"እምነተይ እዩ ሓይሊ ሂቡኒ" ኤርትራዊት ኣድያም ድቡስ

ኣድያም ድቡስ Image copyright Adiam DUBUS

ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ጓል ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይና ምስ ዓቢ ሓዋን ወላዲታን ንሆላንድ ዝኣተወት ኤርትራዊት ኣድያም ዱቡስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዓውደ ሕጊ ተመሪቓ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሮተርዳም ንነበርቲ እታ ከተማ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትሰርሕ ኣላ።

እዛ ናይ ሕጊ ምርቕቲ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዳች ዘሕለፈቶን እትነብሮን ዘላ ተመኩሮ፡ ብመገዲ ኣገልግሎት ቢቢሲ ትግርኛ ንሓደስቲ ምጻእ ኤርትራውያን ኣካፊላ ኣላ።

ኣድያም ምስ ማሕበረ ሰብ ዳች ክትዓቢ እንከላ፡ መዘናታታ፡ ብሕብሪ ቆርበታን ዓሌታን ከግልሉዋን ክጎጥዩዋን እንከለው ዝስመዓ ዝነበረ ስምዒት ሕጂ እውን እንተኾነ ኣይትርስዖን እያ።

ይኹን እምበር፡ " ልዕሊ እቶም ዝንጽሉንን ዘዋስኑንን ዝሓቑፉንን ዝድግፉንን ሆላንዳውያን ስለዝነበሩ፡ ሞራለይ ኣይተተንከፈን" እትብል ኣድያም፡ ብትምህርቲ ንፍዕቲ ብምንባራ፡ ብኹሎም መማህራና ምትብባዕ እናተገብረላ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርታ ክሳብ ብዓውደ ሕጊ ብዲግሪ እትምረቕ ብጸብለልታ ከምዝዛዘመት ትሕብር።

"ወዲ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብዝተፈላለየ መሰናኽል ስለዝፍተን፡ ኣብቲ ዝወድቀሉን ዝደኽመሉን ከኣ ሓይልን ሞራልን ዝህቦን ዜተንስኦን የድልዮ እዩ" ብምባል ውልቃዊ ተመኩሮኣ እተካፍል ኣድያም፡ ሓደ እዋን ኣብ ህይወታ፡ ንሳ ብእትፈልጦ ምኽንያት ጸገም መሰጋጠማ " ኦ - ጎይታይ ብሓቂ እንተሊኻ መስኮትካ ኣርሕወለይ፡ ብመገድኻ ምርሓኒ" ኢላ ተንበርኪኻ ምስጸለየት፡ ብደሆታት ክትመልኽ ከምዝኸኣለት ብምሕባር፡ ወዲ ሰብ፡ ከካብ እምነቱን ኣምልኾኡን መንፈሳዊ ደገፍ፡ ካብ ሕብረተሰቡን አሕዋቱን ከኣ ሞራላዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትገልጽ።

"ናይ ውሽጠይስ ንውሽጠይ ደኣ!"

ኣብዚ ሕጂ እትሰርሓሉ ዘላ ምምሕዳር ከተማ፡ ብዙሓት ሓደስቲ ምጻእ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ሓገዝ ክሓቱ ዝመጽኡ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ባህላዊ ኩነታቶም፡ ናይ ውሽጦም ጸገማት ዘርዚሮም ስለዘይዛረቡሉ፡ እቲ ዝግበኦም ሓገዝ ከምዝጎድሎም ትዛረብ።

ዋላ'ኳ ብሕግን ብሞያን፡ ውልቃዊ ጉዳይ ደለይቲ ሓገዝ ከም ኣብነት ጠቒሳ ክትዛረበሉ ኣይትኽኣል፡ ብዙሓት ብሰሃራን ባሕርን ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሽግርን ጸገምን ኣጋጢሙዎም ክነሶም፡ ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ቁስልን ስቓይን እንከለዎም፡ ኣብ ክንዲ ዝዛረቡሉን፡ ሕክምናዊ ኮነ ሞያዊ ምኽሪ ዝረኽቡሉ ክሰትሩዎ ስለዝመርጹ ሓገዝ ከምዝጎድሎም ትዛረብ።

ሓገዝ ክትረክብ እናኸኣልካ፡ "ናይ ውሽጠይስ ንውሽጠይ ደኣ!" ብዝብል ብባህሊ ዝራጎድ ስትረት-ምስጢር ንበይንኻ ክትቁንዞ ከኣ ግቡእ ኣይኮነን ትብል ኣድያም።

