ብመንግስቲ ሱዳን ዝተሰነዐ ዜና፡ ብኸመይ ነቲ ስርዓት ተመሊሱ ሃስዩዎ?

እሱራት ደቂ ዳርፉር

ምንጪ ስእሊ, Facebook / NISS

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ተምሃሮ ብኣልማማ ብምእሳርን ገደብ ዘይብሉ ሓይሊ ብምጥቃምን ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ምልዕዓል ሱዳን ከናሽውዎ ከም ዝፈተኑ ቢቢሲ ሓዲሽ መርትዖታት ረኺቡ።

ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ተምሃሮ ኣብ መደበር ተሌቨዠንን ኣብ መሕበራዊ መራኸቢታትን ኣቕሪቦም ብሓይሊ ንዘይገበርዎ ክኣምኑ ከም ዝገበርዎምን ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ዝኣለምዎ ውዲት ተመሊሱ ይወቕዖም ኣሎ። እዞም ተምሃሮ ኣብዚ እዋን ዛንትኦም የካፍሉ ኣለው።

''ረሳሕ ሰብ፡ ባርያ''

ካብቶም እሱራት ዝነበሩ ሓደ፡ ጆን እዩ። ንሱን ብጾቱን ከም ዘዘንተውዎ፤ እቶም ናይ ጸጥታ ኣባላት ናይ ዘርኢ ጸርፊ ከም ዘዝነቡሎምን ብኣባትርን ቡኛን ገይሮም ከም ዝቐጥቀዎም ይሕብሩ።

ናይ ቢቢሲ መጽናዕቲ ንዝተፈላለዩ ወገናት ድሕሪ ምዝራብ ዝረኸቦ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፤ እዞም ካብ ዳርፉር ዝኾኑ ጆንን ብጾቱን ንሓያሎ ሰዓታት ብኣባላት ጸጥታ ተቐጥቂጦም ኢዮም።

እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዓቢዩ

እቲ ተቓውሞ ኣብ ከባቢ 19 ታሕሳስ ዝጀመረ ኮይኑ፤ መዓልታዊ ህዝባዊ ተቓውሞ ይግበር ነይሩ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ጠገለ ዘይብሉ ሓይሊ ብምጥቃሙ ብዙሓት ሰባት ተጎዲኦም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 60 ከም ዝሞቱን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ከም ዝቖሰሉን ይሕብሩ።

እንተኾነ ግን፤ እቲ ናይ መንግስቲ ሓያል ግብረ-መልሲ ነቲ ንዝተጀመረ ናዕቢ ጠጠው ከብሎ ኣይከኣለን። ብዕለት 11 ምያዝያ፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብሓያል ተቓውሞ ህዝቢ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ድሕሪ 30 ዓመታት ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ስልጣን ኣለልዮምዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ብሓይሊ ምእማን

እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ክዓቢ ምስ ጀመረ፡ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር፡ ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ምስቶም ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ንምትእስሳር ሓደሽቲ ፕሮፖጋንዳታት ክምህዝ ጀሚሩ።

ዳርፉር ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዝርከብ ኮይኑ፤ ካብ 2003 ጀሚሩ ብውግእ ዝተሓመሰ ዞባ እዩ።

ዕለት 29 ታሕሳስ 2018፡ መንግስቲ እቶም ሰልፈኛታት ዝሕብኡሉን ኣንጻር መንግስቲ ሽበራ ንምክያድን ዝጥቀሙለን ንኣሽቱ ክፍልታት ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ኣብ መደበር ተሌቪዠን እታ ሃገር'ውን፤ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቶም ዝተብሃሉ ጥርጡራት ክኣስር እንከለዉ ተራእዮም። ብመንግስቲ ዝውነና ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ነቲ ቨድዮ ዘርጊሐንኦ።

እብቲ ቪድዮ፤ ክልተ ዝደኸሙን ብፍርሒ ዝተዋሕጡን ጸለምቲ ሰብኡት፡ ናይቲ ብዓደል ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ኣብ ዳርፉር ዝመደበሩ ምንቕስቓስ ሓርነት ሱዳን ኣባላት ከም ዝኮኑ ክእመኑ እንከለው የርኢ።

እቶም ተምሃሮ፡ ኣብታ ዝተዘርገሓት ቪድዮ ግጭት ከለዓዕሉ ከም ዝፈተኑን ብረት ሒዞም ኣብ ሰልፊ ከም ዝወጹን ኣዊጆም።

ጆንን ካልኦት ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ፤ እቶም ሰለስተ ኣሰብኡት ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ድሕሪ ሓያል መውቃዕቲ ዝተዛረብዎ ከምዝኾነን ኮነ ኢልካ ዝተገብረን እዩ ይብሉ።

እንታይ ዩ ኣጋጢሙ?

