ናጽነት ተስፋሚካኤል፡ "ድሌት እዩ ሕልምና"

ተዋሳእቲ ጽላሎት ልቢ

ምንጪ ስእሊ, Tslalot Libi/Youtube

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንህሉው ኩነታት ናብረኦምን ጉዕዞ ስደቶምን ዘንጸባርቕ ብዩ-ቲዩብ ዝዝርጋሕ ተኸታታሊ ቪድዮ ፊልም ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለው።

ገዲም ስነ-ጥበባዊትን ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ-ኤረን ነበር ናጽነት ተስፋሚካኤል እውን ሓንቲ ካብኣቶም እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ከኣ "ጽላሎት ልቢ!" ዘርእስታ ንመነባብሮ እቲ እትነብረሉ ሃገረ ሆላንድን ከባቢኡን፡ ከምኡ እውን ንጉዕዞ ስደት ሰሃራን ባሕርን ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዘለዋ፡ "ብዜሮ-ባጀት" ኣብ ድሌት እትምርኮሰት ፊልም ክትዝርግሕ ጀሚራ ኣላ።

ብምሒር ትሕትና "ድሌት ዝደፍኣ ፈታኒት እምበር ኣፈይ መሊአ ስነ-ጥበባዊት'የ ክብል ኣይደፍርን እየ" እትብል ናጽነት ተስፋሚካኤል፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኣን ስነ-ጥበባዊ ተሞኩሮኣን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ አዕሊላ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Natsnet

መግለጺ ስእሊ,

ናጽነት ከም ገጸ ባህሪ እናሰርሐት

ናጽነት፡ ኣብ ሆላንድ ምስ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት መሳርሕታ፡ ነንሓድሕዱ እናተኣሳሰረ ብዝቕጽል ኣብ ሓቀኛ ዛንታ እተሞርኮሰት፡ ኣርባዕተ ምዕራፍ ዘለዋ ዛንታ ክትፍኑ ጀሚራ ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ሬድዮ እናሰርሐት ሓደ ሰብ መጺኡ፡ "ኣብ ኤርትራስ ከምዝን ከምዝን ኣጋጢሙ ኣሎ እሞ ተኸታተልዮ እንዶ" ካብ ዝበላ፡ ግን ሽዑ ዘይተዓወተትሉ ዛንታ እያ ተበጊሳ።

እቲ ዝተነግረቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ስደትን ዘጋጥም ዛንታ፡ ኣብ ውሽጣ ስለዝጸንሐ ሕጂ ምስ ስነጥበባውያን ብጾታ ተኸታተሊ ፊልም ክትሰርሕ ምስተበገሰት፡ ልበ-ወለዳዊ መልክዕ ኣልቢሳ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ጉዕዞን መንብሮን ስደት ኣተኣሳሲራ ነቲ ዛንታ ጽሒፋቶ።

እቶም ድሕሪ ክንደይ ኮለልን መከራን ንኤውሮጳ ዝኣተዉ፡ ግን ከኣ ኣብ ስደት ስለ ዝዓለቡ ጥራሕ፡ ሽግሮም ዘይውዳእ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ዝኣተዉዎ ሃገር ብኸመይ ይነብሩ ኣለው? ሕልሞም ማዕረ ክንደይ ተጋሂዱ? እንታይ ዓይነት ብደሆታት ተጓኒፉዎምን ብኸመይከ ገጢሞምዎ ዝብል ዛዕባታት እውን ኣካል ተኸታታሊት ድርሰታ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Natsnet Tesfamichael

መግለጺ ስእሊ,

ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊትን ተዋሳኢትን ናጽነት ተስፋሚካኤል

ናጽነት፡ "እቲ ንኤውሮጳ ዝኣተወ መንእሰይ፡ ካብኡ ናብኡ፡ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት ይነብር ኣሎ ክትብል ትኽእል ትኸውን - ግን ውሽጡ ከምኡ ድዩ? እቲ ዘሰላስሎን ዝነብረሉ ዘሎን ህይወት እንታይ'ዩ? ምንባር ክትብል እንከለኻ እቲ ኣብዚ ትረኽቦ ምብላዕ ምስታይ ምኽዳን ጥራይ ኣይኮነን። ምንባር ማለት ውሽጥኻ ምምጋብ ማለት'ዩ" ብምባል ነቲ መንእሰይ ወለዶ ዝሓልፎ ዘሎ ነገር ክትስንድ ድላይ ከምዘሕደረት እያ ትገልጽ።

እቲ ባዕላ ዝተመኮሮቶን ብመጽናዕቲ ካብ ሰባት ዝኣኻኸበቶን ብዓይና ዝረኣየቶን ነገር ከኣ እያ ስነ-ጥበባዊ ፈጠራ ወሲኻ ስጋን ህይወትን ኣልቢሳ ኣብ ዛንትኣ ኣካቲታቶ ዘላ።

ግን ካብ ሕብረተሰብካን ከባቢኻን ርሒቕካ፡ ብዙሕ ነገራት ኣብ ዝጠልበካ ህይወት ስደት እናነበርካ፡ ብናይ ሓባር ክእለትን ጻዕርን ዝዕየ ንኹሉ ዘዕግብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ከተቕርብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ናጽነት ሕሉፍ ተመኩሮ ኣለዋ።

ን14 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ሃገረ ሆላንድ ዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ሓሳባት ይመጽኣን ፈታቲናን እኳ እንተነበረት፡ ንሳን ኩሎም እቶም ምስኣ ክሰርሑ ዝተሰማምዑ ካብ ዝተፈላለየ ካባቢታት እታ ሃገር ዝመጽኡ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ባጀትን ዕንቅፋት ኩነታት መነባብሮን ኣይሰለጣን።

ሕጂ ድሕሪ 10 ዓመት ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ኣብ ዴንሃኽ 'ኣየ ጉድ' እትብል ድራማ ይሰርሑ'ሞ ስነ ጥበባዊ ፍቕሪ ከም ዘለዋ ዝፈልጡ ሰባት፡ ምሰኦም ዘይትሰርሒ ዝብል ሓሳብ መሰቕረቡላ ሕጉስቲ ኮይና ሓቲታቶም ተቐቢሎማ ከኣ። ሽዑ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል ዛዕባ ተዘራሪቦም፡ ሓቢሮም ክሰርሑ ድላይ ዘለዎም ስነጥባባውያን ብምልክታ ዓዲሞም ከኣ ጀማሚሮም።

ሕጂ ኣብታ ፊልም፡ 45 ሰባት በብሞያኦም ይሳተፉ ኣለው።

"ውሽጣዊ ድርኺትና፡ 'ንግበር!" ዝብል ሕልሚ'ዩ" እትብል ናጽነት፡ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ሞራላዊ፡ ንዋታዊ ደገፍ ከምዘይብሎም ትሕብር። ይኹን እምበር ድልየት እንተሎ፡ እቲ ከቢድ እውን ክስገር ከምዝኽእል እትኣምን ናጽነት፡ ነብሲ ወከፍ ኣብ "ጽላሎት ልቢ!" ዝዓዩ ስነ-ጥበባዊ ወጻኢታቱ እናሸፈነ ከምዝዋሳእ ትሕብር።

ግን ከኣ ንሓንሳብ ብሰንኪ ዘጋጥማ ክብደት ብደሆታት "ስለምንታይ እየ ጀሚረ" እትብለሉ እዋናት ከምዘሎ እውን ኣይሓብአትን።

እቲ ዛጊት ቀሪቡ ዘሎ ክፋላት ተዓዘብቲ ከለልዩዎ ዝኽእሉ ከም ድምጽን ካልእን ዝኣመሰለ ሕጽረታት እኳ እንተለዎ፡ ናጽነት፡ "እታ ፊልም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ባጀትን ንዋታዊ ደገፍን ትዕየ ብምህላዋ ተኸታተልትና ጸገማትና ክርድኡልና ንምሕጸን" ክትብል በዚ ኣጋጣሚ እዚ መልእኽቲ ከተሕልፍ ሓቲታ ኣላ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝኾነ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ፍርያት ስነ-ጥበብ፡ ነባርን ንሓዋሩን ስለዝኾነ፡ "ሕጽረታትና መሊእኩም ተረድኡልና!" ብምባል፡ ንዓኻ እውን ምስ ዝርደኣካ ጉደለታቱ ናብ ህዝቢ ከተቕርቦ ጽቡቕ ድዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ እዩ።

እቲ መዋጥር እምበኣር ኣብዚ እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ስነ-ጥበብ ዘጋጥም ሕጽረት እቲ ኣብታ ስራሕ ዝዋሳእ ዘሎ ሰብ እዩ ዝፈልጦ። እቲ ኻልእ ግን ኣብ መስኮት ተለቪዥን ንዝቐርበሉ ውዱእ ስራሕ ጥራሕ እዩ ዝርእን ዝፈርድን።

ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት፡ ፍርያቶም ብዝደልዩዎ ብቕዓትን ጽሬትን ናብ ህዘቢ ከቕርቡዎ ዝዕንቅፎም ቀንዲ ነገር ንዋታዊ ትሕዝቶ እዩ።

ከም "ጽላሎት ልቢ!" ዝኣመሰላ ብድሌት ጥራሕ ዝዕየያ ምንም ባጀት ዘይብለን ስርሓት ከኣ ሕጽረታት ከጋጥመን ባህሪያዊ እዩ።

ስለ ዝኾነ ተዓዘብትን ተኸታተልትን ነቲ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንስነጥበባውያኖም ከተባብዑን ክድግፉን ጻውዒት ዘየድልዮ ነገር እዩ ይብሉ ነቲ ስራሕ ካብ ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ።

ኣብ መወዳእታ ናጽነት፡ "ኣብ ስደት ኮይንካ ብቋንቋዃ ንባህልኻ መንነትካን ዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ከተቕርብ ቀሊል ኣይኮነን ግን ብዓቕምና ንፈታትን ኣሎና እሞ ደግፉና" ብምባል ካብ መበቆልካ፡ ካብ ምንጭኻን ባሕርኻን ወጺእካ፡ ሓባራዊ ዕዮ ዝሓትት ፍርያት ስነ-ጥበብ ከተቕርብ ከቢድ ምዃኑ ብምምልካት " ደገፍኩም ኣይፈለየና!" ትብል።