ቭላድሚር ፑቲንን ኪም ጆንግ-ኡንን ኣብ ደሴት ሩስኪ፡ ሩስያ ተራኺቦም

ኪምን ፑቲንን ናይ ኢድ ሰላምታ እናተለዋወጡ Image copyright AFP

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን፡ ንፈለማ እዋን ንዝካይድዎ ኣኼባ ኣብ ሩስያዊት ከተማ ተራኺቦም።

ኣብ ምብራቕ ሩስያ፡ ጥቓ ከተማ ቭላዲቮስቶክ ኣብ ዘላ ደሴት ሩስኪ ዝተራኸቡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብፍሽኽታ ዝተሰነየ ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጡ ተራእዮም።

ብወገን ሩስያ ዝወፅአ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ እቲ ኣኼባ ንሰሜን ኮርያ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ዓሊሙ'ዩ ክካየድ። ይኹን ደኣ'ምበር ኪም፡ እቲ ምስ ኣሜሪካ ጀሚርዎ ዝነበረ ዝርርብ ብምፍሻሉ ደገፍ ንምርካብ ናብ ሩስያ ከም ዝኸደ ይግለፅ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ቬትናም ሃኖይ ተራኺቦም ዝነበሩ ኪምን ትራምፕን፡ ርክቦም ብዘይ ገለ ውፅኢት ተዛዚሙ ነይሩ።

ኪም ሩስያ ምስ በፅሐ፡ ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ድሙቕ ዝኾነ ሰላምታ ኣቕሪቡሎም'ዩ።

ዶብ ሰጊሩ ናብ ሩስያ ክኣትው ከሎ፡ ንቴሌቪዥን ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እዚ ዘተ ዕውትን ውፅኢታውን ከም ዝኸውን እትስፎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

"ምስ ክቡር ፕረዚደንት ሩስያ ክንዝትይ ከለና፡ ብዛዕባ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ኮነታትን ክልተኣዊ ርክብን [ሩስያ-ሰ.ኮርያ] ወሰንቲ ዝኾኑ ነጥብታት ኣልዒልና ክንዘራረብ ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ።