መጥቃዕቲ ስሪላንካ፡ ቁጽሪ ምውታት 290 በጺሑ

በቲ ሓደጋ መቕረባ ዝሰኣነት ሰበይቲ ኣብ ሓዘን Image copyright Reuters

ኣብ ስሪላንካ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ክርስትያንን ሆቴላትን ብሰንበት ብዝተኻየደ ማዕበል ናይ መጥቃዕትታት ቁጽሪ ምውታት ናብ 290 ምድያቡ ተገሊጹ።

ዛጊት እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከም እተኻየደ'ኳ እንተ ዘይተረጋገጸ፡ ፖሊስ 24 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላው ገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ከባቢ 500 ሰባት ክቖስሉ ከለው፡ ካብ መንጎ ምውታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ፡ ድሕሪ ኣብ 2009 ዝተዛዘመ ኲናት ሕድሕድ፡ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ኣብ ስንባደ ሸሚምዋ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስሪላንካ ራኒል ዊክረመሲነግ ብሰንበት ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ፡ ኣካላት ጸጥታ መጥቃዕቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ሓበሬታ በጺሕዎም እኳ እንተነበረ፡ ግቡእ ስጉምቲ ከም ዘይወሰዱ ሓቢሩ።

እቲ ክስተት ከመይ'ዩ ነይሩ?

ፈለማ፡ ኣብ ሓጺር ናይ ግዜ ፍልልይ፡ ሽዱሽተ መጥቃዕትታት ምክያዱ ዝገልጽ ጸብጻብ ሰዓት 8፡45ቅቀ ወጽዩ። እዚ በዓል ፋሲካ ንምብዓል ኣብ ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያን ተኣኪቡ ንዝነበረ ህዝቢ ከምኡ'ውን ክልተ ዓበይቲ ሆቴላት ዕላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።

ፖሊስ ጥርጡራት ንምሓዝ እናተንቀሳቐሰ፡ ካልእ ክልተ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ፤ እቲ ሓደ ኣብ ከባቢ መካነ እንስሳ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ንሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ግዳይ ዝገበረ፡ ከበባ ፖሊስ ኣብ ዝነበረሉ ከባቢ'ዩ ተፈጺሙ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ግዳይ መጥቃዐቲ ዝኾነ ኣብ ጌምቦ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሰባስትያን

ሰንበት ምሸት፡ ካልእ ዝተሰንዐ ተፈንጃሪ ምርካቡን ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኮሎምቦ ናብ ዝርከብ ስፍራ ከም ዝተወስደን ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

"ሽዱሽተ ጫማ [1.8ሜ] ንውሓት ዘለዎ፡ ተፈንጀርቲ ዝመልአ ናይ ፕላስቲክ ቱቦ ረኺብና" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ብመን ተፈጺሙ?

ዛጊት ብመን ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ 24 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ካብቲ መጥቃዕትታት ገሊኡ፡ ብነፍሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተካየደ ፖሊስ ጥርጣረታት ከም ዘለዎ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ራኒል ዊክረመሲነግ፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሰብ መዚ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ በጺሕዎም ምንባሩ ሓቢሩ።

"ስለምንታይ ኣድላዪ ስጉምትታት ከም ዘይተወስደ ክንምርምር ይግብኣና'ዩ። ንኣይ ኮነ ካልኦት ሚኒስተራት ኣይተሓበረናን" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ሕጂ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነቶም ኣጥቃዕቲ ምሓዝ'ዩ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት