ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ፑቲን ንዝካየድ ኣኼባ፡ ናብ ሩስያ ተበጊሱ

ኪም ጆንግ-ኡን ናብ ባቡር ክሳፈር ከሎ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ናብ ባቡር ክሳፈር ከሎ ዘርእይ ምስሊ ፈንያ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንፈለማ እዋን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብ ሩስያ ኣምሪሑ።

ኪም ናይ ብሕቱ ባቡር ተጠቂሙ ከም ዝተጓዓዘ ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ኣቃሊሓ።

ብወገን ሩስያ ዝወፀ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ክልቲኦም መራሕቲ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ከተማ ቭላዲቨስቶክ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ "ፀገም ኒኩሌር" ክዘራረቡ እዮም።

ገለ ተንተንቲ ድማ፡ ኪም ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጀመሮ ዝርርብ ብምፍሻሉ፡ ካብ ፑቲን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሩስያ ከም ዝተጓዓዝ ይዛረቡ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሃኖይ-ቬትናም ንኻልኣይ ግዜ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣፅዋር ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ትራምፕን ኪምን፡ ምርኻቦም ውፅኢታዊ ኣይነበረን።

ንፑቲን ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲ ዘማኽሮ ዩሪ ኡሻኮቭ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ኩነታት "ገለ ምምሕያሻት" ከም ዝተረኣየ ተዛሪቡ።

"ሩስያ ነዚ ዝተረኣየ እወንታዊ ምዕባለታት ንምጥንኻር ብዝከኣላ ኩሉ፡ ንምሕጋዝ ድልውቲ እያ" ክብል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንዴራታት ሩስያ (ፀጋም) ሰሜን ኮርያ (የማን) ኣብ ከተማ ቭላዲቨስቶክ - ሩስያ

ሩስያ፡ ፕሮግራም ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ንኽቋረፅ ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት ክትሳተፍ ፀኒሓ እያ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግ-ኢል (ኣቡኡ ንኪም) ንፕረዚደንት ሩስያ ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ኣብ 2011 ረኺብዎ ነይሩ።