ዓለማዊ መዓልቲ ዓሶ፡ ሕማም ዓሶ እንታይ'ዩ፡ ብኸመይ'ከ ንኸላኸሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓሶ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም'ዩ
ብቐሊሉ ክንከላኸሎ እንኽእል ሕማም ዓሶ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቂቕ ሓደ ሕጻን ክቐትል ከሎ፡ ኣብ ዓመት፡ ልዕሊ 200 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝጥቅዑ ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመላኽት።
ኣንጻር እቲ ሕማም ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ጽቡቕ ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፡ ካብ 2015 ንደሓር ግና፡ ከምኡ ኣይቀጸለን።
ዓለማዊ ትካል ጥዕና ኣብ 2018 ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 2015 ከሳብ 2017 ተርእዮታት እቲ ሕማም ከም ዘይጎደለ ይገልጽ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
25 ሚያዝያ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ክትፈልጥዎ ዝግብኣኩም ነጥብታት እነሆ፡
- ዓሶ፡ ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ፕላስሞድየም ዝተብሃለ ጽግዕተኛ (ፓራሳይት) ዝመሓላለፍ ቀታሊ ሕማም'ዩ።
- እቶም ጽግዕተኛታት ብመንከስቲ ኣኖፍለስ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣንስተይቲ ጣንጡ ይመሓላለፉ።
- ዓሶ ክንከላኸሎን ከንፍውሶን እንኽእል ሕማም'ዩ።
- ኣብ 2017፡ ኣብ 87 ሃገራት 219 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓሶ ተለኺፎም (ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም)
- ኣብ 2017 ከባቢ 435,000 ሰባት ብምኽንያት ሕማም ዓሶ ህይወቶም ስኢኖም።
- ኣብ 2017 ካብ ተርእዮታት እቲ ሕማም 92% ኣብ ኣፍሪቃ ክኸውን ከሎ 93% ብሕማም ዓሶ ካብ ዝሰዓበ ሞት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።
- ኣብ 2017፡ ብሓፈሻ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻርን ንምእላይን 3.1 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩ።
ምልክታት ሕማም ዓሶ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ረስኒ፣ ምንቅጥቃጥን ሕማም ርእሲን መባእታዊ ምልክታት ሕማም ዓሶ እዮም
ምልክታት ሕማም ዓሶ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልትታት ድሕሪ መንከስቲ ጣንጡ ከቕጽል ዝኽእል- ረስኒ፡ ሕማም ርእስን ቁርን እዮም።
ብልምዲ ዓሶ-ርእሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕላስሞድየም ፋልሲፋረም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሕክምናዊ ረድኤት እንተዘይረኺቡ፡ ሓደገኛ ኮይኑ፡ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል።
ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዐ መን'ዩ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እቶም ዝያዳ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ ኮይኖም፡ ኣብ 2017 ብሕማም ዓሶ ካብ ዝሰዓበ ሞት እቶም 61% ኣብዚ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት እዮም።
ብዘይካ'ዚ፤ ነፍሰጾራትን ድኹም ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት'ውን ነዚ ሕማም ቅሉዓት እዮም።
ብኸመይ'ዩ ዝመሓላለፍ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብፕላስሞድየም ዝተለኽፈት ኣንስተይቲ ጣንጡ ነቲ ሕማም ተመሓላልፍ
ቀንዲ መመሓላለፊ ሕማም ዓሶ፡ መንከስቲ ኣንስተይቲ ጣንጡ እዩ። ዳርጋ ኩሉ መንከስቲ እዛ ጣንጡ ኣብ ሰዓታት ምሸት እዩ ዝግበር።
እዛ ኣኖፍለስ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣንስተይቲ ጣንጡ ደም ብምጻው ዘፍረየቶ እንቋቅሖ ኣብ ማይ'ያ ትጸፍዮ።
ብኸመይ ንከላኸሎ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመንከስቲ ጣንጡ ክንከላኸለሉ እንኽእል ክልተ ውጽኢታውያን መገድታት - ምጥቃም ዝተሰበነ ላሙስያን፡ ጸረ ታህዋስ መድሓኒት ኣብ ዓመት ክሳብ ክልተ ግዜ ምንጻግን እዮም።
ገያሾ፡ ነፍሰጾራትን ህጻናትን ድማ እኹል ዝኾነ ጸረ ዓሶ ከኒና ብምውሳድ ክከላኸልዎ ይኽእሉ።
ምርመራን ፍወሳን ሕማም ዓሶ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕማም ዓሶ ብኣግኡ እንተደኣተፈሊጡን ሕክምና ተረኺቡን፤ ኣብቲ ተሓካሚ ጽቡቕ ምምሕያሽ ምርኣይ ይከኣል
ዓሶ፡ ኣብ ሕክምና ኣብ ውሽጢ 30 ደቂቕ ክልለ ዝኽእል ሕማም ኮይኑ ዝፍወስ ሕማም'ዩ።
ኣቐዲካ ንሕማም ዓሶ ምልላይ፡ ናይ ምምሕልፍ ተኽእሎ ብምጉዳል፡ መጠን ሞት ይቕንስ።
ተጻዋርነት ንጸረ ታህዋስን ኣፋውስን
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ኣናፎለስ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣንስተይቲ ጣንጡ፡ ንጸረ ታህዋስን ኣፋውስን ተጻዋርነት እናኣጥረየት ትኸይድ ምህላዋ ውድብ ጥዕና ዓለም የጠንቅቕ።
እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብዚ እዋን ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን እንጥቀመሉ መገዲ፡ ንመጻኢ ዘይሰርሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኣብ 68 ሃገራት፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ካብ እንጥቀመሎም ጸረታህዋስ፡ ጣንጡ ክጻወርኦ ተራእዩ ኣሎ። ተጻዋርነት ጸረ ጣንጡ መድሃኒት'ውን ካልእ ጸገም እዩ።
ኣድማዕነት መድሃኒት ምክትታል፡ ሕማም ዓሶ ንምቁጽጻርን ጨሪስካ ንምጽራይን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
እቲ ዕላማ ድማ፡ ዝኾነ ንጻር እቲ መድሃኒት ተጻዋርነት ምስዝህሉ ብኣግኡ ንምልላይን ኣብ እዋኑ ውጽኢታዊ ስጉምቲ ንምውሳድን እዩ።