ተቓውሞ ሱዳን፡ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንሰልፈኛታት ኣጠንቂቑ

ሰልፈኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ይጠልቡ

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም ዓጽየምዎ ዘለው መገድታት ክኸፍቱ ከም ዝግባእ ሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ነቲ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ዝወስድ መገዲ፡ ማእከል ናይቲ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ተቓውሞታቶም ገይረምዎ እዮም ቀንዮም።

መራሕቲ እቲ ተቓውሞ፡ እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ከባቢ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዝነበሩ ሰባት ተታሒዙ ምህላው ብምግላጽ፡ ምስቲ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ዘለዎም ውዕል ከም ዘብቅዐ ብሰንበት ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ሰራዊት ብወገኑ ስልጣን ከረክብ ምዃኑን ምስ ሲቪል ብምትሕብባር ልፍንታዊ ቤት ምኽሪ ንምቛም ሓሳብ ከም ዘለዎን ይሕብር።

ኣቦ መንበር እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣብደልራህማን ቡራህ "ከምዚ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ ኣሎ፤ እቶም ተቓወምቲ ግን ዛጊት ምላሽ ኣይሃቡን ኣለው።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም ተቓውሞታቶም ይቕጽሉ

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝኾነ ወዲ 23 ዓመት ካውታር ሓሰበላ "ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኬላታት ምቁጽጻር ክንቅጽሎ ኢና፤ ወላ ሓደ ካብዚ ስፍራ ከንቀሳቕሰና ኣይክእልን'ዩ" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሚያዝያ 6 ዝጀመረ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፡ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቱ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክኣልይ እንከሎ፡ እቲ ስልጣን ዝተረከበ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ክልተ ዓመት ስልጣን ንሲቪል ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መራሕቲ እቲ ተቓውሞን እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽርን ዝካየድ ዝርርብ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምርሕ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፤ መራሕቲ እቲ ተቓዎም ምስቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ዝገብርዎ ምዝርራብን ምትሕብባርን ደው ከም ዘበልዎ ገሊጾም ኣለው።

እቲ ቤት ምኽሪ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ስርዓት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣፍልጦ ከም ዘይህብዎን ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ብወግዒ ክግለጽ ምዃኑን ወሃቢ ቃል መራሕቲ እቲ ተቓውሞ መሓመድ ኣልኣሚን ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት