ባህላዊ ስርዓት መልቅስ፡ ዓሚቕ ጥበባዊ መግለጺ ሓዘን

ባህላዊ

እቲ ቅድሚ ዝኣገረ ፊደል ቀሪጹ ብራና ኣሰናዲኡ ዘቐመጠ፡ ክንሱ ታሪኹን ትውፊቱን ዘይስንድ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ ሰብን ተፈጥሮን እንትጓነጽ ዘጓንፎ ሓዘን፣ ጓሂ፣ ቃዝኖትን ሕራነን ብመልቅስን ድጓዓን ኣቢሉ እናተንፈሰ፡ ስእሊ ወለዶኡ ብቃል እናመሓላለፈን፡ እነሆ ኣብዚ ዘበን በጺሕና።

መልቅስን ድጓዓን ኣብ ስነ ቃል ሕብረተሰብ ትግራይን ትግርኛን ንዘበናት ልዑል ቦታ ሒዞም ዝጸንሑ ስነ ጥበባዊ ሃብቲታት እዮም።

''መልቅስ ኣብ ሓዘን ክእለት ምግጣም ዘለዎ ቤተሰብ፣ መሓዛ ወይ'ውን ብናይ ባዕሉ ግዳድ ዝኣተወ፡ ሽዑ ንሽዑ ናይ ምምሃዝ ክእለት ዘለዎ ሰብ፤ ብዛዕባ ጅግንነት መዋቲ፣ መልክዕ፣ ሃፍተ ገነትን ወይ ካልኦት ዝገብሮም ዝነበሩ ጽቡቓት ተግባራትን እናጠቐሰ ሓዘንተኛታት ክበኽዩ ዝገብረሉ ሓደ ዓይነት ስነቃል እዩ'' ብምባል ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ይገልጾ።

ሙሁር ታሪኽን ፀሓፍን መምህር ገብረኪዳን ደስታ ብወገኖም ''ህዝቢና ሰሙናዊ ይኹን ወርሓዊ ጋዜጣ ኣይነበሮን። ታሪኹ፣ መረረቱ ይኹን ታሕጓሱ ዝገልጸሉ ብመልቅስ፣ ድጓዓ ወዘተ ኣቢሉ እዩ።'' ይብሉ።

መግለጺ ስእሊ,

ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ

''ድጓዓ ካብ ቃዝኖት፣ ሕራነ ዝመጸ እትገጥሞ ግጥሚ እዩ'' ብምባል ኣብ መንጎ መልቅስን ድጓዓን ፍልልይ ከምዘሎ ይገልጹ።

ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ መተማ ምስ ድርቡሽ እንትዋግኡ ድሕሪ ምሟቶም ዝነገሱ ሃጸይ ሚኒሊክ፡ ሰራዊቶም ኣኸቲሎም ናብ መቐለ ብምምጸኦም ኣዝየን ዝሓረቓ ሓፍቲ ሃጸይ ዮሃንስ እቴገ ድንቅነሽ፡ ነዚ ዝስዕብ ድጓዓ ከምዝበላ መምህር ገብረኪዳን ከም ኣብነት የልዕሉ።

ከመይ ኢኹም ምኒሊከይ በይዛ

ከመይ ኢኹም ምኒሊከይ በይዛ

መዓር ዶ ተምጽኡ ኣይነበርኩምን ብኣዘዛ

ስብሕቲ ዶ ተምጽኡ ኣይነበርኩምን ብኣዘዛ

መንጸፍ ዶ ኣይነበርኩምን ከም ኣጎዛ

ሃጸይ ዮሃንስ ምስ ሞቱ ከም ብዋዛ

ተጸጊዕኹም ጸኒሕኩም ኣብ ስምዕዛ

ሎሚ እንታይ ኣምጸአኩም ሰብ ዘይብሉ ገዛ?

ክእለት መልቀስን ድጓዓን ዘለዎም ሰባት፤ ቅጽበታዊ ዝኾነ ናይ ምሕሳብን ታሪኻዊ ኩነት ናይ ምዝማድን፡ ኢሉ'ውን ልዑል ናይ ስነ ግጥሚ ክእለት ኣለዎም።

በዚ ክእለት እቶም ገጠምቲ ካብ ምግራሞም ዝተልዓለ፡ ገለ ሰባት እቶም መልቀስቲ ኣቐዲሞም ሓሲቦምሉ ዝጸንሑ ይመስሎም እዩ። መምህር ገብረኪዳን ተጓነፎ ሓደ መልቀሳይ ከምዚ ዝስዕብ ይጠቕሱ።

ሓደ ብኽእለት ዝፈልጦ መልቀሳይ ዝግረም ሰብኣይ፡ ''ነቶም ግጥሚታት በብሰቡ ኣቐዲምካ ኣዳሊኻዮም ስለ እትጸንሕ ኢኻ ኣብ ዝተረኸበ ሓዘን እተልቅስ'' ይብሎ።

እቲ መልቀሳይ ከምኡ ከምዘይኮነ ነቲ ሓታታይ እኳ ከረደኦ እንተፈተነ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ኣብ ጥቐኦም ዝነበረት ዕሾኽ ዳንዴር ሽዑ ንሽዑ እንተገጢሙላ ጥራሕ ከምዝኣምኖ ይዛረቦ።

