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት፡ ስሚዝ ቶቢ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኩሎም ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ጽሕፈት ክሳብ 22 ሚያዝያ ናብ ስርሖም ከይኣትዉ ተነጊርዎም ኣሎ።
"እቶም ዘፍርሑ ለመምታ ካብቲ ህንጻ ክሳብ ዝእለዩ" ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ኣፈኛ ቶቢ ተዛሪቡ።
"ቤት ጽሕፈት ናይቲ ፕረዚደንት ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ዩ ዘሎ፡ ስለዝኾነ፡ ክሳብ ዝእለዩ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ" ኢሉ።
ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 2006 ብሓዊ ምስ ነደደ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ህንጻ ናይቲ ሚኒስትሪ ግዒዙ።
"እቶም ኣትማን ኣይተቐትሉን...ብገለ ነዃል ተመሊሶም" ክብል እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሰኑይ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክምለስ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ከባቢ መንበሪ ግዝኡ ጽዑቕ ሓለዋ ከም ዝተራእየ ጸብጻባት ካብ ርእሰከተማ ሞንሮቪያ ሓቢሮም።