ንኦባማ ንምቅታል ዝተዓለመ ሚሊሻ ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ

መራሒ 'ዩናይትድ ኮንስትቱሽናል ፓትሪዮትስ' ሃፕኪንስ Image copyright PAUL RATJE/AFP/Getty Images

መራሒ ሚሊሻ ሓለዋ ዶብ ኒው መክሲኮ ኣሜሪካ፡ ንፕረሲደንት ነበር ባራክ ኦባማ ንምቕታል ውጥን ከም ዝነበሮ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ክብል ኤፍ.ቢ.ኣይ ገሊጹ።

ካብ ኤፍ.ቢ.ኣይ ብዝተረኽበ ተወሳኺ ሓበሬታ ወዲ 69 ዓመት መራሒ 'ዩናይትድ ኮንስትቱሽናል ፓትሪዮትስ' ላሪ ሚቸል ሆፕኪንስ፡ ንሂላሪ ክሊንተንን ንቢልዮነር ጆርጅ ሶሮስን ንምቅታል 'ውን መዲቡ ነይሩ።

ጠበቅኡ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ኩሉ ዝበሃል ዘሎ ውጹእ ሓሶት'ዩ ድማ ይብል።

ሆፕኪንስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብዋንነት ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ገበነኛ ኮይኑ ኣሎ።

ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ኣብ ዶብ መክሲኮን ኣሜሪካን ስደተኛታት ምእሳሮም፡ መዛርቢ ማዕከናሰት ዜና ድሕሪ ምዃኑ ኢዩ ተኣሲሩ።

እዚ ጉጅለ ንሓለዋ ዶብ ከም ዝሕግዝ እኳ ዝምጉት እነተኾነ፡ እቲ ብቪድዮ ዝተራእየ ተግባራቱ ግን ቑጥዐ ኣለዓዒሉ ኢዩ።

ኤፍ.ቢ. ኣይ ብዛዕባ ህላውነት እዛ ጉጅለ ብ2017 እዩ ፈሊጡ። እዛ ኣብ መንበሪ ገዛ ሃፕኪንስ ዝመደበራ ኣስታት 20 ዝኣባላት ጉጅለ ከም AK-47 ዝዓይነቱ ጠበናጁ ዝዓጠቐት ኢያ።

ፍሉይ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ደቪድ ገብርኤል፡ እዛ ጉጅለ ንቢልዮነር ጆርጅ ሶሮስን ሂላሪ ክሊንተንን ባራክ ኦማባን ንምቅታል መደብ ከም ዝነበራ ይኸስስ።

ጠበቓ ኮነል ግና፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ መንበሪ ገዛ ሃፕኪንስ ኣብ 2017 ፈቲሹ ኣጽዋር ረኺቡ፡ ክሲ ንምምስራት ግን ንምንታይ ኢዩ ክልተ ዓመት ዘድልዮ ክብል ይሓትት። ገበነኛ እንተኾይኑ'ኸ ንምንታይ ሸዑ ዘይተኣስረ ይብል።

ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዝብልኦ ሃፕኪንስ 10 ዓመት ማእሰርትን 250,000 ዶላር መቕጻዕቲ ክበየኖ ይኽእል'ዩ።

ሃፕኪንስ ኣብ 1996 ከምኡ'ውን ኣብ 2006 ምስ ጉዳይ ብረት ብዝተኣሳሰር ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ምርካቡ ይፍለጥ።