ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ ተሓቲሙ

ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ

እቲ ሓባሪ: ትግራይ ዝሓቖፈቶ ሃብቲ ብቐሊል መንገዲ የላልይን ይመርሕን።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ዘይተሰርሐ: ንደቂ ዓድን ኣጋይሽን ከም መምርሒ ኮይኑ ዘገልግል ሓባሪ (ካርታ) ፅባሕ ኣብ ከተማ መቐለ ክምረቕ እዩ::

ኣሰናዳኢ እቲ ስራሕ: ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ ሎምዓልቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ ሓባሪ ብዙሕ ቁዉም ነገር ግን ድማ ኣብ ውሱን ቦታ ኣርኒቡ ዝሓዘ ምዃኑ ገሊፁ::

"ትግራይ ዝሓቖፈቶም ፀጋታት ቱሪዝምን ሃብትታት ተፈጥሮን ብስእሊ:ብምልክትን ብፅሑፋዊ መረዳእታን ንኹሉ ሰብ ምቕልል ኢሉ ብዝርደኦ መንገዲ ተሰናዲኡ'ሎ" ይብል ኣይተ ዓምዶም::

ብተመሳሳሊ በዓላት:ቁፅርታትን ፊደላትን እውን ኣብቲ ሓባሪ ተኻቲቶም ኣለዉ: ብትግርኛን እንግሊዝኛን ድማ እዩ ተሰናዲኡ::ኣይተ ዓንዶም "ካርታ ከ ምህላው ነይሩ እዩ ኮይኑ ግን ብስእሊ ተደጊፉ ዝተሰርሐ የለን" ብምባል ፈላምነት እቲ ስራሕ የረድእ::

ምንጪ ስእሊ, Amdom facebook

እቲ ተሓቲሙ ዘሎ መምርሒ ቱሪዝም: ኣብ ትግራይ ብዝርከቡ መደብር መፃሕፍቲ:ሆቴላት: ኣብያተ መሸጢ ናውቲ ገፀ በረከት: ማእኸላት መሽጢ ካርኒ ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ንመሸጣ ክዝርጋሕ እዩ::

"ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ እውን ገምጊሙ ንስርዓተ ትምህርቲ ይጠቕመና እዩ ኢሉ መረጋገፂ ስለ ዝሃበሉ ብንካይ ዋጋ ናብ ተምሃሮ ክቐርብ እዩ" ይብል ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ።

እቲ ተሓቲሙ ዘሎ ሓባሪ መምርሒ ቱሪዝም: ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ መንገዲ እዮም ክረኽብዎ ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዓምዶም መልሲ ኣለዎ::

"ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ንዘራረበሉ ኣለና። ንኣብነት ዛጊድ ምስ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ: ኣውሮጳን ጅርመንን ተራኺብና ተዘራሪብናሉ ኢና:: ብናይ ባዕሎም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ እዮም" ብምባል ናብ ኩሉ ከባቢ ንምብፃሕ ይስራሕ ምህላዎም ተዛሪቡ::

ኣይተ ዓምዶም "ብዋናነት ግን ብገንዘብን ፍልጠትን ዝሕግዝ ሰብ እንተረኺብና: ኩሉ ኣብ ናይ ኢዱ ስልኪ ንኽረኽቦ ብዘኽእል ንክሰናዳእ ተሊምና ሰሪሕናዮ ኣለና: ናብ ኣገልግሎት ህዝቢ ንኽነቕርቦ ግን ተወሳኺ ዓቕምን ሓገዝን የድልየና'ሎ" እውን ኢሉ።

እቲ ሓባሪ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ፅባሕ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ዘማርያስ ተመሪቑ ንመሸጣ ክቐርብ እዩ::

ኣብቲ ፅምብል ምረቓ: ሰብ ሃብቲ: ክኢላታት ቱሪዝም: መራሕቲ መንገዲ: ሰበ ስልጣን መንግስትን ካልኦት ግዱሳት ሰባትን ንኽርከቡ ተዓዲሞም እዮም::

መግለጺ ስእሊ,

ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