ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብውሕጅ መላእ ስድራቤቱ ዝሰኣነ ኣቦ

ኣብ ከተማ ደርባን ከምኡውን ዞባ ክዋዙሉ-ናታል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዘጋጠመ ውሕጅን ምህማም መሬትን ብውሕዱ ልዕሊ 60 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ካብ መንጎ ምውታት ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኡን ካልእን ህጻናት ይርከብዎም።
ሓደ ኣብ ዞባ ክዋዙሉ-ናታል ዝነብር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣቦ ብውሕጅ መላእ ስድራቤቱ ከም ዝሰኣነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ታምሳንቃ ድላማኒ ዝተብሃለ ኣቦ፡ ንሸሞንተ ኣባላት ናይ ስድራቤቱ በቲ ንመንበሪ ገዝኦም ዝዓበጠ ምህማም ናይ መሬት ካብ ጎድኑ ከም ዝሰኣኖም ይገልጽ።
ውሕጅ በቲ መንደቕ ሰጊሩ ናብ ገዝኡ ቅድሚ ምእታው፡ ሓደ ብርቱዕ ድምጺ ከም ዝሰምዐ ተዛሪቡ።
"ደቀይ ካብቲ መደቀሲ ክፍሊ ክውጭጩ ምስ ሰማዕኹ፡ ክረድኦም ተጓዪየ፡ እንተኾነ ግና እቲ ብርቱዕ ውሕጅ፡ ናብ ካልእ ክፍሊ ደፊኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ኣእትዩኒ" ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ'ውን "ኣውያት ናይቶም ቆልዑ ካብ ኣእምሮይ ክወጽእ ኣይከኣልን፡ ጎረባብቲ ከረድኡና ፈቲኖም፡ እንተኾነ ግና ነቶም ህጻናት ክነድሕኖም ኣይከኣልናን" ኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ውሕጅ ብዘስዓቦ ምንሽርታት ናይ መሬት ኣባይትን ጽርግያታትን ዓንዩ
ብሓፈሻ በቲ ኣብ ደርባን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁጽሪ ምውታት 60 በጺሑ ኣሎ።
ልዕሊ 1000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ናብቲ ከባቢታት ዑደት ዝገበረ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ኣፍሊጡ።
ደቡባውን ምብራቓውን ክፋላት እታ ሃገር ጉድኣት በዚ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልትታት ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣዝዩ ተጎዲኡ ኣሎ።
ሕጅ'ውን ሓያል ንፋስን ውሕጅን ኣብ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታት ይወሃብ ኣሎ።