ቦይንግ፡ ኣብ ነፈርቲ 737 ማክስ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ መኽሰባቱ ከምዝነከየ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Stephen Brashear
ኣሜሪካዊ መፍረይ ነፈርቲ ትካል ቦይንግ ኣብዚ ርብዒ ዓመት፡ 20 ሚእታዊት ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ፤ ምኽንያት መኽሰሪኡ ድማ ብ737 ማክስ ዝግበር ጉዕዞ ብምንካዩ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ክልተ ተመሳሰልቲ ምሕምሻሽ ምግጣሙ ስዒቡ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ክረኽቦ ዝኽእል ትርፊ ክስእን ከምዝኽእል እውን ስግኣቱ ኣቐሚጡ ኣሎ፡ ትካል ቦይንግ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ምሕምሻሽ ነፈርቲ ድማ፡ 737 ማክስ 8 ነፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ንከይውዕላ ምእጋደን ይዝከር።
ምስዘን ሞዴል ነፈርቲ ንፁር ሓበሬታ እንትህልወኒ፡ ኣብ ጉዳይ ትርፊ ዝምልከት መረዳእታት ዕላዊ ክገብር እየ ኢሉ ቦይንግ።
ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዥያን ኣብ ዝተሓምሻሻ ክልቲአን ነፈርቲ ህይወት 346 ሰባት ጠፊኡ እዩ።
ቀዳማይ ብርኪ ፀብፃብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ፡ ቦይንግ ነቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ከምዝቕበሎ ምግላፁ ይዝከር።
ኩባንያ ቦይንግ ንኹለን 737-8 ማክስ ነፈርቲ ካብ በረራ ኣጊዱ
ኣሜሪካዊ ትካል ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ካብቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሓምሸሸትሉ ከባቢ ሓደሽቲ መረዳእታት ብምርካቡ፡ ኩለን 737-8 ማክስ ነፈርቲ ከምዝኣገደ ገሊጹ።