ኣምባሳደር መለስ ኣለም፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ሞያሌ ናጻ ቐጠና ቁጠባ ክኸውን ይብህጋ

ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኢትዮጵያን ኬንያን፡ ዝሓሸ ቁጠባዊ ውህደት ክፈጥራሉ ኣብ ዝኽእላ መሰረታዊ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ዝርግሐ ትሕተ ቕርጽን፡ ኣተኲረን ከም ዝሰርሓ ተገሊጹ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬኒያ መለስ ኣለም፡ ኣብ ዙርያ እዋናዊ ጉዳያትን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ።

እቲ ኣምባሳደር፡ እዘን ሃገራት ዝነሓንሓ ዘይኮና ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነት ዝድረኽ ዕጫ ዘለወን'የን ዝበለ እንትኾን፡ ፕሬዝደንት ኬኒያ ኡህሩ ኬንያታ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ርክብ እተን ሃገራት ዘጠናኸረ'ዩ ነይሩ ኢሉ።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን 01 መጋቢት 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ከም ዝዘተዩን፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኬንያ ልኡኻት ንግድን ሰብ ሃብትን ሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምዕዛብ ምምጽኦም ሓቢሩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ሰብ ሃብቲ ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋር ድልየት ከም ዘርኣዩ ዝገለጸ ኣምባሳደር ኣለም፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ምህርታት ቆርበት ዝነጥፉ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ናብ ኬኒያ ከም ዝመጽኡ ተዛሪቡ።

"ክልቲኤን ሃገራት ውሕስና መግቢ ኣብ ምርግጋጽን ህንጸት መሰረተ ልምዓትን ትኹረት ገይረን ክሰርሓ'የን። ክልቲኤን ዘራኽበን ዶብ ሞያሌ ድማ ናጻ ቐጠና ቑጠባ ንክኸውን መራሕተን ድልየት ኣርእዮም'ዮም" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ 2013 ማእኸሉ ኬንያ ዝገበረ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘራኽባ ፕሮጀክት መጓዓዝያ ዝኾነ ንዓመታት ህንጸቱ ክጓተት ብዛዕባ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ላሙ'ውን ኣልዒሉ'ዩ እቲ ኣምባሳደር።

"ቑጠባዊ ውህደት ንምፍጣርን ኣማራጺ ወደብ ንምርካብን፡ እቲ ፕሮጀክት ክዛዘመሉ ናብ ዝኽእል ስራሕ ተኣትዩ'ዩ። ካብ ሰለስቲኦም ተርሚናላት ድማ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰነ ኣገልግሎት ክጅምር'ዩ" ኢሉ።

ቐጻሊ ትኹረት

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ፖለቲካዊ ምህዋር ለውጢ'ያ ትርከብ ዝበለ ኣምባሳደር መለስ ኣለም፡ "መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓቀኛ ናይ ምርጫ ባይታ ንምፍጣር ውፉይ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝቕጽሉ ግዜያት ድማ፡ ዲሞክራሲ ንምስፋሕ ዝዕድም ምቹእ ባይታ ዝህነጸሉ ግዝኣተ ሕጊ፣ ተሓታትነትን ትካለዊ ህንጸትን ክህሉ ክንሰርሕ ኢና ክብል ተዛሪቡ።

"ስእነት ስራሕን ድኽመት ትካላትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ዘምጽኣቶም ለውጢታት ፈተና ዝኾኑ'ዮም" እውን ኢሉ እቲ ኣምባሳደር።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም፡ ርክብ ህዝቢ ንህቢ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምጥንካር ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ'ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ቃል ኣትዩ።