እቲ ስድረኣ፡ ሃገሮም ክገድፉ ዝተገደድሉ ዘበነ ኩናትን መግዛእትን ብናጽነት ተደቢሱ ከብቅዕ፡ ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ሃገሮም ገገዲፎም ክስደዱ ስለዝረኣየት ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ዝመበቆላ ሆላንዳዊት ስቓይ ከምዝስመዓ ትዛረብ። እቲ እትሰርሓሉ ትካል፡ ንኣባይትን ናብራን ዝምልከት ፋይናንሲያዊ ደገፍ፡ ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን፡ ከምኡ እውን ሞራላውን ሕክምናውን ደገፍ ዝህብ እዩ።

እንተኾነ ብትሕትነኦም ዝልለዩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን (ሓበሻ)፡ ንዘጋጠሞም ጸገማት ናይ ምዝራብ ባህሊ ስለዘይብሎም፡ ብዙሓት ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሰኣን ምዛራብ ከምዝውጽዑ ትገልጽ።

"እትረፍ ብጽንኩር መገድን ፈተናን መጺእካ ኣብ ንቡር ናብራ እውን ጸገማት የጋጥም እዩ" ብምባል ከኣ፡ ንሳ ንባዕላ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ህይወታ ብደሆ ኣጋጢሙዋ ምንባሩን ብሓገዝ እምነታ ከምዝሰዓረቶን ትዛረብ።

ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ?

ኣድያም ንዕቤታን ዓወታን ደገፍን ኣልያን ስደረኣ ከምዘለዎ እኳ ትዛረብ፡ "ልዕሉ ኩሉ ግን" ትብል፡ ብትምህርትን ስራሕን ክትዓቢ ዝተጸገዓቶ ፈጣርን እምነትን ከምዝሓገዛ፡ ብተስፍኡ ተንሲአ ሕጉስ ሓዳርን ህይወትን ትመርሕ ምህላዋ ትዛረብ። ንኤርትራውያን አሕዋት ኮነ ንኹሉ ዝግበኦ ኣገልግሎት ክሓትት ናብ እትሰርሓሉ ኦፊስ ዝመጽአ ዘበለ ከኣ ብዝከኣላ ዓቕሚ ከምእትሕግዝ ተረድእ።

ኣብ እትሰርሓሉ ኦፊስ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደት፡ " ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ" ዝብል ሕቶ ክሕተት እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚድያን ናጻ ፕረስን ስለዘየሎ፡ ንግዳም ዝወጽእ ሓበሬታ የሎን ዝብል ምላሽ እያ ትህብ።

እታ ወለዳ ዝተቓለሱላ፡ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን ዝተገብረላ ኤርትራ፡ ከም ምንጪ ስደት መንእሰያት ክትረአ እንከላ ከም ኤርትራዊት ከምዝሰመዓ ትነግር።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድስ ልዕሊ 20ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው መርበብ ሓበሬታ ዳች የረድእ። ኣብ 2015 ኣስታት 40ሽሕ ኤርትራውያን ብመገዲ ሰሃራን ባሕርን ንኤውሮጳ ኣትዮም፡

  • ኣብ ስዊዘርላንድ 9520፡
  • ኣብ ጀርመን 7885
  • ኣብ ሆላንድ 6980
  • ኣብ ኖርወይ 2895
  • ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 2865
  • ኣብ ጥልያን ከኣ 475 ሰባት ዑቕባ ምሕታቶም ንዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝገለጸ ጸብጻብ የረድእ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት 2014 እውን ብሰሃራን ባሕርን ዝመጽኡ 37ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይፍለጥ።

ንዓወታ ብእምነታ እትውክሎን፡ ደጋጊማ "እምነተይ እዩ ሓጊዙኒ!" እትብል ኣድያም፡ ወዲ ሰብ፡ ውሽጣዊ ሓይልን ብርተዐን ኣብ ዝህብ እምነቱ ተወኪሉ፡ ክገብሮ ንዝደለየ ነገር "ክዕወተሉ እየ!" ኢሉ እንተነቒሉ ከምዝዕወት ትሕብር። ብምረት ስደት እናስተንተነት ከኣ፡ "ስደት ካብ ዘይተረፈ መንእሰያት ነቲ ስደት ዝፈጥረሎም ዕድላት ክጥቀምሉ ይግባእ" ክትብል ምኽራ ትልግስ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት