ቱርኪ፡ ኣብ ኢስታንቡል ክስልሉ ረኺበዮም ዝበለቶም ሰባት ኣሲራ

ጀማል ካሾግጂ Image copyright Getty Images

ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይስልሉ ምንባሮም ዝተነስሑ ዝበለቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ስለላ ኣሲራ።

ምምጻእ እዞም ጥርጡራት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ምስ ዘጋጠመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ምትእስሳር ከይህልዎ ንምጽራይ ምርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ድማ፡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቱርኪ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።

"እዞም ውልቀሰባት ናብ ቱርኪ ምምጽኦም ምስ ሞት ካሾግጂ ዘራኽቦ ነገር ኣሎ'ዶ የለን ዝብል ንምርምር ኣለና" ድሕሪ ምባል፡ ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ንሽዱሽተ ወርሒ ከጽንዑዎም ከም ዝጸንሑ ገሊጾም።

"ኣብ ቱርኪ ብዛዕባ ዝነብሩ ኣዕራብ ሓበሬታ ንምእካብ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ግን ኣሎ" እውን ኢሎም።

እቶም ሽሞም ክርቋሕ ዘይፈቐዱ ሰበ ስልጣን ቱርኪ፡ ስለላ እቶም ጥርጡራት ኣብ ተምሃሮን ናይ ፖለቲካ ዕቑባ ዘለዎምን ዘተኮረ'ዩ ኢሎም።

"መረዳእታ ኣለና'ዩ፤ ብኣገልግሎት ስለላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተቖጸሩ'ውን ተነሲሖም'ዮም" ክብል እቲ ወሃቢ ሓበሬታ ተዛሪቡ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናይ ነዊሕ እዋን ዝምድና ዘለወ ሃገራት እየን።

ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ግብጽን ኢማራትን፡ ኳታር ብዝነጸገቶ ኽሲ ግብረ ራዕዳውያን ትድግፍ'ያ ብዝብል ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐብ ኣንቢረን'የን።

ማእኸል ስለያ ኣሜሪካ፡ ንጉስ ስዑዲ ጀማል ካሾግጂ ክቕተል ኣዚዙ ኢሉ ይኣምን።

እንተኾነ ክሳብ ሕጂ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሞት ካሾግጂ ዘለዋ ኢድ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይተረኽበን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