እቲ መልቀሳይ ድማ ንጻት ሕስብ ኣቢሉ፡ ከምዚ ክብል ገጢሙላ።

ከመይ ኢኺ ዳንዴርሳ ዳንዴርሳ

ከመይ ኢኺ ዳንዴርሳ ዳንዴርሳ

ሓውዜን ዓድኺ ወለገሳ

ተምብየን ዓድኺ ወለገሳ

ቀጢን እግራ ገንጋን እዩ ርእሳ

ሰብ ይፈርሓ አድጊ ትኹልሳ።

መግለጺ ስእሊ,

መምህር ገብረኪዳን ደስታ

መልቀስ ናይ ዕድመ፣ ጾታ ይኹን ካልኦት ፍልልያት ከምዘይብሉ ዝገልጹ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ፡ ሰባት ኣብ ቀብሪ ይኹን ሓዘን መጀመሪያ ብዛዕባ መዋቲ ገጢሞም ናብ ካልኦት ማሕበራዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማቶም ምንጽብራቕን ሂስ ምሃብን ክኣትዉ ልሙድ ምዃኑ ነዚ ዝስዕብ ንእኽሊ ዝተብሃለ መልቅስ የልዕሉ።

ወዮየ ... ወዮየ ... ወዮየ

እኽሊየ እኽሊየ እኽሊ እኽሊ

ሲሶ መልክዕ ክልተ ኢድ ሓይሊ

ወዲ ኣዳም ጠፍአ ነዓኻ ክደሊ

እኽሊ ደቂቕ እኽሊ ደቂቕ

እንተሰኣንካያ ጅማትካ ትሽምቅቕ

ብዘይ ሕማም ሓይልኻ ተሕቅቕ

ብዘይ ንጉስ ዓድኻ ተልቅቕ።

መልቅስ መተንፈሲ ውሽጣዊ ስምዒት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ከም ነጻ መድረኽ 'ውን እዩ ዘገልግል። ሰብ ንምንታይ ከምዚ ኢልካ ተልቅስ ወይ ትገጥም ተባሂሉ ኣይሕተትን።

ኮይኑ ግን ኣብ ኣኽሱም፡ ሓደ እዋን ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ንቡረ እድ እያሱ ሕሙሾ ክፈሉ እናበሉ፡ ኣብቲ ህዝቢ ምምሕዳራዊ በደል የብጽሑ ስለዝነበሩ፤ ሓደ መልቀሳይ ኣብ ዳዕሮ ዒላ ኣብ ዝነበረ ቀብሪ፡ መረረት ህዝቢ ከምዝስዕብ ብምግላጹ ከምዝተኣሰረ፡ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ይዛረቡ።

(ንቡረ እድ እያሱ ናብ ደብረዳሞ ክሙንኩሱ ከይዶምስ ዳሓር ዝተመለሱ እዮም)

ከመይ እዮም ንቡረእድ እያሱ

ከመይ እዮም ንቡረእድ እያሱ

ደብረዳሞ ነይሮም ነኽሱም እንትምለሱ

እቲ ሓደ ኣዳራሾም ብመዓር በስቢሱ

እቲ ሓደ ኣዳራሾም ብጠስሚ በስቢሱ

እቲ ሓደ ኣዳራሾም ብሜስ በስቢሱ

ከመይ እዮም ንቡረእድ እያሱ

መዓር እንተረኣዩ የኽመስምሱ

ፍርዲ እንተረኣዩ ይታኸሱ

ለካ ደጋሚ ዳዊትስ ዘይማላእ ነብሱ።

መልቅስ ኣበይን መዓዝን ከምዝተጀመረ ኣይፍለጥን። ኣብ ትግራይ ድማ ምስ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ተተሓሒዙ ከም ጎዳኢ ባህሊ ስለዝተመደበ፡ ኮነ ተባሂሉ ክጠፍእ ተሰሪሑሉ እዩ ይብሉ ዶክተር ዳኒኤልን መምህር ገብረኪዳንን።

ኣብ 1951 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ዘበነ ኣንበጣ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ጸገም እዋን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ርዳእታ ሂቦም ነይሮም ዝበሃሉ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ከኔዲ፡ ኣብ 1955 ዓ.ም ምሟቶም ምስተሰምዐ፤ ተወላዲ ኣኽሱም ዝኾነ ተስፋይ ወዲ ዕራይ ዝተብሃለ ሰብኣይ፡ ከምዝስዕብ ክብል ኣልቂሱ ይብሉ መምህር ገብረኪዳን ደስታ።

ወዮየ ... ወዮየ ... ወዮየ

ከመይ ኢኹም ጎይታ ኣይተ ከኔዲ

ከመይ ኢኹም ጎይታ ኣይተ ከኔዲ

ስርናይ ትህብዎ ኔርኩም ንወዲ ዓዲ

ጸባ ትህብዎ ኔርኩም ንወዲ ዓዲ

ሞትኩም ሰሚዕናዮ ኣብ መገዲ

ከይንቐብር ርሒቑና ዓዲ

እዞም ኣመሪካስ ኣይተማህሩን ግዲ

መራሒኦም ዝቐትሉ ብዘይፍርዲ።