ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ ተሓቲሙ

እቲ ሓባሪ: ትግራይ ዝሓቖፈቶ ሃብቲ ብቐሊል መንገዲ የላልይን ይመርሕን።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ዘይተሰርሐ: ንደቂ ዓድን ኣጋይሽን ከም መምርሒ ኮይኑ ዘገልግል ሓባሪ (ካርታ) ፅባሕ ኣብ ከተማ መቐለ ክምረቕ እዩ::
ኣሰናዳኢ እቲ ስራሕ: ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ ሎምዓልቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ ሓባሪ ብዙሕ ቁዉም ነገር ግን ድማ ኣብ ውሱን ቦታ ኣርኒቡ ዝሓዘ ምዃኑ ገሊፁ::
"ትግራይ ዝሓቖፈቶም ፀጋታት ቱሪዝምን ሃብትታት ተፈጥሮን ብስእሊ:ብምልክትን ብፅሑፋዊ መረዳእታን ንኹሉ ሰብ ምቕልል ኢሉ ብዝርደኦ መንገዲ ተሰናዲኡ'ሎ" ይብል ኣይተ ዓምዶም::
ብተመሳሳሊ በዓላት:ቁፅርታትን ፊደላትን እውን ኣብቲ ሓባሪ ተኻቲቶም ኣለዉ: ብትግርኛን እንግሊዝኛን ድማ እዩ ተሰናዲኡ::ኣይተ ዓንዶም "ካርታ ከ ምህላው ነይሩ እዩ ኮይኑ ግን ብስእሊ ተደጊፉ ዝተሰርሐ የለን" ብምባል ፈላምነት እቲ ስራሕ የረድእ::
ምንጪ ስእሊ, Amdom facebook
እቲ ተሓቲሙ ዘሎ መምርሒ ቱሪዝም: ኣብ ትግራይ ብዝርከቡ መደብር መፃሕፍቲ:ሆቴላት: ኣብያተ መሸጢ ናውቲ ገፀ በረከት: ማእኸላት መሽጢ ካርኒ ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ንመሸጣ ክዝርጋሕ እዩ::
"ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ እውን ገምጊሙ ንስርዓተ ትምህርቲ ይጠቕመና እዩ ኢሉ መረጋገፂ ስለ ዝሃበሉ ብንካይ ዋጋ ናብ ተምሃሮ ክቐርብ እዩ" ይብል ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ።
እቲ ተሓቲሙ ዘሎ ሓባሪ መምርሒ ቱሪዝም: ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ መንገዲ እዮም ክረኽብዎ ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዓምዶም መልሲ ኣለዎ::
"ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ንዘራረበሉ ኣለና። ንኣብነት ዛጊድ ምስ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ: ኣውሮጳን ጅርመንን ተራኺብና ተዘራሪብናሉ ኢና:: ብናይ ባዕሎም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ እዮም" ብምባል ናብ ኩሉ ከባቢ ንምብፃሕ ይስራሕ ምህላዎም ተዛሪቡ::
ኣይተ ዓምዶም "ብዋናነት ግን ብገንዘብን ፍልጠትን ዝሕግዝ ሰብ እንተረኺብና: ኩሉ ኣብ ናይ ኢዱ ስልኪ ንኽረኽቦ ብዘኽእል ንክሰናዳእ ተሊምና ሰሪሕናዮ ኣለና: ናብ ኣገልግሎት ህዝቢ ንኽነቕርቦ ግን ተወሳኺ ዓቕምን ሓገዝን የድልየና'ሎ" እውን ኢሉ።
እቲ ሓባሪ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ፅባሕ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ዘማርያስ ተመሪቑ ንመሸጣ ክቐርብ እዩ::
ኣብቲ ፅምብል ምረቓ: ሰብ ሃብቲ: ክኢላታት ቱሪዝም: መራሕቲ መንገዲ: ሰበ ስልጣን መንግስትን ካልኦት ግዱሳት ሰባትን ንኽርከቡ ተዓዲሞም እዮም::
ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ

ትግራይ፡ ፍሉይነት ጻዕዳ መዓር ትግራይ እንታይ'ዩ?
ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ፡ መዓር ዝብርበረሉ እዋን'ዩ። መዓር ትግራይ፡ ዋላኳ ዓይነቱ ብዙሕ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ግን በቲ ሻሽ ዝመስል “ጻዕዳ መዓር” እዩ ዝልለ። ኣብ ዕዳጋ ድማ ተመራጺ ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ስለምንታይ?