ጆን ምስ ካልቶት መማህርቱ ተኻርዩ ኣብ ሰናር ዝተባህለ ዞባ ዳርፉር ይነበር ነይሩ። እታ ዝመሃሩላ ዝነበሩ ሰናር ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ናዕቢ ምስተዓጽወት፡ ገሊኦም ተምሃሮ ንዓዶም ክምለሱ ወሲኖም። ገሊኦም ድማ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ክጸንሑ መሪጾም።

ጆን ዕለት 23 ታሕሳስ ዘጋጠሞም ክገልጽ እንከሎ፤

''ካባቢ 30 ተምሃሮ ቁርሲ እናበላዕና እንከለና ቁጽሪ ሰሌዳ ዘይብላ ቶዮታ ዝዓይነታ መኪና ናብቲ ዘለናዮ ደበኽ ኢላ። ሽዑ ንሸዑ ከኣ ኣሲሮም ኣብ ስናር ናብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ወሲዶምና''

ድሕሪኡ፤ ድሕሪ ብዙሕ ግፍዒ ኣብ ጥቓ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፍት ሃገራዊ ድሕነት ተላኢኾም።

እቶም ተምሃሮ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታን ዘይጥዕም ኩነታትን እዮም ተኣሲሮም፡ ብሓለንጊ ከም ዝተገረፉ ድማ ዝተፈላለዩ ምንጨታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ካልኦት ተምሃሮ ካብ ላልኦት ዩኒቨርስታት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝተኣስሩ'ውን ነይሮም።

ሓደ ተምሃራይ ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፡ ''እቶም ኣባላት ጸጥታ፡ ቤንዚን ዝመልኦ ብኢድ ዝውርወር ቦምባ ሰሪሕካ ኢሎም ከሲሶምኒ'' ይብል።

ጆን ከም ዝሓበሮ'ውን እቲ ኣብ ዕለት 11 ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሳልሕ ጎሽ፤ ሓደ እዋን "እቶም ተምሃሮ ተገሪፎም'ዶ?" ክብል ናብቲ ቤት-ማእሰርቲ ከም ዝመጸ ይዛረብ።

ንሱ ምስ ከደ ድማ ነቶም ዘይተቐጥቐጡ ተምሃሮ፡ ክጥቕጥዎም ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

እቶም ሰለስተ ሰባት ዝሃብዎ ምስክርነት፤ ኣብታ ዝተዘርገሓት ቪድዮ የዕርኹቶም ምስ ኣለለይዎም፡ ነቲ ዝተባህለ ምስክርነት ነጺጎሞ።

እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ሰለማውያን ከም ዝኾኑን ምሰ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ምትእስሳር ከም ዘይብሎምን መስኪሮም።

ብዙሓት ዝተሓተቱ ወገናትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝሓበርዎ'ውን፤ ኣብ ዓመጽ ዝዋፈሩ ዘለዉ ተወለድቲ ዳርፉር ከምዝኾኑ ገይርካ ኣብ ሰባት ስምዒታት ንምፍጣር ተፈቲኑ እዩ ይብሉ።

ዕለት 11 መያዝያ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ፡ እቶም ዕውታት ሰልፈኛታት ''ዳርፉር ዓድና እያ! ሰውራ! ሰውራ!" ኢሎም ክጭድሩን ክዝምሩን ተቐዲሖም።

ንጆን እንታይ ኣጋምዎ?

ዋላ'ኳ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ንጆን ብተተጋጋሚ እንተቐጥቀጥዎ፤ ብሓሶት ኣብዘይወዓሎ ክኣምን ኣይደለየን። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

''ምስ ተፈታሕኩ፡ እቶም መኰንናት ቤት-ማእሰርቲ ይቕረ ሓቲቶምኒ። ዝተባህልዮ ኢና ንገብር ነይርና'' ኢሎምኒ።

ኣነ ከኣ ''ገበን ዘይብለይ መጺእኩም ካብ ገዛይ መንጢልኩምኒ፡ ኣሲርኩምኒ፤ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኣሳቒኹምኒ ይቕረ ኣይብለኩምን ኢየ'' ኢለዮም።

ኩሎም ተኣሲም ዝነበሩ ተምሃሮ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ተፈቲሖም። እቶም ዝተረፉ ደቂ ዳርፉር ብምልኦም ካብ ቤት-ማእሰርቲ ንክፍትሑ ዳርፉር ባር ኣሶሰሽን ዝተባህለ ትካል ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽርን ሓለፍቲ ጸጥታን ካብ ስልጦኖም ተኣሊዮም ኣለው። ግን እቶም ጀነራላቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ኣለው።

እቶም ሰልፈኛታት'ውን እቲ ኣብ ሰልጣን ዘሎ ወደሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ተኣሊዩ ናብ በርገሳዊ መንግስቲ ክሳብ ዝሰጋገር ተቓውምኦም ክቕጽሉ ምዃኖም ተመባጺዖም ኣለው።

ነዚ ኣመልኪትና ንኤምባሲ ሱዳን ኣብ ሎንደን ኣብ ዝሓተትናሉ መልሲ ክንረክብ ኣይከኣልናን።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ቕድሚ ካብ ስልጣን ምእላዩ ''መንግስቲ ብምርጫ እምበር ብወትስ'ኣፕን ብፈይስ ቡክን ካብ ስልጣን ኣይእለን ኢዩ'' ኢሉ ነይሩ።

ሱዳናውያ ግን ካብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ጎሪሖም ነዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብግቡእ ብምጥቃም ንረብሕኦም ኣውዒሎሞ።